ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ስድራ

ስድራ ቤተይ ኣብ ሂወተይ ክውስኑ ይፍቐዶም ድዩ?

Får familjen bestämma över mitt liv? - tigrinska

ወለድኺ ወይ መጕዚኺ ክሳዕ 18 ዓመት ትመልኢ ናትኪ ሓላፍነት ይወስዱ። እዚ ግን ንኩሉ ክውስኑ ይፍቐደሎም ማለት ኣይኮነን። ንስኺ’ውን ኣብ ንሂወትኪ ዝምልከቱ ውሳነታት ተኻፋሊት ክትኮኒ መሰል ኣለኪ። ስድራቤትኪ መጠኑ ዝሓለፈ ክውስኑ እንተ ደልዮም ወይ ቁጽጽር እንተ ጌሮምልኪ ሓገዝ ሕተቲ።

En ung kille står en bit ifrån en grupp människor som syns som skuggor. Illustration.

ኣብ ሓደ ስድራ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክህልው ልሙድ እዩ። ንኣብነት ምሸት ሰዓት ክንደይ ገዛኺ ትኣትዊ፣ ኣየኖት ክዳውንቲ ትኽደኒ፣ ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብኸመይ ትጥቐሚ። ነዚ ዝውስን ሕጊ የለን። ንከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምስ ስድራቤትኪ ክትረዳድእሎም ኣለኪ።

እዞም ዝስዕቡ ክትውስኒ ይፍቐደልኪ

ንገለ ጉዳያት ባዕልኺ ክትውስኒ መሰል ኣለኪ፣ ዋላ’ውን ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኾንኪ። ገለ ኣብነታት፣

  • ዝደለኽዮ ክትፈትዊ ወይ ክትሓስቢ ክትክእሊ ኣለኪ።
  • ትፈትውዮም ነገራት ንክትገብሪ ግዜ ክህልወኪ ክትክእሊ ኣለኪ፣ ንኣብነት ምስ ማሓዙትኪ ክትራኸቢ፣ ኣካላዊ ምንቕስቓስ ክትገብሪ።
  • ንከተዕርፊ ግዜ ክህልወኪ ክትክእሊ ኣለኪ።
  • ንዝደለኽዮ ሃይማኖት ክትክተሊ፣ ሃይማኖታዊ ክዳን ክትክደኒ ወይ ዘይክትክደኒ፣ ወይ ምኽታል ሃይማኖት ከተቋርጺ ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ።
  • ውልቃዊ ሂወት ክህልወኪ ክትክእሊ ኣለኪ። ንኣብነት ዝኾነ ሰብ ንዓኺ ከይሓተተ መልእኽትታትኪ ከንብብ ወይ ካልኦት ነገራት ኣብ ኮምፒተርኪ ክርኢ ኣይፍቐድን።
  • ንዝደለኽዮ ከትፍቕርን ምስ ዝደለኽዮ ክትኮንን ክትክእሊ ኣለኪ።

ናይ ምምሃር መሰል

ኩሉም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ህጻናት ካብ 1ይ ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ክመሃሩ ይግደዱ። እዚ ማለት፣ እንተዘይሓሚምኪ፣ ኣብ ኣስተምህሮ ቤት ትምህርቲ ክትህልዊ ትግደዲ እዩ። ትምህርቲ ካብ ምኻድ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከተዓናቕፈኪ ኣይፍቐደሉን። ገለ ኣስተምህሮታት ካብ ምክፋል ዝኾነ ይኹን ሰብ ከጎናድበኪ ኣይፍቐደሉን። እዚ ንከም በዓል ትምህርታዊ መገሻ ወይ ልምምድ ዝኣመሰሉ ነገራት`ውን ይምልከት።

ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ እንተ ዄንኪ ባዕልኺ ትውስኒ

እንተ ደሊኺ ግብረሕብእ ክትፍጽሚ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ መሰል ኣለኪ። ኣብ ኣካላትኪ ባዕልኺ ትውስኒ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ስድራ ቤትኪ ወይ’ውን ካልእ ሰብ ክኽልክለኪ ኣይፍቐደሉን።

ጾታዊ ርክብ ፈጺምክን ኣይፈጺምክን ክርአ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ወይ መትሎ ወዲ ተባዕታት ወይ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ክርአ ኣይክእልን እዪ። ኣብ ውሽጢ ብልዕቲ ንርሕሚ ዝሽፍን ዝኾነ ይኹን መምብራና የለን።

እንተደሊኺ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቐሚ ትኽእሊ ኢኺ። መከላኸሊ ጥንሲ ንምጥቓም ካብ ስድራቤትኪ ወይ መጕዝኺ፣ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ዘሎ ሰብ ወይ’ውን በዓል ቤትኪ ፍቓድ ኣየድልየክን እዩ።

ንክትምርዓዊ ባዕልኺ ትውስኒ

ንስኺ ባዕልኺ ክትምርዓዊ እንተ ደሊኺ ጥራይ ኢኺ ክትምርዓዊ ትኽእልን፣ እቲ ምሳኺ ክምርዓው ትደልይዮን። ክልቴኹም ፍቓደኛታት ክትኮኑ ኣለኩም። ታሕተዋይ ገደብ ዕድመ መርዓ 18 ዓመት እዩ። ንሓደ ሰብ ንክሕጸ ወይ ክምርዖ ምግዳድ ዘይሕጋዊ እዩ።

ስድራቤት ነዞም ዝስዕብ ክውስኑ ይፍቐደሎም

ስዒቦም ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንኪ ስድራቤት ወይ መጕዝኺ ክገብርዎም ዝፍቐደሎም ገለ ኣብነታት ተጠቒሶም ይርክቡ፣

  • ኣብ ትምህርቲ ከመይ ከም ዘለኺ ምፍላጥ።
  • ንጥዕናኺ ሃሰይቲ ዝኾኑ ነገራት ካብ ምግባር ክዓግቱኺ፣ ንኣብነት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፣ ሽጋራ ምትካኽ
  • ትምህርትኺ ብጉቡእ መታን ክትከታተሊ ኣብ ቕቡል ግዜ ከም ትድቕሲ ከረጋግጹ።
  • ክሳብ 9ይ ክፍሊ ትበጽሒ ትምህርቲ ከም ትኸይዲ ምርግጋጽ።

እዞም ልዕሊ ዕድመ ሰባት ካልኦት ነገራት`ውን ክውስኑ ይኽእሉ፣ ከም ክፍልኺ ንከተጽሪ ምውሳን። ኣብ ገዛ ክትሕግዚ ኢኺ ክብሉ ይኽእሉ። ንክትምሃሪ፣ ኣብ ትርፊ ግዜኺ ትገብርዮም ነገራት ንክትገብሪን ከተዕርፊን ግን ግዜ ክህቡኺ ኣለዎም።

እዞም ዝስዕብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሌኺ ክገብሮም ኣይፍቐደሉን

ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሌኺ ክገብሮም ዘይፍቐደሉ ነገራት’ውን ኣለዉ። ዋላ ስድራቤትኪ፣ መጕዚኪ ዋላ’ውን ዝኾነ ካብ ኣዝማድኪ። ገለ ኣብነታት:

  • ንኣካላዊ ጎነጽ ከቓልዓኪ፣ ንኣብነት ክደፍኣኪ፣ ብጸጉርኺ ክስሕበኪ ወይ ክሃርመኪ።
  • ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጎነጽ ከቓልዓኪ፣ ንኣብነት ዘፍርሓኪ ነገር ክገብር ወይ ብክፉእ ስም ክጽውዓኪ።
  • ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ደገ ክዓጽወኪ።
  • ከፈራርሓኪ። 

ክብረት

ኣብ ገለ ስድራቤታት ወይ ኣዝማድ ዝኾነ ክፉእ ስም ከይህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ወይ እቶም ኣዝማድ ሕጊ ክህሉ ይኽእል፣ ንኣብነት ጓል ክሳዕ ትምርዖ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም የብላን። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብዕርክነት ክትህሉ ኣይፍቐደላን፣ ወይ ኣብ ትርፊ ግዚኣ ምስ ኣወዳት ክትሕወስ ኣይፍቐደላን።

ምኽሪ እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ

  • እንተኺኢልኪ ነቶም ልዕሊ ዕድመ ከመይ ከም ዝስምዓኪ ንገርዮም። 
    ብዛዕባ ዝስምዓኪ ነገራት ምስ ገለ ኣባል ስድራ ቤትኪ ክትዛረቢ ትኽእሊ ዲኺ? ምናልባት ምስ ሓደ ካብ ወለድኺ?

  • ምስ እዞም ልዕሊ ዕድመ ክትዘራረቢ ትኽእል ዲኺ? 
    ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ገዛ ጸገም ከም ዘ`ለኪ ንሓደ ሰብ ክትነግሪ ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ትኣምንዮ ዓቢ ሰብ ንኣብነት ናይ ምሓዛኺ ወላዲ፡ ሓደ ኣሰልጣኒ፡ ሓደ መምህር፡ ኣማኻሪት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት ዝርከብ ሰብ ንገሪ።

  • ኣብ ኣካላዊ ምንቕስቓስ፣ መገሻታት ወይ ካልኦት ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ክትሳተፊ ኣይፍቐደክን ድዩ
    ንመምህርኪ ወይ ንካልእ ኣብ ቤትትምህርቲ ዝርከብ ዓቢ ሰብ ንገርዮ። ኣብቲ ንጥፈት ክትሳተፊ ኣገዳሲ ምኳኑ እዚ ሰብ እዚ ምስ ስድራቤትኪ ወይ መጕዚኺ ምናልባሽ ክዛረብ ይኽእል ይኸውን።

  • ምስ ኣብ ገዛ ጸገም ንዘለዎም መንእሰያት ዝሕግዝ ሓደ ውድብ ርክብ ግበሩ ።
    ንዝተፈላለዩ ነገር ክሕግዝኹም ይኽእሉ እዮም። ክትውከስዎም ከለኩም ስምኩም ከይጠቐስኩም ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ኣብ ገዛ ጸገም እንተለኪ ኾይኑ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕጉዙኺ ይኽእሉ እዮም። 
    ሓደ ግዜ ዘፈራርሓኪ እንተ ኣሎ ኾይኑ ክትነብረሉ ትኽእሊ ውሑስ ቦታ ከዳልውልኪ ይኽእሉ እዮም። ቴለፎን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናይ’ቲ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ክትረክቢ ትኽእሊ።

  • ንገበን እንተ ተቓላዕኪ ኾይኑ ተሰሚዑኪ ናብ ፖሊስ ደውሊ, ንኣብነት እንተ ተሃሪምኪ ወይ ኣፈራሪሖምኺ።
     ህጹጽ እንተኾይኑ ናብ 112 ደውሊ። ህጹጽ እንተ ዘይኮይኑ ናብ 114 14 ደውሊ። ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ’ለኺ ዄንኪ ናብ +46 77 114 14 ደውሊ።

ሓደ ግዜ ዓበይቲ ሰባት ነቲ ንስኺ ዝበልክዮ ከመልክቱ ይግደዱ

ኩሎም ኣብ ቤት ትምህርቲን ሕክምናን ዝሰርሑ ናይ ምስጢር ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም፣ ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባኺ ክዛረቡ ድማ ኣይፍቐደሎምን። ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ዝምልከት ጉዳይ ምስ ዝኸውን ግና ፍሉይነት ኣለዎ። ሰራሕተኛታት ተበዲልኪ ኣለኪ ኢሎም ምስ ዝኣምኑ ግና ንማሕበራዊ ኣገልግሎይ ክነግሩ ይግደዱ። ንኣብነት ንዓመጽ እንተተቓሊዕኪ። እዚ ንብዙሓት ካልኦት ምስ መንእሰያት ዝሰርሑ’ውን ይምልከት። ብዛዕባ እዚ ክትፈልጢ እንተ ደሊኺ ነቲ ትዛረብዮ ዘለኺ ዓብይ ሰብ ክትሓቲ ትኽእሊ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ምስጢራዊ ፍቕሪ

ኣሊያህን ራዛን ናይ ራዛ ስድራ ንዝምድንኦም ከይቃወምዎ ፈሪሖም ኣሎዉ።

ዓንቀጽ

ፊልም: ብዛዕባ ኣካላትካ እትውስን፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ

ኩሎም ደቂ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ኣካላቶም ባዕላቶም ክውስኑ፡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?

ዓንቀጽ

ማዕርነት

ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደ ዓይነት ዕድልን መሰልን ክወሃቦም ይግባእ። ሕብረተሰብና፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ማዕርነት ኣይበጽሐን። ይኹንእምበር ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጹ መደባትን ሕጊታትን ግን ተሓንጺጾም ኣሎዉ።

ዓንቀጽ

ሰብኣዊ መሰላት

ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ጽብቕ ሂወት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ኣሎካ። ብፍትሒ ክትእለን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትህልወሉ እዋን ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰል ኣለካ።

To the top of the page