ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣነ

ማዕርነት

Jämställdhet - tigrinska

ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደ ዓይነት ዕድልን መሰልን ክወሃቦም ይግባእ። ሕብረተሰብና፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ማዕርነት ኣይበጽሐን። ይኹንእምበር ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጹ መደባትን ሕጊታትን ግን ተሓንጺጾም ኣሎዉ።

Två personer sitter på marken bredvid varandra och tittar på varandra. Illustration.

ማዕርነት ዝበሃል፤ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ኩሉ ’ቲ መዳያት ናይ ህይወት፤ ማዕረ ዝዀነ መሰላትን፡ ግዴታን፡ ዕድላትን ክህልዎም ይግባእ ዚብል ’ዩ። ማዕርነት ማለት፡ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካላትን ጾታዊነትን፤ ባዕላቶም ክውስኑ ክኽእሉ ኣሎዎም ዚብል ’ዩ።

ማዕርነት ክበሃል ከሎ፤ ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዝሰፍሐ ማዕርነት ምርካብ ማለት ’ዩ። ኩሉም ሰባት፡ ከምቲ ድሌት-ርእሶም ክዀኑሉ ዚኽእሉ ዕድል ምፍጣርን፡ ቅሳነት ከም ዚስምዖምን ምግባር እዩ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፤ ጉዳይ ማዕርነት ይዝረበሉ’ዩ፤ ብዙሓት ካብኣተን ውን፡ ኣብ ጐደና ማዕርነት ዝጐዓዛ ዘሎዋ እየን። ይኹንእምበር፡ ክሳብ ለይቲ‘ሎሚ፡ ምሉእ ማዕርነት ዝሰፈና ሃገር የላን።

ጾታዊ ማዕርነት ንኣወዳትን ኣዋልድን ዝምልከት እዩ።

ጾታዊ ማዕርነት ብዘይምህላዉ ዝኸስራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዋልድ እየን። ኣብ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ስልጣንን ገንዘብን ኣለዎም። ይኹን’ምበር ኣወዳት እውን ብኻልእ መገዲ ይኸስሩ እዮም።

ንማዕርነት ተባሂሉ ዝወጸ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣሎ

ሃገራዊ-ባይቶ ኣብ ሽወደን፤ ማዕርነት ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡሉ ኣሎ። ሕብረተሰብ ብኸመይ ማዕርነት ዝሰፈኖ ክኸውን ከም ዚኽእል ድማ፤ ዝወጸሉ መደባት ኣሎዉ።

እቲ ወጺኡ ዘሎ መደባት፤ ነዚ ዚስዕብ ኣርእስቲታት ዚትንኪ እዩ፡-

  • ኣዋልድን ኣወዳት ክመሃሩ ኪኽእሉን፤ ማዕረ ብዝዀነ ኣገባብ ድማ ደሞዝ ክረኽቡን።
  • ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ኣብ ምእላይ ቆልዑን ኣብ ስራሕ-ገዛን፤ ማዕረ ብዝዀነ ኣገባብ ሓላፍነት ክማቐሉ።
  • ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ዚፍጽምዎ ዓመጽ ጠጠው ከብሉ።
  • ኣብያተትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን፡ ቦታ-ስራሕን፡ ማዕርነት ዝሰፈኖ ንክኸውን ክሰርሕ ከም ዝግብኦ።
  • ሰብኡትን ኣንስትን፡ ተመሳሳሊ ዕድል ናይ ጽቡቕ ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ከም ዚህልዎም ምግባር።

ንስኻ ወዲ ወይ ጓል ብምዃንኪ/ካ፤ ነንበይኑ ኣተሓሓዛ ምስ ዚግበረልኪ/ካ፤ እዚ ከም ኣድልዎ ጌርካ ዚቝጸር ስራሕ እዩ። ኣድልዎ ድማ፤ ዘይሕጋዊ ገበን እዩ።

 ካብቶም ኣብ ሕብረተሰብና ማዕርነት ዘይሰፈኖም ገለ ኣብነታት

  • ኣንስቲ ኣብ ገዛ፡ ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ይሰርሓ። ንኣብነት ከም ቤት ምጽራይን ቆልዑ ምእላይን ዝኣመሰለ ዋኒን የተግብራ። ኣንስቲ፡ ኣብ ስራሕ-ዓለም ዝወሓደ ጊዜ ስለ ዝሰርሓ ድማ፤ ዝወሓደ ደሞዝን ዝወሓደ ጥሮታን ይቕበላ።
  • ኣንስቲ ዋላ ‘ኳ ምስ ናይ ሰብኡት ተመሳሳሊ ናይ ስራሕ መዝነት ይሃልወን፤ መብዛሕትኡ ጊዜ ንሳተን፡ ካብ ናይ ሰብኡት ዝተሓተ ደሞዝ ይቕበላ።
  • ሰብኡት ከም መራሕቲ መንግስቲ፡ ኣካየድቲ-ስራሕ ኩባንያታት፡ ፕሮፌሶራት ብምዃን፤ ብዙሕ ክውስኑሉ ኣብ ዚኽእሉ ናይ ስልጣን መድረኽ ምድያብ፤ ኣዝዩ ልሙድ ነገር ’ዩ።
  • ኣንስቲ ብዙሕ ጊዜ፡ ካብ ሰብኡት ንላዕሊ፡ በቲ ደጋዊ መልክዐንን በቲ ዘሎወን ናይ ኣከዳድና ስልትን ’የን ዚግምገማ።
  • ዳርጋ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣብ ልዕሊ ኣወዳትን ዘጋጥም ጾታዊ-ዓመጻት፤ ብሰብኡት ዚፍጸም ’ዩ።
  • እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ኣብ ሕብረተሰብና፤ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘጋጥም ዓመጽን ገበናትን፤ ብሰብኡት ዚፍጸም እዩ። ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ድማ ዝበዝሑ ኣወዳት ግዳያት ገበንን ዓመጽን እዮም።
  • ዝበዝሐ ጊዜ ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ሰብኡት ኰይኖም፤ ኣብ ናይ ኣልኮልን ኣብ ናይ ”ድራግን” ሽግራት ዝወድቁ ድማ፤ እቶም ሰብኡት እዮም። ሰብኡት እቶም ካብ ኣንስቲ ንላዕሊ ነፍሶም ዚቐትሉ ውን፤ ንሳቶም እዮም።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብነታት፤ ብስታቲስቲክ መረጋገጺ ዘሎዎ ጸብጻብ እዩ። እዚ ንኣንስቲ ከም ሓደ ጉጅለ፤ ንሰብኡት ድማ ከም ሓደ ጉጅለ ጌርካ ክትርእዮም ከሎኻ ዘገልግል እዩ። ኣብ ኩሉ ሰብ ከምኡ ’ዩ ንምባል ኣይክኣልን ’ዩ። ኣብ መንጎ ሰብኡት፡ ነናቶም ፍልልይነት፡ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውን ነናይ ገዛእ ርእሰን ፍልልይ ከም ዘሎወን ምዃኑ ርግጽ ’ዩ።

ስለ ምንታይ እዩ ጾታዊ ማዕርነት ዘየለ?

ነዚ፡ ብዙሕ ነንሕድሕዱ ዝተኣሳሰረ መግለጺታት ኣለዎ። ገለ ካብኡ፡ ኣብ ታሪኽ ከመይ ከም ዝነበረ ዝተመርኮሰ ኾይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ንነዊሕ ግዜ ስልጣን ሒዞም ብምንባሮም እዩ። እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ልምድታትን ካልኦት ንምቕያሮም ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ነገራትን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ብዙሕ ስልጣን ምህላው ዝለመዱ ሰባት ድማ ምእንቲ ነቲ ዘለዎም ረብሓታት ክዕቅቡ ክኽእሉ ኣንጻር ለውጢ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።  

ካልእ መግለጺ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ”ናይ ሰብኣይ” ወይ ”ናይ ሰበይቲ” ኢልካ ስለ ዝርኣዩ እዩ። ንኣብነት እንታይ ክትፈቱ ከም ትኽእል፡ ኣየኖት ስሚዒታት ከተርኢ ከም ዘለካ ወይ ኣየናይ ሞያ ክህልወካ ከም ዘለዎ እዩ። እዚ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ከመይ ክኾኑ ከም ዘለዎም ዝቕይድ ከም ስዉር ሕግታት ይኸውን። ከምዚ ምዃኑ ሓደ ሓደ ግዜ ምናልባት ከም ቅቡል ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ሓደ ሓደ ግዜ ኣዚዩ ከቢድን ጌጋን እዩ።

እቲ ከም ”ናይ ሰብኣይ” ከምኡ’ውን ”ናይ ሰበይቲ” ገርካ ዝርኣ ነገራት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምስ ግዜ ክቕየር ዝኽእል እዩ።

ንዓኻ ’ኸ እዚ ነገር ’ዚ ብኸመይ ትርእዮ?

 

  • ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ስርሓት ገዛ፤ ብማዕርነት ክትሓጋገዙዶ የድልዮም?
  • ማዕረ ክውስኑን፡ ማዕረ ኣብ ደገ ከምስዩን ይፈቐደሎምዶ?
  • ብተመሳሳሊ ኣገባብዶ ስምዒቶም ክገልጹ ይኽእሉ?
  • ኣዋልድን ኣወዳትን ንኣከዳድንኦምን ንትርኢቶምን ብዚምልከት፤ ሓደ ዓይነት ዝዀነ ጠለብዶ ኣሎዎም?

እስኪ ኣብ ገዛእ ህይወትካ ከመይ ከም ዝዀነ ሕሰብ። ንስኻ ባዕልኻ ውን ብዛዕባ ኣወዳትን ኣዋልድን ክትሓስብ ከሎኻ፤ ኣረኣእያኻ ከመይ ይመስል። ንስኻ ባዕልኻ ነዚ ነገር ’ዚ ንምምሕያሽ ገለ ነገር ምስ ትገብር፤ ሽዑ ’ዩ እዚ ንብሎ ዘሎና ማዕርነት ብዝቐለለ ክመጽእ ዚኽእል። ንኣብነት፡ ንሓደ ዘይፍትሓዊ ነገር ክትርኢ ከሎኻ፤ ዓገብ ምባል የድልየካ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ኣድልዎ

ኣድልዎ ማለት፡ ብምኽንያት ጾታኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ዕድሜኻ፡ ጾታዊ-ዝምባሌኻ ወይ ብምኽንያት ዝመጻእካሉ ሃገር፤ ካብ ካልኦት ሰባት ዝኸፍአ ናይ ኣተሓሕዛ ኣገባብ ኣብ ልዕሌኻ ክግበር ከሎ ማለት ’ዩ።

ዓንቀጽ

ፊልም: ብዛዕባ ኣካላትካ እትውስን፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ

ኩሎም ደቂ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ኣካላቶም ባዕላቶም ክውስኑ፡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?

To the top of the page