ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ:: ንዓመጽን ምድፋር ክብርን ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።
ኣድልዎ ማለት፡ ብምኽንያት ጾታኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ዕድሜኻ፡ ጾታዊ-ዝምባሌኻ ወይ ብምኽንያት ዝመጻእካሉ ሃገር፤ ካብ ካልኦት ሰባት ዝኸፍአ ናይ ኣተሓሕዛ ኣገባብ ኣብ ልዕሌኻ ክግበር ከሎ ማለት ’ዩ።
ጾታዊ ምጭናቕ ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ዝጸልኦ ንኣካላት ወይ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ነገር ምስ ዝዛረብ ወይ ምስ ዝገብር እዩ። ጾታዊ ምጭናቕ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።
ምስ ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ እንተ ተቓሊዕኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ኩሎም ደቂ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ኣካላቶም ባዕላቶም ክውስኑ፡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?
ብዛዕባ ንግዲ ደቂ ሰብ እንታይ ምዃኑን ግዳይ ናይዚ ነገር እዚ እንተ ዄንካ ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ዘርኢ ሓደ ስእላዊ መግለጺ እንሆ። ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ምስግጋር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ንኸእትዉ ክምዝምዙኺ ከሎዉ እዩ። እዚ ንኣብነት ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ፡ ክትሰርቂ፡ ክትሰርሒ ወይ ዕጸፋርስ ክትሸጢ ከገድዱኺ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ምስግጋር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንኸእትዉ ክምዝምዙኺ ከሎዉ እዩ። እዚ ንኣብነት ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ፡ ክትሰርቂ፡ ክትሰርሒ ወይ ዕጸፋርስ ክትሸጢ ከገድዱኺ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ጽሑፉ ብሓደ መንእሰይ ተጻሒፉ ናብ Youmo ዝተላእከ እዮ::