ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣነ

ሰብኣዊ መሰላት

Mänskliga rättigheter - tigrinska

ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ጽብቕ ሂወት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ኣሎካ። ብፍትሒ ክትእለን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትህልወሉ እዋን ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰል ኣለካ።

Två unga möter en vuxen som säger "Welcome, I will take you to a place where you can rest." Illustration.

እዞም ሰብኣዊ መሰላት ብውዱብ ሕብራት ሃገራት እዮም ተጻሒፎም። ንኵለን ሃገራት ዓለም ኩሉ ሰብ ጽቡቕ መነባብሮ ንኽህልዎ ሓላፍነት ንኽወስዳ ዘተባብዕ ጽሑፍ እዩ። ሰብኣዊ መሰል ሕጊ ኣይኮነን ግን ዝበዝሓ ሃገራት ንብዙሕ ካብቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ፈሪመናሉን ንክትግብርኦ መብጽዓ ኣትየንን እየን።

ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረትን ውዕል መሰላት ቈልዑ ሕቡራት ሃገራትን

እቶም ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ኣለዎም ዝብሉ ሕግታት እውን ኣለዉ። ኣብ ኤውሮጳ ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረት እዩ ዘገልግል። ኣብ ሽወደን ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕጊ እዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን እቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሕቡራት ሃገራት ሕጊ እዩ። እዚ ናይቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቈልዑ ሰብኣዊ መሰላት ማለት እዩ።

ኵሉም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሕግታትን ውሳኔታትን ምስ ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረትን መሰላት ቈልዑ ሕቡራት ሃገራትን ክሰማምዑ ኣለዎም።

ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣብነታት

እዞም ዝስዕብ ንሂወትካ ክጸልው ዝኽእሉ ኣብነታት ሰብኣዊ መሰላት እዮም፣

 

  • ኣብ ንሂወትካ ዝምልከቱ ነገራት ክትሳተፍን ክትውስንን መሰል ኣለካ።
  • ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ንመንእሰያት ዝምልከት ነገራት ክውስኑ ከለው ኩሉ ግዜ ንጽብቕ ናይቶም መንእሰያት ክሓስቡ ኣለዎም።
  • ቈልዑን መንእሰያትን ካብ ዓምጽን ወልፍን ውሑሳት ክኾኑ ኣለዎም።
  • ቈልዑ ክሰርሑ ክግደዱ የብሎምን።
  • ናይ ገዛእ ርእስኻ ርእይቶ ክህልወካን ንርእይቶኻ ብምጽሓፍ፡ ብምዝራብ ወይ ብዛዕብኡ ፊልም ብምስራሕ ክትገልጾ መሰል ኣለካ። ንኻልኦት ክዘልፍ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ግን ሓሳባትካ ኩሉ ግዜ ክትዛረብ ኣይግብኣካን እዩ።
  • ኣብ ንሂወትካ ዘስግእ ኵነታት እንተ’ለኻ ኾንካ ወይ ካልኦት ይከታተሉኻ እንተ’ለዉ ኾይኖም ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰለ ኣለካ።
  • ሃገራት ንስደተኛታት ክቕበላን ጽብቕ ሂወት ንክመርሑ ንክሕግዝኦም ክፍትናን ኣሎወን።
  • ምሉእ ጥዕናን ኣብ ዘድልየካ ግዜ ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብን መሰል ኣሎካ።
  • ምስታ ትደልያ ሰብ ክትምርዖ መሰል ኣለካ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ድማ ንኽትምርዖ ከገድደካ ኣይፍቀዶን እዩ።
  • ምስታ ትምርዓዋ ዘለኻ ሰብ ሓደ ዓይነት ክብሪ ኣለካ፣ ብሕማቕ ክትእለ ድማ የብልካን።
  • ኣብ ሕብረተሰብ ዕውት ናብራ ንክትመርሕ ትምህርቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ።
  • ንዝሰራሕካዮ ስራሕ ክትክፈለሉን ስራሕካ’ውን ውሕሱን ዘየስግእን ክኸውን መሰል ኣለካ።
  • ከተዕርፍን ዓመታዊ ዕረፍቲ ክትወስድን መሰል ኣለካ።
  • ኣፈላላይ ንክውገደልካ መሰል ኣለካ
  • ቤት ትምህርቲ ንዅሉ ተምሃራይ ብዛዕባ መሰላቱ ትምህርቲ ክህባ ኣለወን።
  • ፖለቲከኛታት ነገራት ክውስኑ ከለዉ ንሰብኣዊ መሰላት ክኽተሉ ኣለዎም። 

ሰብኣዊ መሰላት እንተ ዘይተተግቢሮም

ዝኾነ ሰብ ሰብኣዊ መሰላትካ ጊሂስዎ ኢልካ ምስትሓስብ ናብ ፖሊስ፣ Diskrimineringsomudsmannen፣ ወይ Barnombudsmannen ከተመልክት ትኽእል።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ኣድልዎ

ኣድልዎ ማለት፡ ብምኽንያት ጾታኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ዕድሜኻ፡ ጾታዊ-ዝምባሌኻ ወይ ብምኽንያት ዝመጻእካሉ ሃገር፤ ካብ ካልኦት ሰባት ዝኸፍአ ናይ ኣተሓሕዛ ኣገባብ ኣብ ልዕሌኻ ክግበር ከሎ ማለት ’ዩ።

To the top of the page