ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

መከላኸሊ ጥንሲ

Bildspel: Skydd mot graviditet - tigrinska

ጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።

እቶም ዝበዝሑ መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሆርሞን ትሕዝቶ ኣለዎም። እዚ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ቐመም ኮይኑ ከም ምፍናው እንቓቕሖን ጽግያትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ክጸሉ ይኽእል። ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ዘለዉ ሆርሞናት ንኸይትጠንሲ ይገብሩ።

ኮንዶም፣ femidom፣ ጥቕላል ነሓሲን ሆርሞን ዘይብሎም መከላኸሊ ጥንሲ እዮም። ኮንዶምን፣ femidom ን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እውን ይከላኸሉ እዮም። ካልኦት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣይከላኸሉን እዮም።

RFSU: መከላኸሊ ጥንሲ ይሕብር

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

ፊልም: ከምዚ ጌርካ ንሓደ ኮንዶም ተእትዎ

To the top of the page