ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

መትሎን ኣስኪትን

Penisen och pungen - tigrinska

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ መትሎን ኣስኪትን ከምኡ’ውን ብኸመይ ከም ዝሰርሑን ከተንብብ ትኽእል። መትሎን ኣስኪትን ኣዝዮም ኣገደስቲ ክፋል ናይ ኣካልት ኮይኖም ንምሻን፣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምፍራይን ምቹእነት ንክስምዓካ ምግባርን ይጠቕሙ።

Hela könsorganet i genomskärning. Ord i bilden visar var följande delar sitter: Urinblåsa, urinrör, ollon, testikel och analöppning.

ናይ ዝተፈላልዩ ሰባት ደጋዊ ናይ መፍረ ኣካሎም ዝተፈላየ ምስሊ ኣለዎ ልክዕ ከም ካልኦት ክፋላት ኣካላትና። መትሎ ዝተፈላለየ ሕብርን፣ ንውሓትን ርጉድን ዝተፈላለየ ብዝሒ ጸጉርን ክህልዎ ይኽእል። ዝተፈላለዩ ነጠብጣብን ዕራድን ኣብ መትሎን ኣስኪትን ክህሉዉ ልሙድ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ተፈጺምካ ኣብ መትሎ ወይ ኣስኪት ክርአ ኣይክእልን እዩ።

 

ናይ ዝተፈላልዩ ሰባት ደጋዊ ናይ መፍረ ኣካሎም ዝተፈላየ ምስሊ ኣለዎ ልክዕ ከም ካልኦት ክፋላት ኣካላትና። መትሎ ዝተፈላለየ ሕብርን፣ ንውሓትን ርጉድን ዝተፈላለየ ብዝሒ ጸጉርን ክህልዎ ይኽእል። ዝተፈላለዩ ነጠብጣብን ዕራድን ኣብ መትሎን ኣስኪትን ክህሉዉ ልሙድ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ተፈጺምካ ኣብ መትሎ ወይ ኣስኪት ክርአ ኣይክእልን እዩ።

 

Penisen och pungen, sedda framifrån. Penisen pekar uppåt. Ord i bilden visar var följande delar sitter: Ollon, sträng, förhud och pung.

ርእሲ መትሎ

ኣብ ጕብዝና ዝበዝሑ ኣወዳት ኣብ ታሕተዋይ ዙርያ ናይ ርእሲ መትሎ (ollonet) ነጠብጣብ ይገብሩ። እዚ ሓደገኛ ኣይኮነን፣ ከምቲ ብተፈጥሮ ክኾኖ ዘለዎ እዩ።

እቲ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ መትሎ ዘሎ ንእሽተይ ነኳል ንመሸንን ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ መውጽእን እዩ። ኣብ ውሽጢ መትሎ ዘሎ ትቦ ናብ ፍሕኛን ናብ ኣስኪትን ይወስድ። 

ዕልቦ

ጫፍ ናይ መትሎ ንታሕቲ ዝሰሓብ ረቂቕ ቈርበት፣ ዕልቦ፣ መከላኸሊ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ እዚ ቈርበት እዚ ፈሳሲ ይስራሕ። እዚ ፈስሲ እዚ ንጫፍ መትሎ ጥሉል ይገብሮን ካብ ባክተርያ ይከላኸለሉን።

ዝተፈላልዩ ሰባት ዝተፈላለየ ዕብየት ዕልቦ ኣለዎም። ብዙሓት ሰባት ስለ ዝተኸንሸብ ዕልቦ ዝበሃል የብሎምን። ገለ ክፋል ወይ ምሉእ ዕልቦ ብመጥባሕቲ ኣልየሞ እዮም። ምኽንሻብ ብሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ ምኽንያት ወይ ብጥዕናዊ ጸገም ከም ዕልቦ ጸቢብ ምስ ዝኸውን ይግበር ። 

ናይ ቈርበት ጅማት

ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ መትሎ ናይ ቈርበት ጅማት ኣሎ። ኣብ ምሉእ ታሕተዋይ መትሎ ይዝርጋሕ። እዚ ቈርበታዊ ጅማት ውጡር እዩ። ቁሩብ ሕጽር ይብል ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ግዜ ውትረት ክደሚ ይኽእል። ቁሩብ ቓንዛ ክገብር ይኽእል ግና ባዕሉ ይሓዊ። 

ኣስኪት

ኣስኪት ኣብ ትሕቲ መትሎ ዘሎ ከም ሰኪዔት እዩ። ዕጥርጥር ዝበለ ትርኢት ኣለዎ ኣብ እዋን ጕብዝና ጸጉሪ የብቑል። ኣብ ኣስኪት ክልተ ከበብቲ ነገራት መሰል ኣለው፣ ፍረ ነብሲ ይበሃሉ። እዚኦም ዝተፈላለየ ዓቐን ክህልዎም ልሙድ እዩ።

ኣብ ፍረ ነብሲ ናይ ኣስኪት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይስራሕ። ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይዞም ከበብቲ ነገራት ዘሎ ቀጢን ነዊሕ ትቦ ይኽዘን። እዚ ትቦ እዚ ክሳዕ ፍሕኛ ይቕጽል፣ ኣብኡ ድማ ምስ ሽንቲ ዝሕዝ ትቦ ይራኸብ።

ኣስኪት ኣብ ትሕቲ መትሎ ዘሎ ከም ሰኪዔት እዩ። ዕጥርጥር ዝበለ ትርኢት ኣለዎ ኣብ እዋን ጕብዝና ጸጉሪ የብቑል። ኣብ ኣስኪት ክልተ ከበብቲ ነገራት መሰል ኣለው፣ ፍረ ነብሲ ይበሃሉ። እዚኦም ዝተፈላለየ ዓቐን ክህልዎም ልሙድ እዩ።

ኣብ ፍረ ነብሲ ናይ ኣስኪት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይስራሕ። ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይዞም ከበብቲ ነገራት ዘሎ ቀጢን ነዊሕ ትቦ ይኽዘን። እዚ ትቦ እዚ ክሳዕ ፍሕኛ ይቕጽል፣ ኣብኡ ድማ ምስ ሽንቲ ዝሕዝ ትቦ ይራኸብ።

ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ

ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከትፍስስ ከሎኻ ብመትሎ ዝውጽእ ፈሳሲ እዩ፣ ንኣብነት ግብረ ሕቡእ ክትገብር ከለኻ። ሓንቲ ምፍሳስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክንዲ ሓንቲ ንእሽተይ ማንካ ዝዓቐኑ ፈሳሲ እዩ።

ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ሚልዮናት ደቐቕቲ ዘርኢ ይርከብ። እዚኦም ንእቋቝሖ ከም ትፈሪ ስዒብ ውን ጥንሲ ከም ዘጋጥም ክገብሩ ይኽእሉ። ዘርእታት ግና ኣዝዮም ንኣሽቱ ክፋል ናይ ሓደ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዮም። እቲ ዝበዝሐ ክፋል ፈሳሲ እዩ።

መዓልታዊ ሓድሽ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይስራሕ። ዓቐን ዘይብሉ ጊዜ ዘርኢ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ ኣይውዳእን ድማ እዩ። 

መሃንቱስ

መሃንቱስ መወዳእታ ናይ ኣንፈ መዓንጣ እዩ። ቐልቐል በዚ ኣቢሊ ንግዳም ይወጽእ።

መትሎ ዝተፈላለየ ዓቐን ክህልዎ ይኽእል

ጕብዝና ምስ ተወድአ መትሎን ኣስኪትን ናይ መወዳእታ ዓቐኖም ይበጽሑ፣ እዚ ኣብ ሞንጎ 18ን 20 ዓመትካ እዩ። እቶም ናይ ዝበዝሑ በጽሕታት መትሎ ተሪር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኣብ ሞንጎ 9ን 22ን ሰንቲሜተር ቁመት ኣለዎ።

ዕብየት መትሎ ክሳብ ክንደይ ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም ትኽእል ጽልዋ የብሉን። ንዓኻ ይኹን ንመጻምድኻ።

መትሎ ንክዓቢ ከተለማምዶ ወይ ክትመጦ ኣይከኣልን እዩ። 

ዝበዝሑ ጾታዊ ክፋላት ኣካላትና ንምትንኻፍ ተኣፈፍቲ እዮም

ዝበዝሕ ክፋል ናይ መትሎን ኣስኪትን ከባቢኦምን ንምትንኻፍ ኣዝዮም ስምዓታውያን እዮም። ዝተፈላለዩ ክፋላት ምትንኻፍ ጾታዊ ዕግበት ክገብረልካ ይኽእል። ንዓኻ ባህታ ዝፈጥረልካ ንምፍላጥ ባዕልኻ ፈትን። 

ንመትሎን ኣስኪትን ብምውቕ ዝበለ ማይ ሕጸቦም

ንመትሎን ኣስኪትን ብምውቕ ዝበለ ማይ ሕጸቦም። ንመዓልቲ ሓደ ግዜ ምሕጻብ እኹል እዩ። ዕልቦ እንተለካ፣ ንድሕሪት ስሓቦ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብን ንርእሲ መትሎን ድማ ኣጽሪኻ ሕጸቦም። እንተ ዘይኮይኑ ሕማቕ ክጨኑን ክረክስን ይኽእል።

ሳብና ኣይትጠቐም ምኽንያቱ ሳብና ንቈርበት ከንቅጾ ስለ ዝኽእል። እንድሕሪ ነቒጹ ጨና ዘይብሉ ዘይቲ ክትለኽዮ ትኽእል።

ሕቶ ምስ ዝህልወካ ወይ ክትምርመር እንተደሊኻ

ብዛዕባ መትሎኻ ወይ ኣስኪትካ ሕቶ ኣለካ? ወይ ዝኾነ ስክፍታታይ ኣለካ? ኣብ ከምዚ ኩነታት መልሲ ንምርካብ ሓገዝ ምሕታት ጽብቕ እዩ።

ናብ ungdomsmottagning ፣ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ናብ ናይ ቈርበት ወይ ክፍሊ ክንክን ኣካላት መፍረ ክትከይድ ትኽእል። ናብ ክፍሊ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ክትከይድ ትኽእል። ናብ ዝኾነ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ክፍልታት ክትከይድ ትኽእል።

ገለ ካብዞም ዝስዕብ ምስ ዝህልወካ ሓገዝ ክትሓትት ጽብቕ እዩ፣

  • ዘቐንዙ ወይ ዘሳሒ ነጠብጣብ ወይ በሰላ ምስ ዝህልወካ።
  • ጾታዊ ርክብ ፈጺምካ ምስ ትኸውንን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኺፍካ ከይትኸውን ምስ ትጥርጥር።
  • ንዕልቦ ንድሕሪት ክትስሕቦ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን።
  • ቕድሚ ሕጂ ዘይነበረ ብመትሎ ሓፊስ ፈሳሲ ምስ ዝወጽእ።
  • ውትረት ምስ ዝጸግመካ።
  • ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከለኻ ኣብ መትሎ ወይ ኣስኪት ቓንዛ ምስ ዝገብረልካ።
  • ኣብ ትሕቲ መትሎ ዘሎ ቈርበታዊ ጅማት ብዙሕ ጊዜ ምስ ዝብተኽ።
  • ኣብ ቈርበት ናይ መትሎ ዘቐንዙ ተሪር ነገር ምስ ዝህልወካ።
  • ክትሸይን ከልኻ ቓንዛ ምስ ዝገብረልካ፣ ክትሸይን ምስ ዘሸግረካ ወይ ካብ ንብር ንላዕሊ ክትሸይን ምስ ትደልን።
  • ቓንዛ ኣብ መትሎ ወይ ኣብ ኣስኪትን ኣብ ታሕተዋይ ከብዲን ወይ ሕቖን ምስ ዝህልወካ።

ካብዞም ዝስዕብ ገለ ምስ ዘጋጥሙ ናብ ህጹጽ ረድኤት ኪድ፣

  • ኣብ መትሎ ወይ ኣንስኪት ብርቱዕ ቓንዛ ምስ ዝህልወካ።
  • ኣስኪት ቐይሕን ዝሓበጠን ምስ ዝኸውን።
  • ኣስኪት ዝተኣፈፈን ዝሓበጠን ከምኡ’ውን ዝሓመምካ ኾይኑ ክስምዓካ ኸሎ።

እንተ ኣድልዩ መትሎን ኣስኪትን ከተመርምሮም ይከኣል። መርመራ ከም ዝገበርካ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክርኢ ወይ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ። 

RFSU: ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ኮንዶም እቲ ልሙድ መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እዩ። እቲ ዝበለጸ እቶም ጸታዊ ርክብ እትፍጽሙ ቅድሚ ጾትዊ ርክብ ምጅማርኩም ብዛዕባ መከላኸሊ ክትዘራረቡ እዩ። መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓላፍነት ናይ ክልቴኹም እዩ።

ዓንቀጽ

ፊልም: ሕሰቦ፡ መትሎይ ምቕናዕ እንተ ኣበየኸ

ሲሞን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ መትልኡ ምቕናዕ ከይኣብዮ ተሻቒሉ ኣሎ።።

To the top of the page