ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን

ወለዳ ዘይቅበሉኒ ንኸይኮኑ ፈሪሔ ኣሎኹ

Jag är rädd att hennes föräldrar inte ska acceptera mig - tigrinska

ሕቶ

ምስ ሓንቲ ሽወደናዊት ጓል ብሓደ ኣሎና፡ ግን ናብ ገዝኣ ክኸይድ ኣይደፍርን እየ። ካብ ካልእ ሃገር ስለ ዝመጻእኩ ጥራይ፡ ወለዳ ኣነ ሕማቕ ሰብ ኢየ ኢሎም ዝሓስቡ ኾይኖም ይስምዓኒ። ንሓደ ዓርከይ ክምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ካብ ሽወደን ብዘይምምጽኡ ጥራይ፡ ወለዲ ናይ ኣፍቃሪቱ ካብኡ ይፈርሑ እዮም። እዚ ዘይፍትሓዊ ኾይኑ ይስምዓንን የሕዝነንን። እንታይ ክገብር እየ?

ምላሽ

ቅድሚ ናይ ብጸይትካ ወለዲ ምርካብካ ጭንቀት ክስምዓካ ልሙድ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እቶም ወለዲ ኣይቅበሉንን እዮም ወይ ሕማቕ ሰብ ኢዩ ኢሎም ክሓስቡ እዮም ብምባል ይሻቐሉ።

ንዓኻ ከመይ ከም ዝስምዓካ ብርግጽ በቲ ናይ ዓርኻ ኣፍቃሪት ወለዲ ምፍርሖም ይጽሎ እዩ። ኣፈላላይ ዘርኢን ኣድልዎን መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ኣቐዲምካ ምፍራድ፡ ፍርሕን ኣዚዩ ቁሩብ ፍልጠትን እዮም ዘጋጥሙ። ኣቐዲምካ ምፍራድ፡ ቅድሚ ንሓደ ሰብ ምፍላጥካ፡ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ከሎኻ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ሓደ ካብ ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር ዝመጸ ወይ ካብ ሓደ ፍሉይ ባህሊ ዘለዎ ሰብ፡ ኣቐዲምካ ምፍራድ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ካብ ካልእ ሃገር ስለ ዝመጻእካ ወይ ካልእ ባህሊ ስለ ዘሎካ ጥራይ፡ ካልኦት ሰባት ካባኻ ክፈርሑ ወይ ገለ ክሓስቡ ከለዉ ዘይፍትሓዊ ኾይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ከሕዝነካን ከሕርቐካን ይኽእል እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ ብዘየገድስ ክትከብርን ጽቡቕ ኣቀባብላ ክግበረልካን ኵሉ ግዜ መሰል ኣሎካ።

ምስቶም ወለዲ ኣፍቃሪትካ ርክብ ንምግባር፡ ጽቡቕ ጌርካ ክትፈልጦም ምፍታን ሓደ ጽቡቕ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።ብዛዕባኻን ብዛዕባ ድሕረ ባይታኻን ኣዕልሎም። ብኣኻ ቅቡል እንተ ኾይኑ፡ እቶም ወለዲ ንኽሓቱካ ኣፍቅደሎም። ከምኡ’’ውን ብዛዕባ እታ ናይ ኣፍቃሪትካ ስድራ ብዝያዳ ንኽትፈልጥ ከም ትህንጠ ኣርኢ። ዝፈርሑ ወይ ዝተሻቐሉ እንተ መሲሎም፡ ምእንቲ ክትዘራረብሉ ስለምንታይ ኢልካ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ጋህዲ፡ ቅኑዕን ክትፈልጥ ደላዪን ብምዃን፡ ደስ እንዳ በለካ ክትፈልጦምን ንሶም እውን ክፈልጡኻን ከምትደሊ እውን ተርኢ ኢኻ። ብዝያዳ ምስ ተፋለጥካ እቲ ፍርሕን ቅድመ ፍርድን መብዛሕትኡ ግዜ ይንኪ እዩ።

ብናታ ወይ ናቱ ወለዲ ቅቡል እንተ ዘይዄንካ፡ ምስ ሓንቲ ወይ ሓደ ሰብ ብሓባር ምዃን ከቢድ ኾይኑ ክስምዓካ ከም ዝኽእል ይፈልጥ እየ። ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ ዘይክኣል ኾይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ወለዳ ብዛዕባኻ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎም ብዘየገድስ፡ ንስኻን እታ ኣፍቃሪትካን ብሓደ ክትኮኑ መሰል ከም ዘለኩም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page