ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ጽብቕ ሂወት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ኣሎካ። ብፍትሒ ክትእለን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትህልወሉ እዋን ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰል ኣለካ።
ስምዒታዊ ባዕለ-ርውየት ወይ “ሴጋ” ምግባር ማለት፤ ንስኻ ባዕልኻ-ንባዕልኻ ጾታዊ ስምዒትካ ምርዋይ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ንስኻ ነቲ መሸኒኻ ወይ ካልእ ክፋላት ናይ ኣካላትካ፤ ባዕልኻ ክትደርዞ ትኽእል። “ሴጋ” ምግባር፤ ሕማቕ ነገር ኣይኰነን። ከምኡ ንኽትገብር ድማ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን።