ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ስምዒታዊ ባዕለ-ርውየት ወይ “ሴጋ ምግባር”

Onani - tigrinska

ስምዒታዊ ባዕለ-ርውየት ወይ “ሴጋ” ምግባር ማለት፤ ንስኻ ባዕልኻ-ንባዕልኻ ጾታዊ ስምዒትካ ምርዋይ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ንስኻ ነቲ መሸኒኻ ወይ ካልእ ክፋላት ናይ ኣካላትካ፤ ባዕልኻ ክትደርዞ ትኽእል። “ሴጋ” ምግባር፤ ሕማቕ ነገር ኣይኰነን። ከምኡ ንኽትገብር ድማ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን።

Mittenpartiet på en kropp klädd i jeans. Personen sträcker ner sin hand i byxorna, som har öppen gylf. Illustration.

ብዙሓት ሰባት ሓሓሊፎም “ሴጋ” ይገብሩ እዮም። ገለ ሰባት ድማ ነንመዓልቱ “ሴጋ” ዝገብሩ ኣሎዉ። ካልኦት ድማ፡ ሳሕቲ ዝገብሩ ኣሎዉ። ገለ ሰባት ድማ፡ ፈጺሞም “ሴጋ” ዘይገብሩ ኣሎዉ። እዚ ግን ምስ ጊዜ ክቕየር ይኽእል ይኸውን እዩ።

ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ከይተረፈ፤ ኣብ ነንበይኑ ክፋላት ናይ ኣካላትካ ምትንካፍ፤ ደስ ዘብል ነገር ምዃኑ፡ ፈቲንካ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብቲ ጕብዝና ዘልዕሉሉ ጊዜ ወይ ዓበይቲ ምስ ኰኑ፤ ኰነ ኢሎም “ሴጋ” ምግባር ይጅምሩ እዮም።

“ሴጋ” እትገብር፤ ብዛዕባ ገዛእ ኣካላትካ ብምህንጣይ እትገብሮ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ ዝወተረካ፡ መታን ክተፍስስ ኢልካ ውን፤ “ሴጋ” ክትገብር ትኽእል ኢኻ። “ሴጋ” ኣብ ትገብረሉ ጊዜ፤ እቲ ንዓኻ ኣዝዩ ባህ ዘብለካ ስምዒት፤ ኣየናይ ምዃኑ ክትመሃሮ ኢኻ። እንተ ደሊኻ ውን፤ ነታ ናይ ጾታዊ-ዓርክኻ ብዛዕብኡ ክተዕልላ ትኽእል ኢኻ። ዋላ ምስ ብጻይካ/ብጸይትኻ እናተቐመጥካ ውን፤ “ሴጋ” ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

“ሴጋ” ምግባር፡ ንኣካላትካ ናይ ምዝናይ ስምዒት ከም ዚረክብ፤ ጽቡቕ ንኽትድቅስ ድማ ክሕግዘካን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ናይ ሓሳባት ውጥረት እንተ ኣጋጢሙካ፤ “ሴጋ” ክትገብ ጽቡቕ እዩ።

“ሴጋ” ንኽትገብር ወይ ንኸይትገብር ንስኻ ኢኻ እትውስን።

“ሴጋ” ምግባር ሓደገኛ ኣይኰነን

“ሴጋ” ምግባር፡ ንስኻ ብጽቡቕ ክሳዕ ዝተሓጐስካሉ፤ ሕማቕ ወይ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይኰነን። “ሴጋ” ምግባር፡ ንኣካላትካ ወይ ንጥዕናኻ ብሕማቕ ዝጸልዎ ኣይኰነን። “ሴጋ” ወይ (ቅንጢርካ ምድራዝ) ምግባርካ፡ ንባዕልኻ ንኽትጠንስ ይኹን ንኽተጥንስ ዘሎካ ዕድል፡ ዘስዕበሉ ዝዀነ ኣሉታዊ ነገር የልቦን። እቲ ኣብ ፍርንጭትካ ዘሎ ሽግሪ ውን ፈጺሙ ዚጽንቀቕ ኣይኮነን።

ንጓል-ኣንስተይቲ ውን “ሴጋ” ወይ ”ቂንጢርካ ምድራዝ” ምግባር፤ ነቲ መሸኒኣ ጕድኣት የብሉን። ዋላኳ ኢድካ ውን እንተ ኣእቶኻሉ፤ ኣብቲ መሸኒኣ ዝዀነ ዝነቅዕ ወይ ዝቕደድ ነገር የልቦን። ሓደ ሰብ ውን ”ሴጋ” ወይ ”ቂንጢርኪ ከም ዝደረዝኪ” ከስተውዕሎ ዚኽእል ሰብ የልቦን፤ ኣዋላዲት-ነርስ ወይ ዶክቶር ውን እንተ ዀነ።

ብኸመይ ”ሴጋ” ክትገብር ትኽእል?

ባህ ዘብል ስምዒት ንኽትረክብን፤ እቲ ”ሴጋ” ምግባር ውን ጽቡቕ ንክዀነልካ፤ ቅድም ክወትረካ የድሊ። ክወትረካ ኸሎ፡ ናብቲ መሸኒኻ ብዙሕ ደም ግዒዙ ኣሎ ማለት’ዩ። ንሱ እዩ ድማ፡ ነቲ መሸኒኻ ዘውትሮ። ጓል-ኣንስተይቲ ድማ፤ እቲ መሸኒኣ ይንፋሕን፡ ጠሊ ይገብርን። ካብቲ መሸኒኣ ውን፤ ብመገዲ ሽንቲ ኣቢሉ፡ ሓደ ወይ ብዙሕ ነጥቢታት ፈሳሲ ክወጽእ ይኽእል’ዩ።

ብብዙሕ ነንበይኑ ዓይነት ኣገባባት ”ሴጋ” ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነንበይኑ ኣገባባት ”ሴጋ” ፈትን እሞ፤ ነቲ ንዓኻ ዝለዓለ ስምዒት ዝህበካ ኣገባብ፡ ክትረኽቦ ኢኻ። ንኣካላትካ እናተናኸፍካ፤ እቲ ኣዝዩ ተተንካፊ ስምዒት ዘሎዎ ቦታታት ኣካላትካ፤ ኣየናይ ምዃኑ ኣናድዮ።

ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ መሸኒኦምን ነቲ ከባቢኡን እንተ ደሪዞሞ፤ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዚህቦም ይዛረቡ እዮም። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ዘሎ ቆርበት፤ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ብስምዒት ዚቕስቀስ እዩ። ነቲ ካልእ ክፋላት ናይ ኣካላትካ ውን፡ ምስኡ ሓዊስካ ተናኽዮ።

ጓል-ኣንስተይቲ እንተ ኴንኪ ድማ፤ እቲ ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ፤ ብኣጻብዕትኺ ጌርኪ፤ ነቲ “ቅንጢርኪን” ነቲ ከባቢኡን ምድራዝ እዩ። ብተወሳኺውን፡ ኣጻብዕትኺ ወይ ካልእ ነገር፤ ናብ መሸኒኺ ወይ ናብ መሃንቱስኪ ብምእታው፡ ክተግብርዮ ትኽእሊ።

ወዲ-ተባዕታይ እንተ ኴንካ፤ እቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ፤ ነቲ ጫፍ መሸኒኻ ብኢድካ ኣኽቢብካ ብምሓዝ፤ ንቕድሚትን ንድሕሪትን፡ ንላዕልን ንታሕትን ምንቅስቓሱ እዩ። ካልእ ኣገባብ ውን፤ ንመሸኒኻ ኣብ ሓደ ነገር ምእታው ወይ ድማ ኣብ ምሃንቱስካ ገለ ነገር ምእታው እዩ።

ብዛዕባ ዘውትረልካ ነገራት እናሕሰብካ፡ እናንበብካ፡ እናሰማዕካ ወይ እናረኣኻ፤ “ሴጋ” ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዙሓት ሰባት ክኳሸሙን ክትንከፉን ከሎዉ፤ ነንበይኑ ደረጃ ስምዒታት እዩ ዝልዓሎም። ስምዒታትካ፡ ብነንበይኑ ነገራት ዚጽሎ እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ናይ ዓቕሚታትካ ኣኽእሎ ክብ-ለጠቕ funktionsvariation ምስ ዚብል ወይ ናይ ኣካላት ጕድኣት ምስ ዚህልወካ እዩ። ነቲ “ሴጋ” ናይ ኣተገባብራኻ ኩነታት ውን ሳዕቤን ይህልዎ እዩ። ነቲ ብልክዕ ንዓኻ ጽቡቕ ስምዒት ዚህበካ ኣገባብ፡ ባዕልኻ እናፈተንካ ከም ትረኽቦ ግበር። ነቲ ጾታዊ ስምዒትካ ጽቡቕ ንክኸውን ክጠቕሙካ ዚኽእሉ፤ ጾታዊ-ስምዒት መተግበሪ መሳርሒታትን ሓገዝቲ ነገራትን sexleksaker ኣሎዉ እዮም።

ኣብ UMO ብኸመይ ኣገባብ ሴጋ ክትገብር ከም እትኽእል፤ ብስእሊ ዝተሰነየ ምኽሪታት ክትረክብ ኢኻ።

To the top of the page