ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ:: ንዝምድናታት ስድራቤት ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።
ወለድኺ ወይ መጕዚኺ ክሳዕ 18 ዓመት ትመልኢ ናትኪ ሓላፍነት ይወስዱ። እዚ ግን ንኩሉ ክውስኑ ይፍቐደሎም ማለት ኣይኮነን። ንስኺ’ውን ኣብ ንሂወትኪ ዝምልከቱ ውሳነታት ተኻፋሊት ክትኮኒ መሰል ኣለኪ። ስድራቤትኪ መጠኑ ዝሓለፈ ክውስኑ እንተ ደልዮም ወይ ቁጽጽር እንተ ጌሮምልኪ ሓገዝ ሕተቲ።
ኣብ ገለ ስድራቤታት ወይ ኣዝማድ ዝኾነ ክፉእ ስም ከይህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ወይ እቶም ኣዝማድ ሕጊ ክህሉ ይኽእል፣ ንኣብነት ጓል ክሳዕ ትምርዖ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም የብላን። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብዕርክነት ክትህሉ ኣይፍቐደላን፣ ወይ ኣብ ትርፊ ግዚኣ ምስ ኣወዳት ክትሕወስ ኣይፍቐደላን። ንሓደ ሰብ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነጋራት ምቕላዕ ዘይሕጋዊ እዩ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን መሰላት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እውን እዩ።
ኣቐድም ኣብሉ ፋርማን ኩሉ ነቲ ኣሓቱ ዝገብርኦ ዝነበራ ነገራት ይቆጻጸር’ዩኔሩ። ብድሕሪኡግን ንሱ ’ውን፤ ሓንቲ ስለ ”ስድራቤታዊ ክብሪ” ተባሂሉ ብስድርኣ መጽቀጥቲ ዚግበረላ ጓል ይፈቱ።እዚ ነገር ’ዚ ድማ፡ ንፋርማን ብኻልእ ኣገባብ ንኽሓስብ ይሕግዞ።
ኣብ Youmo.se ዝሓሸ ተመኵሮ ክንህበካ ምእንቲ: ኩኪስ (cookies) ንጥቀም።