ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ስድራ

ፋርማን ንኣሓቱምቁጽጻርገዲፍዎ

Farman slutade kontrollera sina systrar - tigrinska

ኣቐድም ኣብሉ ፋርማን ኩሉ ነቲ ኣሓቱ ዝገብርኦ ዝነበራ ነገራት ይቆጻጸር’ዩኔሩ። ብድሕሪኡግን ንሱ ’ውን፤ ሓንቲ ስለ ”ስድራቤታዊ ክብሪ” ተባሂሉ ብስድርኣ መጽቀጥቲ ዚግበረላ ጓል ይፈቱ።እዚ ነገር ’ዚ ድማ፡ ንፋርማን ብኻልእ ኣገባብ ንኽሓስብ ይሕግዞ።

En kille sitter i ett fönster och vinkar ut till två tjejer på gatan utanför. Foto.

ፋርማንን እቶምስድራቤቱን፤ ካብ ዒራቕ ናብ ሽወደን ዝመጹ፤ ንሱ ወዲ 14 ዓመት ከሎ እዮም። ንሱ ድማ፡ ከም ወዲ ተባዕታይ መጠን፤ ነተን ክልተ ኣሓቱ ምቁጽጻርን፤ ነቲ ኩሉ ንሳተን ዝገብርኦ ነገራት ድማ ምክትታልን፤ ከም ናቱ ሓላፍነት ጌሩ ’ዩ ወሲድዎ።

እተን ኣዋልድ ፍሉይ ናይ በይነን ሕጊ’ዩ ኔሩወን

እዚ ዓቢ-ሓው፡ ኩሉ ጊዜ ካብቲ ናይ ኣሓቱ ኣዝዩ ዝዓበየ ነጻነት ’ዩ ኔሩዎ። ንሱ፡ ኣዋልድ ኣዕሩኽቲ ክሕዝ ይፍቀደሉ ኔሩ፤ እተን ኣሓቱ ግን፡ ምስ ኣወዳት ክራኸባ ኣይፍቀደለንን ’ዩ ኔሩ።

ገለ እዋናት ውን እዚ ዓቢ-ሓው፡ ናብ ኣዕሩኽቱ ደዊሉ፡ንኣብነት ኣሓቶም ናብ ፌስታ ክኸዳ ከም ዝረኣየ፤ ይሕብሮም ኔሩ ’ዩ። ከም ናይዚ ዓቢ-ሓው ርእይቶ፤ እተን ኣሓቱ፡እቲ ንሱ ክገብርኦ ዘይደለዮ ነገር ክገብራ፤እቶም ኣዕሩኽቱ እንተ ርእዮመን፤ ንዕኡ ክድውሉሉ ሓሳብ ኔሩዎ እዩ።

ከምኡ እንተ ጌሩ፡ እተን ኣሓቱ ክቕጽዓ ወይ ኣብ ገዛ ክዕጸዋ ከም ዚኽእላ፤ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን እዩ ኔሩ። ንሱ ነሕዋቱ ወቒዕወን ኣይፈልጥን እዩ። ካልኦት ንኣሓቶም ዝወቕዑ ኣዕሩኽቲ ግን ኣሎዉዎ።

– ሕማቕ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ ኔሩ፤ ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገራት፤ ጌጋ ይመስለኒ ኣይነበረን፤ ይብልእዚዓቢ-ሓው። እንተዀነ ግን፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፤ እንታይ ይገብር ከም ዘሎኹ እናተረድኣኒ መጺኡ።

እታ ዓርኩ ዝዀነት ጓል’ያ፡ ንኽርድኦ ሓጊዛቶ

እዚ ዓቢ-ሓው፡ እታ ዓርኩ ጓል፡ ምስኡ ብምርኻባ ጥራይ፡ ብሓዋ ክትውቃዕ ምስ ረኣየ፤ ሽዑ ’ዩ ሓሳባቱ ክቕየር ዝጀመረ።

– እታ ኣነ ዘፍቅራ ጓል፡ ብምኽንያት ናተይ ክትውቃዕ ክኢላ፡ ኢለ ሽዑ ’ዩ ክርድኣኒ ዝኸኣለ። ክትጾሮ ዘይትኽእል ነገር ድማ ኰይኑኒ። ነታ ጓል ክገድፋ ድማ ተገዲደ።

እዚ ፍጻሜ ’ዚ ’ዩ ነዚ ዓቢ-ሓው ከም ዝሓስብ ዝገበሮ። ኣነ ባዕለይ ንኣሓተይ ክቆጻጸር እናወዓልኩ፤ ነዛ ዓርከይ ዝዀነት ጓል፡ ብሓዋ ምቁጽጻር ንኸይግበረላ ኢለ ክሓስብ፤ ቅኑዕ ነገር ድዩ? ክብል ድማ ጀመርኩ።

Sharaf hjältar ነዚ ዓቢ-ሓው ይሕግዝዎ

እዚ ዓቢ-ሓው፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ክገብሮ ዝጸንሐ ነገር፤ ብሓቂ ጌጋ ከም ዝነበረ እናተረድኦ መጸ። እዚ ዓቢ-ሓው፡ ምስቶም Sharaf hjältar ርክብ ገበረ። እዚ ፖሮጀክት’ዚ ንኣወዳት፤ ካብዚ ”ምእንቲ ክብሪ-ስድራቤት” ተባሂሉ ዚግበር ጭቆና፤ መርገጺኦም ንኽቕይሩ ዚሕግዝ እዩ። እዚ ዓቢ-ሓው፡ ብዛዕባ ’ቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ነገር ክሓስብ ምስ ጀመረ ድማ፤ እዞም Sharaf hjältar ፤ ሓጊዞሞ እዮም። ብድሕሪኡ ድማ፤ ምስ ካልኦት ከምቲ ናቱ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ውን፤ ምርኻብ ጀሚሩ።

– ኣነ ንመጀመርታ ጊዜ እየ፤ ብዛዕባ ሰብኣዊ-መሰል ዚብል ዘረባን፤ ብዛዕባ ’ዞም ክኽበሩ ወጺኦም ዘሎዉ ሕጊታትን፤ ክሰምዕ ዝኽኣልኩ።

እቲ ስድራቤት ኣተሓሳስብኡ ቀይሩ ’ዩ

– ኣነ ተቐይረ እየ፡ ይብል ዓቢ-ሓው። ኣነ ሕጂ ብዛዕባ ካልኦት ዝዓበየ ድንጋጸ ይስምዓኒ፤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይፍትሓውነት ክፍጸም ድማ፤ ኣይቅበሎን እየ።

ኣብቲ መጀመርታ ጊዜ፡ እቶም ወለዱ ንዓቢ-ሓው፤ ተገሪሞም እዮም ኔሮም። ብድሕሪኡ ግን፤ እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ፡ ቀስ ብቐስ ክርድኦም ጀመረ። ኣብዚ ጊዜ ’ዚ፡ እቲ ዓቢ-ሓውን እተን ኣሓቱን፤ ሓደ ዓይነት ነጻነት እዩ ዘሎዎም። እቶም ወለዲ ውን፤ መሰላት ናይ ደቆም ንክኽበር ይሕግዙ እዮም።

ብዙሓት ወለዲ ሻቕሎት ይስምዖም እዩ

– ኣብ መንጎ ካብ ነንበይኑ ባህልታት ዝመጹ ወለዲ፤ ዝተደጋገመ ርክባት ንኽግበር ኣድላይነት ኣሎዎ፤ ይብል እዚ ዓቢ-ሓው። እቲ ሓድሽ ዝዀነካን፡ ከም ባዕዳዊ ጌርካ እትርእዮ ነገራት፤ ንመጀመርታ ጊዜ የሰምብደካ እዩ። እቲ ፍርህኻ እናወሓደ ምስ ዚኸይድ ግን፤ ነቲ ”ስለ ስድራቤታዊ-ክብሪ” ኢልካ እትገብሮ ምጭቋን ውን የጕድሎ እዩ።

– ኣደይ ምስ ሽወደናውያን ኣዴታት ክትራኸብ ምስ ጀመረትን፤ ንሳተን ውን ልክዕ ከምቲ ናታ ብዛዕባ ደቀን ክጭነቓ ምስ ረኣየተን፤ እቲ ዝስምዓ ዝነበረ ፍርሂ ክጐድለላ ክኢሉ እዩ።

– ከምቲ ዓቢ-ሓው ኪገልጽ ከሎ ዚብሎ፡ እቲ ”ስድራቤታዊ-ክብሪ”፡ ማለት ጓልካ ዓርኪ ብምሕዛ ወይ ብዘይምሕዛ ጥራይ ዚምዘን ኣይኰነን። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፤ ስራሕ ምርካብን ንነብስኻ ባዕልኻ ክትናቢ ምኽኣልን እዩ። እቲ ስለ ”ስድራቤታዊ-ክብሪ” ኢሉ ምጭቋን ዚገብር ሰብ፤ መታን መርገጺኡ ክቕይር ክኽእል፤ ልክዕ ከምቲ ኣነ ሓገዝ ዝረኸብክዎ፤ ንሱ ውን ከምኡ ክረክብ ከድልዮ እዩ። እቶም ካብቲ ውግእ ዘሎዎ ቦታታት፤ናብሽወደንዝመጹ ኣቦታት፤ ንስድራቤቶም ናይ ምክልኻል ልምዲ ጸኒሕዎም ’ዩ። ሕጂ ግን፡ ከምቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ጊዜ፤ክሻቐሉ ከም ዘየድልዮም መታን ክርድኦም፤ ሓገዝ ክንገብሎም ይግብኣና እዩ።

– እዚ ሕጂ ዘሎኒ ሓድሽ ኣተሓሳስባ፤ ንምሉእ ዕድመይ ክጥቀመሉ እየ፤ ይብል ዓቢ-ሓው።ኣብ ህይወት ናይ ደቀይ፤ ከምቲ ኣሓተይ ዝተመኮርኦ ዓይነት ጭቆና፤ ኣብ ልዕሊአን ኣይክፍጽምን እየ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ብዛዕባ ኣካላትካ እትውስን፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ

ኩሎም ደቂ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ኣካላቶም ባዕላቶም ክውስኑ፡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?

ዓንቀጽ

ክብረት

ኣብ ገለ ስድራቤታት ወይ ኣዝማድ ዝኾነ ክፉእ ስም ከይህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ወይ እቶም ኣዝማድ ሕጊ ክህሉ ይኽእል፣ ንኣብነት ጓል ክሳዕ ትምርዖ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም የብላን። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብዕርክነት ክትህሉ ኣይፍቐደላን፣ ወይ ኣብ ትርፊ ግዚኣ ምስ ኣወዳት ክትሕወስ ኣይፍቐደላን። ንሓደ ሰብ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነጋራት ምቕላዕ ዘይሕጋዊ እዩ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን መሰላት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እውን እዩ።

ዓንቀጽ

ማዕርነት

ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደ ዓይነት ዕድልን መሰልን ክወሃቦም ይግባእ። ሕብረተሰብና፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ማዕርነት ኣይበጽሐን። ይኹንእምበር ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጹ መደባትን ሕጊታትን ግን ተሓንጺጾም ኣሎዉ።

ዓንቀጽ

ሰብኣዊ መሰላት

ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ጽብቕ ሂወት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ኣሎካ። ብፍትሒ ክትእለን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትህልወሉ እዋን ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰል ኣለካ።

To the top of the page