ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን

ስድራ ቤተይ ምስ የዕሩኽተይ ወጺአ ሻሂ ክሰቲ ወይ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መገሻ ክገይሽ ኣየፍቅዱለይን እዮም

Jag får inte fika med kompisar eller åka på skolresa för min familj - tigrinska

ሕቶ

ስድራ ቤተይ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኣነ ዝገብሮ ይውስኑ እዮም። ክገብሮ ዘይፍቀደኒ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መገሻ ክገይሽ ኣይተፈቕደንን፡ ምስ የዕሩኽተይ ወጺአ ሻሂ ክሰቲ እውን ኣይፍቀደንን እዩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ብቐጥታ ናብ ገዛ ኣይመጻእኩን ኢሎም እንተ ጠርጢሮም ብጣዕሚ ይሓርቁን የፈራርሑንን።

ንስድራ ቤተይ ከሕዝኖም ኣይደልን እየ። ንሕጎም እንተ ጥሒሰዮ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል የፍርሓኒ እዩ። ካልኦት ክገብርዎ ዝፍቀዶም ክገብሮ ስለ ዘይፍቀደኒ ንበይነይን ዘይፍትሓውን ኮይኑ ይስምዓኒ። እንታይ እየ ክገብር?

መልሲ

ካልኦት ሰባት ክገብርዎ ዝፍቀዶም ነገራት ንስኻ ክትገብሮ ስለ ዘይፍቀደካ ንበይንኻን ዘይፍትሓውን ኮይኑ ክስምዓካ ይርድኣኒ እዩ። ኣብ ሽወደን ብዙሓት መንእሰያት ተመሳሳሊ ጸገማት ኣሎዎም። እቲ ምኽንያት፡ ስድራኻ ካልኦት ሰባት ብዛዕብኦም እንታይ ክሓስቡ እዮም ኢሎም ስለ ዝጭነቑ ክከውን ይኽእል እዩ። ስድራኻ ሕማቕ ስም ከይረኽቡን ክብሮም ከየጥፍኡን ይፈርሑ ይኾኑ። ሰብ ከፈራርሓካ ቅቡል ኣይኮነን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ድማ ኣሎ።

ስድራኻ ድሕሪ ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርትኻ ብቐጥታ ናብ ገዛኻ ኣይከድካን ኢሎም እንተ ጠርጢሮም ብጣዕሚ ይሓርቁን የፈራርሑኻን ኢልካ ጽሒፍካ። ከምኡ’ውን ንሕጎም እንተ ጥሒስካዮ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል የፍርሓካ ከም ዝኾነ ጽሒፍካ ኣሎኻ።

ብልክዕ እቲ ዘፍርሓካ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጥኩዎን። ምናልባት እንተ ኣድልዩካ ሓገዝ ካበይ ክትረክብ ከም ትኽእል ክትፈልጦ ኣገዳሲ እዩ፦

  • ኣብ ልዕለይ ገለ ከጋጥም እዩ ኢልካ እንተ ፈሪሕካ ወይ ካብ ምፍርራሕን ጎነጽን መዕቆቢ እንተ ኣድልዩካ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበር።
  • ኣብ ሓደጋ እንተ ኣሎኻ ዄንካ ወይ ህጹጹ እንተ ኾይኑ ናብ 112 ደውል።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ገለ ሰብ ክትዛረብ ኣሎኻ ይመስለኒ። ንኣብነት ምስ ሓደ መምህር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘላ ሓንቲ ኣማኻሪት (ኩራቶር)፡ ምስ ሓደ ኣብ መቐበል-መንእሰያት (ungdomsmottagning) ዝሰርሕ ሓደ ሰብ ወይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዛረብ።

ከምኡ’ውን ምስ ሓደ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ቦታ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፦ Stöd om du har frågor om hedersrelaterat våld och förtryck (ብሽወደንኛ ኣብ UMO.se)። ምስ ብዙሓት ካብዞም ቦታታት ስምካ ከይነገርካ ክትራኸቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናትካ ኵነት ንዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምሕጋዝ ልምዲ እውን ኣሎዎም።

ውሕስነት ክስምዓካ፡ የዕሩኽትካ ክትረክብን ናጻ ግዜ ክህልወካን መሰል ኣሎካ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

Familj

ተገዲደ ከይምርዖ ፍርሓት ኣለኒ- እንታይ ክገብር ይኽእል?

ተገዲድኪ ንኸይትምርዓዊ ምፍራሕኪ ዕቱብ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ገለ ሰብ ክትዛረቢ የድልየኪ እዩ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ኣገዲድካ ምምርዓው ገበን እዩ። ካልእ ዝኾነ ሰብ ከገድደኪ ኣይፍቐደሉን እዩ። ወለዲ ይኹኑ የሕዋት፣ ኣዝማድ፣ የዕሩኽ ወይ ካልእ ሰብ።

ዓንቀጽ

ፋርማን ንኣሓቱምቁጽጻርገዲፍዎ

ኣቐድም ኣብሉ ፋርማን ኩሉ ነቲ ኣሓቱ ዝገብርኦ ዝነበራ ነገራት ይቆጻጸር’ዩኔሩ። ብድሕሪኡግን ንሱ ’ውን፤ ሓንቲ ስለ ”ስድራቤታዊ ክብሪ” ተባሂሉ ብስድርኣ መጽቀጥቲ ዚግበረላ ጓል ይፈቱ።እዚ ነገር ’ዚ ድማ፡ ንፋርማን ብኻልእ ኣገባብ ንኽሓስብ ይሕግዞ።

To the top of the page