ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን

ጾታዊ ምጭናቕ

Sexuella trakasserier - tigrinska

ጾታዊ ምጭናቕ ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ዝጸልኦ ንኣካላት ወይ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ነገር ምስ ዝዛረብ ወይ ምስ ዝገብር እዩ። ጾታዊ ምጭናቕ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ።

En hand som tar på en annan persons rumpa. Illustration.

ስዒቦም ገለ ኣብነታት ናይ ጾታዊ ምጭናቕ ተዘርዚሮም ይርከብ፣

  • ንካልእ ሰብ ደስ ብዘይብሎ/ላ መገዲ ምጥማት ወይ ምፍጻይ።
  • ደስ ብዘይብሎ/ላ መገዲ ብዛዕባ ኣካላቱ/ታ ርእይቶ ምሃብ።
  • ናይ ሓደ/ሓንቲ ሰብ ኣካላት ንሱ/ንሳ ብዘይፈትዎ/ዘይትፈትዎ ኣገባብ ምሓዝ
  • ብ ንሱ/ሳ ዘይፈትዎ/ዘይትፈትዎ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰር ስም ምጽዋዕ።
  • እቲ/ታ ሰብ ዘይደልዮ/ዘይትደልዮ ጾታዊ ሓሳብ ምሃብ።
  • ብዛዕባ እቲ/ታ ሰብ ኣካላትን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ወረ ምዝርጋሕ።
  • ንሱ/ሳ ዘይደልዮ/ዘይትደልዮ ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት መልእኽቲ፣ ስእሊ ወይ ተንቐሳቓሲ ስእሊ ምስዳድ።
  • እቲ/ታ ሰብ ዘይደልዮ/ዘይትደልዮ ስእሊ ምዝርጋሕ።

ንስኺ ንምጭናቕ ዝተቓላዕኪ ሰብ ምጭናቕ እንታይ እዩ ባዕልኺ ትውስኒ

ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ነገር ደሓን ምኻኑን ዘይምኻኑን ምፍላጥ የጸግም። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መጀመርያ ጽቡቕ ይስምዓኪ ድሒሩ ግን ዘይምቹእ ይኸውን።

ኣብ ገዛእ ስምዒትኪ ተሞርከሲ። ሓደ ነገር ዘይምቹእ እዩ ኢልኪ እንተሓሲብኪ፣ ኣኸለ ዘይምቹእ እዩ።

Meddelanden på en mobil: "Du är så sexig, dina bilder, din kropp... Ska vi ses?" "Hallå kan du svara?" "Nej, det vill jag inte." "Kom igen, du kommer gilla det". Illustration.

እንተተቓሊዕኪ ብፍጹም ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን

ንጾታዊ ምጭናቕ እንተ ተቓሊዕኪ እንታይ ከም ትገብሪ ምፍላጥ ክኸብድ ይኽእል እዩ። ምናልባሽ ገለ ጌጋ ከም ዝገበርኪ ክትሓስቢ ትኽእሊ ኢኺ። ድሕሪ ግዜ ሕማቕ ክስምዓኪ ይጅምር፣ ንኣብነት ቓንዛ ርእሲ ወይ ከብዲ፣ ትሓዝኒን ወይ ጭንቐት ትገብሪ።

ግና ብፍጹም ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን። እቲ/ታ ሰብ ክገብሮ ዘይግብኦ ነገር ጌሮም። ብዘየገድስ እንታይ ትመስሊ፣ እንታይ ተኸዲንኪ ኣለኺ ወይ ኣየናይ ዓይየት ዝምድና ኣለኩም። ብዘየገድስ እቲ ሰብ ሕማቕ ሓሲብ ኔሩ ተኾይኑ ዋላ’ውን እንተዘይኮይኑ።

ንጾታዊ ምጭናቕ እንተተቓሊዐ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ስዒቦም ገለ ሓሳባት ቐሪቦም ኣለዉ:

  • ብንጹር ንጸግዮ
    ንኣብነት ”መቐመጫይ ሒዝካኒ፣ እዚ ዘይምቹእ እዩ፣ ከተቋርጾ ይደሊ ኣለኹ።” ክትብሊ ትኽእሊ ወይ ”ከምዚ ዓይነት መልእኽትታት ክትሰድድ ደስ ኣይበለንን”። እንተደሊኺ ንካልእ ሰብ ንኽዛረበልኪ ንክሕግዘኪ ሕተቲ።

  • እቲ ምጭናቕ እንተ ዘይኣቋሪጹ ንካልእ ሰብ ንገሪ
    ንዓርክኺ፣ ንትኣምንዮ ልዕሊ ዕድመ ሰብ፣ ንመምህር፣ መሳርሕትኺ ወይ ንካልእ ሰብ ንገሪ። ከ ከም እቲ ምጭናቕ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ብሓንሳብ ኮይንኩም ንርእሰ መምህር፣ ሓለቓ ወይ ካልእ ሰብ ክትነግሩ ትኽእሉ።

  • ሓገዝ ሕተቲ
    ንኣብነት ኣብ ኣውቶቡስ ወይ ባር እንተኣጋጢሙ ገለ ኣብኡ ዝሰርሕ ክሕግዘኪ ዝኽእል እንተ’ሎ ርአዪ። ወይ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ሕተቲ። ንገበን ተቓሊዐ ኢልኪ እንተኣሚንኪ ናብ ፖሊስ ደውሊ።

  • ብሓባር ዄንኩም ብንጹር ንጸግዎ
    ብዙሓት ሰባት ዲኽን ንኸምዚ ዝተቓላዕክን? ብሓባር ኴንክን ምዝራብ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንርእሰ መምህር፣ ሓለቓ ወይ ካልእ ሰብ ንገራ፣ ከ ከም እቲ ምጭናቕ ዘጋጠመሉ ቦታ።

  • ጽብቕ ንክስምዓኪ ሓገዝ ተቐበሊ
    ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክትዛረቢ ጽብቕ እዩ። ንክሊኒክ መንእሰያት፣ ማእከል ክንክን ጥዕናና ወይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ተወከሲ። ናብ ርእሲ መምህር ወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ ትመሃሪ እንተ ኴንኪ ንስቱደንትሄልሳን (ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ ዝርከብ ናይ ክንክን ጥዕና ሰራሕተኛ) ተወከሲ።

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ፣ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ዘጋጠመ ምጭናቕ ኣመልክቲ
    ምጭናቕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እንተ ኣጋጢሙ ንመምህር፣ ርእሰ መምህር ወይ ንካልእ ሰራሕተኛ ተወከሲ። ድሕሪ ምዝራብኪ እቲ ምጭናቕ እንተ ቐጺሉ ንወኪል ህጻናትን ተመሃሮን ተወከሲ።

    ምጭናቕ ኣብ ስራሕ እንተ ኣጋጢሙ ንሓለቓ፣ ወሃቢ ስራሕ ወይ ወኪል ድሕነት ተወከሲ። ድሕሪ ምዝራብካ እቲ ምጭናቕ እንተ ቐጺሉ ንወኪል ኣድልዎ ተወከሲ ። 

ጾታዊ ምጭናቕ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ

ጾታዊ ምጭናቕ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብዘይ ድልየታ ንካልእ ሰብ ጾታዊ ስእልታት ምልኣኽ፣ ጾታውነታ ምርኣይ፣ ወይ ኣካላታ ምሓዝ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንገበን እንተተቓሊዕኪ ንፖሊስ ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኻ። ገበን ድዩ ኣይኮነን ርግጸኛ እንተዘይኮንኪ ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ፖሊስ ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ጾታዊ ምጭናቕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ

ዝኾነት ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ቦታ ንጾታዊ ምጭናቕ ክትቓላዕ የብላን። ብዛዕባ እዚ መምርሕን ሕግን ኣሎ። ርእሰ መምህር ወይ ወሃቢ ስራሕ እንተፈሊጦም ምጭናቕ ከም ዘቋርጽ ክገብሩ ይግደዱ።

ቤት ትምህርታት፣ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ወሃቢ ስራሕ ምጭናቕ ከቋርጽ እንተዘይሰሪሖም ኣድልዎ ክኸውን ይኽእል።

ንካልእ ሰብ ናብ ጾታዊ ምጭናቕ ኣቃሊዕካ ዲኻ?

ካልእ ሰብ ዘይፈትዎ ምስ ኣካላት ወይ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ነገር ክትዛረብ ወይ ክትገብር ብፍጹም ቅብል ኣይኮነን። ገለ ጾታዊ ምጭናቕ ገበን እዮም።

ብዘየገድስ ንስኻ ዕቱብ ኔርካ ወይ ላግጺ ሓሲብካዮ፡ እታ ዘቓላዕካያ ሰብ፣ እዚ ኣዝዩ ዘይምቹእ እዩ ኢላ ክትሓስብ ትኽእል ኢያ።

ንኣካላት ሓንቲ ሰብ ክትሕዝ ወይ ብዛዕባ ኣካላታ ርእይቶ ንክትህብ ብጥንቓቐ ቅድም ቅቡል ምኻኑ ኣረጋግጽ።

ብዛዕባ ዝገበርካዮ ትርበሽ ወይ ሕማቕ ይስማዓካ ኣሎ? ንኣማኻሪት ቤት ትምህርቲ፣ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ተወከስ።

ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ንጾታዊ ምጭናቕ ኣቓሊዕዎ እንተ ሪኻ ብንጹር ክትዛረብ ኣገዳሲ እዩ። ጾታዊ ምጭናቕ ቅቡል ከም ዘይኮነ ኣርእይ። 

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ናብ ፖሊስ ምምልካት

ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

To the top of the page