ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ: ንፍቕርን ምሕዝነትን ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።
ምፍቓር ዝበዝሕ ግዜ ደስ ዘብል ስምዒት እዩ። ገለ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣፍቂሮም ይፈልጡ፡ ገለ ካልኦት ከኣ ኣፍቂሮም ኣይፈልጡን።
ሓደ ሰብ ምስ ዝፈትዎ ብኸመይ ዕርክነት ክገብር ይኽእል? ኣብዚ መንእሰያት ናብ UMO ዝለኣኽዎም ገለ ጠቐምቲ ሓገዛት ክትረክብ ትኽእል።
እዚ ጽሑፉ ብሓደ መንእሰይ ተጻሒፉ ናብ Youmo ዝተላእከ እዮ::
ጾታዊ-ዝምባለ ዚበሃል፡ ብዛዕባ ሰባት እንታይ ጾታ ከም ዘሎዎም፤ ንስኻ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን፤ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘካን፡ ዚዛረብ እዩ። ንስኻ ምስ ዝደሌኻዮ ዓይነት ሰብ ክትፋቐር ወይ ተጻሚድካ ክትነብር፤ መሰልካ ሕልዊ እዩ። እዚ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።
ኣሊያህን ራዛን ናይ ራዛ ስድራ ንዝምድንኦም ከይቃወምዎ ፈሪሖም ኣሎዉ።