ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

ናብ ፖሊስ ምምልካት

Polisanmälan - tigrinska

ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።

Två personer står och pratar med en polis utomhus.
ሓደ ነገር ገበን እንተ ኾይኑ ብርግጽ ክትፈልጥ ኣየድልየካን እዩ። ኮይኑ ግን ናብ ፖሊስ ምልክታ ከተእትው ትኽእል ኢኻ።

እቲ ገበን ምስ ተፈጸመ ብቅልጡፍ ናብ ፖሊስ ምምልካት እቲ ዚበለጸ እኳ እንተኾነ ዋላ ግዜ ምስ ሓለፈ’ውን ናብ ፖሊስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ከመይ ጌርካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ከም ትኽእል ሓበሬታ ትረክብ

  • ዘሀውኽ እንተ ኾይኑ ወይ እቲ ገበን ገና ይፍጸም እንተሎ ኾይኑ ናብ 112 ደውል። ዝኾነ ሓደጋ እንተ ርኢኻ፡ ኣብ እዋን ባርዕ ወይ ዝኾነ ሰብ ኣምቡላንስ ምስ ዝድልዮ ናብ112 ክትድውል ትኽእል።
  • ኣብ ከባቢካ ፖሊስ ምስ ዝህልዉ ብቐጥታ ናብኦም ከተመልክት ትኽእል።    
  • እንተ ተሰሪቕካ ናብ ናይ ፖሊስ ቁጽሪ ተሌፍን 114 14 ደውል። ከምኡ’ውን እቲ ገበን ካብ ዝፍጸም  ግዜ ኣሕሊፉ እንተ ኾይኑ ናብዚ ቁጽሪ ኢኻ ትድውል።
  • ዝኾነ ነገር እንተ ተሰሪቕካ ብኢንተርነት ከተመልክት ትኽእል።
  • ኣብ መደበር ፖሊስ ጕድኣትን ካልእ መርትዖን ከተርኢ ትኽእል። ናብኡ ክትከይድ እንተ ኾንካ ምሳኻ ካልኣይ ሰብ ክትወስድ ትኽእል።

ስለ ምንታይ ገበን ናብ ፖሊስ ከመልክት ይግባኣኒ?

ገበን ናብ ፖሊስ ምምምልካት ንብዙሕ ምኽንያት ጽቡቕ እዩ።

  • እቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል።
  • እቲ ዝተወሰደካ ንብረት ክምለሰልካ ይኽእል።
  • ካብ ንግዳያት ገበን ዝሕግዙ ትካላት ሓገዝ ንምርካብ ቀሊል ይኸውን።
  • ናብ ፖሊስ ብምምልካትካ መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ጽብቕ ይስመዓካ።   

 እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክረክብ ይኽእል

  • ናብ ፖሊስ ከተመልክት ከለኻ ካልእ ትፈልጦ ሰብ ሒዝካ ምኻድ ይከኣል።
  • ካብ brottsofferjour ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል። ሓደ ነቶም ገበን ዘጋጠሞን ዝሕግዝ ማሕበር   እዩ።
  • ካብቲ ገበነኛ ሰብ ትፈርሕ እንተ ኾንካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።          

መብዛሕትኡ ግዜ ከም ግዳይ ገበን ኣብ እዋን መርመራን ፍርዲን ሓገዝ ካብ ጠበቓ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ነዚ ሓገዝ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ። ንፖሊስ ወይ ኣኽባሪ ሕጊ እዚ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘድልየካ ሓብር።

ፍርሒ ወይ ታህዲድ ካብቲ ገበነኛ ሰብ ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ከይ በጽሓካ፣ ከይድውለልካ ወይ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ከይረኽበካ ናይ ምርኻብ እገዳ ክግበረሉ ይኽእል። ነቲ ናይ ምርኻብ እገዳ ናብ ፖሊስ ብምኻድ ከተምልክት ትኽእል።

ፖሊስ እንታይ ክፈልጥ ይደሊ?

ናብ ፖሊስ ምልክታ ክትገብር ከለኻ ኵሉ ግዜ ስምካ፡ ቍጽሪ ተሌፎንካን ኣበይ ከም ትነብርን ክትነግር ኣለካ። ከምኡ’ውን ብዝተኻእለካ መጠን እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትነግር ኣለካ። ንኣብነት ኣበይ ከም ዘጋጠመን መዓስ ከም ዘጋጠመን።

ፖሊስ ካብ እንታይ ዓይነት ገበን ከም ዘጋጠመ ተበጊሶም ዝተፈላለየ ሕቶታት ይሓቱ። ሃስያ ወሪዱካ እንተ ኾይኑ ፖሊስ እንታይ ዓይነት መጕዳእቲ ከም ዘለካ ክፈልጡ ይደልዩ እዮም። ሞባይል ተሌፎንካ ተሰሪቓ እንተ ዄይና፡ ፖሊስ እንታይ ዓይነትን ሞዴላን ከም ዝነበረት ክፈልጡ ይደልዩ እዮም።  

ድሒርካ ገለ ነገር እንተ ዘኪርካ ኣብ ምልክታኻ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።

ካብቲ ገበን ከመይ ገይረ መርትዖ ክዕቅብ እኽእል?

ፖሊስ ምናልባት ካብቲ ዝተፈጸመ ገበን ኣሰር ክምርምሩ ይደልዩ ይኾኑ። ስለዚ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ከተጽሪ ወይ ነገራት ክትቀያይር የብልካን። ኣብ ልዕሌኻ ጎነጽ እንተ ኣጋጢሙ ወይ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዕካ ኴንካ ክዳውንትኻ ክትሓጽቦ ወይ ክትድርብዮ የብልካን።

ኣብ ልዕሌኻ ጎነጽ ኣጋጢሙ እንተ ኾይኑ ወይ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዕካ ኴንካ ብሓኪም ክትምርመር ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት (akutmottagning)፡ ማእከል ክንክን ጥዕና (vårdcentral)  ወይ ክሊኒክ መንእሰያት (ungdomsmottagning) ክትምርመር ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ዓቂብካ ንፖሊስ ከተርእዮ ትኽእሊ መርትዖ ኣሎ። ንኣብነት ሓደ ሰብ እንተ ኣፈራሪሑካ ወይ ናትካ ስእሊ ዘርጊሑ፡ ካብ ሞባይል ተሌፎን ወይ ኮምፕዩተር ስክሪን ሾት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ፖሊስ ምልክታ ከም ገበርኩ መንዩ ክፈልጥ ዝኽእል?

ፖሊስ ብዛዕባ ምልክታኻ ንዝኾነ ሰብ ኣይነግሩን እዮም። ይዅን’ምበር ሓደ ናብ ፖሊስ ዝተገብረ ምልክታ ምሉእ ብምሉእ ብምስጢር ክትሓዝ ኣይክእልን እዩ። ፖሊስ ምናልባት ንኣኽባር ሕጊ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten) ወይ ንወለድኻ ወይ ሞግዝኻ ክሕብሩ የድልዮም ይኸውን – ግን ንዓኻ ኣብ ሓደጋ ዘየእትወካ ጥራይ እንተ ኾይኑ እዩ። ፖሊስ ነቶም በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት እውን ክሕብሩ የድልዮም ይኸውን። ነቲ ዝጠራዕካሉ ሰብ ትፈርሖ እንተ ዄንካ ንፖሊስ ሓብሮም። ዕቑባ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ፖሊስ ክፈልጡ የድልዮም እዩ።

To the top of the page