ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ኣደንዛዚ ዕጸ (ድሮጋ)

ኣልኮል

Alkohol - tigrinska

ኣልኮል ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት መስተ ይርከብ። ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ወይ ጥዑም ኢሎም ስለ ዝሓስቡ መስተ ይሰትዩ። ብብዝሒ ወይ ቐጻሊ እንተሰቲኻ ግን ኣልኮል ንኣካላትካ ክጐድእን ጸገም ከምጽኣልካን እውን ይኽእል እዩ።

Tre fulla personer i en soffa där en dricker öl. Illustration.

ኣልኮል ኣብ ከም ቢራ ነቢትን ካልኦት ኣልኮላዊ መስተታትን ይርከብ። ብዙሓት ሰባት መስተ ጥዑም እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ፣ ከም መዘናግዒ ወይ ከኣ ንጭንቐት መገላገሊ ይሰትይዎ። ገለ ሰባት ካብ ሕማቅ ስሚዒት ንኽገላገሉ ኣልኮል ይሰትዩ። ግን ብዝበለጸ ካልእ እትረጋጋኣሉን እትቀስነሉን መንገዲ ኣሎ። 

ኣልኮላዊ መስተ ዝፈተኑ ብዙሓት መንእሰያት ምናልባት ዘደስት እዩ ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ። ምናልባት ብዙሓት ካልኦት ሰባት ኣልኮል ዝሰትዩ ኮይኑ ከኣ ይስምዖም ይኸውን። ግን ኣልኮል ብፍጹም ዘይሰትዩ ሰባት ኣለዉ።

ኣልኮል ንምግዛእ ናይ ዕድመ ገደብ ኣለዎ

  • ኣብ ቤት መግቢ ወይ ዱኳን ኣልኮል ክትገዝእ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ ስይስተምቡላጌት (መስተ ጥራይ ዝሸይጥ ዱካን ኣብ ሽወደን) መስተ ክትገዝእ አንተኾንካ 20 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ።

ን 18 ዓመት ዘይመልአ ኣልኮል ምግዛእ ክልኩል እዩ።

እዚ ሕጊ እዚ ዘሎ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ካብ ብኣልኮል ዝመጽእ ሓደጋታት ንምክልኻል ተባሂሉ እዩ።

ኣልኮል ንሓንጎል ይጸልዎ እዩ

ኣልኮል ንሓንጎልና ይጸልዎ። እዚ ከኣ ምስካር ይበሃል። እዚ ከኣ ምስ ሰኸርካ ዝመጽእ እዩ።

  • ስምዒታዊ ትኸውን። ንኣብነት ትዛነ፣ ሕጉስ፣ሕዉስ ወይ ከኣ ደፋር ትኸውን። ወይ ከኣ ሕዙን ወይ ሓራቕ ትኸውን።
  • ነብስኻ ኣይትቆጻጸርን ከምኡ’ውን ናይ ምዝካር ክእለትካ ይጎድል።
  • ኣብ ከባቢካ ንዘጋጥም ዘሎ ንኽትርድኦ ይኸብደካ።
  • ድኻምን ዕግርግርን ክስመዓካ ይኽእል።
  • ብዙሕ ኣልኮል ምስ ትሰቲ ከተምልስ ከምኡ’ውን ሃለዋትካ ከተጥፍእ ትኽእል።

ኵሉ ግዜ ካብ ብዙሕ ኣልኮል ምስታይ ውሑድ ኣልኮል ምስታይ ይሓይሽ። 

ምስ ሰኸርካ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ክትወድቅ ትኽእል ኢኻ

ምስ ሰኸርካ ንክትገብሮ ኣየናይ ጽቡቅ ወይ ሕማቅ ክትርዳእ ዝኸበደ እዩ። ዘይደለኻዮምን ሓደገኛታትን ነገራት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ። ንኣብነት ባእሲ፣ ሓደጋ፣ ከይደለካዮ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ወይ’ውን ካልኦት ድራጋት (ዕጸ ፋርስ) ክትፍትን ትኽእል።

ጽብሒት ዝሰተኻሉ መዓልቲ ሕማቕ ክስመዓካ ይኽእል

ጽብሒት ኣልኮል ዝሰተኻሉ መዓልቲ ናይ ኣልኮል ጽልዋ ገና ኣብ ነብስኻ ክህሉ ይኽእል እዩ። ሽዑ ሕማም ርእሲ፣ ዕግርግር፣ ድኻም፣ ክገብረልካ ይኽእል ጭንቀትን ሻቅሎትን ከኣ ክስምዓካ ይኽእል። 

ኣልኮል ንኣካላትና ክጎድእ ይኽእል

ኣልኮል ምስታይ ንምሉእ ኣካላትና ይጸሉ። እንዳ ሰተኻ፣ ኣብ ሞንጎ ካልኦት ክፋላት ኣካላት፣ ሓንጎልካ ብቐጥታ ይጽሎ። 

ቀጻሊ ወይ ብዙሕ መስተ ምስታይ ዝተፈላለየ ጉድኣትን ሕማምን ከጋጥመካ ይኽእል። ንኣብነት ከቢድ ናይ ከብዲ፣ ጸላም ከብድን ልብን ሕማም። 

ገለ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ሳዕቤን ስሕት ኢሎም መስተ ይሰትዩ። ገለ ሰባት ግን ሕማቅ ስሚዒትን ጸገማትን የጋጥሞም። ንስኻ’ውን ውሉፍ ናይ ኣልኮል ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ግዜ ብብዝሕን ቀጻልን መስት ትሰቲ እንተኾንካ ናይ ኣልኮል ወልፊ ክሕዘካ ይኽእል እዩ። 

ብዛዕባ ኣልኮልን ኣካላትን ብ ሽወደነኛ ኣብ UMO.se. ዝያዳ ከትንብብ ትኽእል። 

ብዛዕባ ካልእ ሰብ ትሻቐል ዲኻ?

  • ብዛዕባ ብጣዕሚ ዝሰኸረ ሰብ እንተተሻቒልካ
    ንልዕሊ ዕድመ ሰብ ተወከስ፣ ናብ ወሃብቲ ሕክምናዊ ምኽሪ ብቴለፎን 1177 ደውል፣ ፖሊስ ተወከስ ወይ ከኣ ናብ ሕክምና ኪድ። እቲ ሰብ ሃለዋቱ እንተ ኣጥፊኡ ናብ 112 ደውል።

  • ብዛዕባ ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ ዝሰቲ ሰብ እንተተሻቒልካ
    ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኺብካ ብዛዕባ ምስታይ እቲ ሰብ ተዛረብ። ከምኡ’ውን መንነትካ ከይገለጽካ ናብ ምስ ጸገም ኣልኮልን ድራግን ዝሰርሓ ውድባት ደዊልካ ተዘራረብ። ወይ ከኣ ናብ Alkohollinjen ብ ተለፎን 020-84 48 84 ደውል።

እዚ ጽሑፍ እዚ ከም ንወዲ ተባዕታይ ዝምልከት እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ግና ንዅሎም መንእሰያት`ውን ይምልከት እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

To the top of the page