ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ፍቕርን ምሕዝነትን

ምፍቃር

Att vara kär - tigrinska

ምፍቓር ዝበዝሕ ግዜ ደስ ዘብል ስምዒት እዩ። ገለ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣፍቂሮም ይፈልጡ፡ ገለ ካልኦት ከኣ ኣፍቂሮም ኣይፈልጡን።

ምፍቃር

ፍቕሪ ንኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ስምዒት ኣይኮነን። ፍቕሪ ንዓኺ እንታይ ምዃኑ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ክትምልሲ ትኽእሊ።

ኣዝዮም ብዙሓት ብዛዕባ ፍቕሪ ዝኾኑ ፊልምታት፣ ናይ ሙዚቃ ግጥምታት፣ መጽሓፍትን፣ መዝገበ ፍጻመን ኣለዉ። ብዙሓት ብዛዕባ ፍቕሪ ብናቶም ኣገባብ ይገልጹ።

ብዝተፈላለየ መንገዲ ክስመዓኪ ይኽእል 

ምፍቃር ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብዝተፈላለየ መንገድታት ክስመዓኪ ይኽእል። ፍቕሪ ዝበዝሕ ግዜ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ካብቲ ፈለማይ ብዝተፈለየ መንገዲ ይስመዓኪ። 

ዘደስትን ዝርብሽን ስምዒትን ክገብር ይኽእል። ንቕሓት፣ ትብዓት፣ ሓጎስን ህድኣትን ክስምዓኪ ይኽእል። ምናልባት’ውን ብዛዕባ እቲ ዘፍቐርክዮ ሰብ ብዙሕ ትሓስቢ። ካልእ ነገር ክትሓስቢ`ውን የሸግረኪ። ኣብ ፍቕሪ ከለኺ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ርበሻ፣ ሓዘን ወይ ቕንኢ ክስምዓኪ ይኽእል። ገለ ሰባት ምስ ኣፍቀሩ ንኽበልዑ ወይ ክድቕሱ ይሽገሩ። 

ምስ እተፍቕርዮ ሰብ ክትኮኒ ጽቡቕ ይስመዓኪ። ሽዑ ልብኺ ብዝያዳ ቕልጣፈን ብዝያዳ ሓይልን ትሃርም ከም ዘላ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል። ምናልባሽ ትርበሺ፣ ትሕጎሲ፣ ትሓፍሪ ወይ ምልዕዓል ጾታዊ ስሚዒት ይስምዓኪ። 

ፍቕሪ ሃንደበት ክኸውን ይኽእል

ንእትፈልጥዮ ሰብ፣ ወይ ንዘይትፈልጥዮ ሰብ ከተፍቕሪ ትኽእሊ። ዋላ እኳ እንተዘይተራኸብኩም ወይ ብሓባር እንተ ዘይኮንኩም ናይ ፍቕሪ ስምዒት ኣዝዩ ሓያል ክኸውን ይኽእል። ምናልባሽ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰባት ከተፍቕሪ ትኽእሊ።

ፍቕሪ ድቦላ ክኾነኪ’ውን ይኽእል። ንኣብነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልየ ምስ ካልእ ጾታ ዘለዎ ሰብ ምስ ተፍቅሪ። ወይ ብሃንደበት ንማሓዛኺ/ዓርክኺ ምስ ትፈትዊ። ወይ ንከተፍቕርዮ ኢልኪ ሓሲብኪ ዘይትፈልጢ ሰብ ምስ እተፍቅሪ።

ንክነፍቕር ዝገብረና ነገር እንታይ ሙኳኑ ክንፈልጦ ኣሸጋሪ እዩ። ናይቲ ሰብ ኣከናውና፣ መልክዕ፣ ድምጺ ወይ ሽታ ክኽውን ይኽእል።

ከም ዘፍቀርኩ ከመይ ጌረ ከርእይ ይኽእል?

ገለ ሓሳባት ሲዒቦም ኣለዉ። ንዓኺ ዝሰማምዓኪ ምረጺ። ጊንጢ ወይ ጌጋ ኮይኑ ዝስመዓኪ ነገር ኣይትግበሪ።

  • ነቲ/ታ ሰብ ከም ትፈትውዮ/ያ ንገርዮ/ንገርያ። ምስ ተራኸብኩም ወይ`ውን መልእኽቲ ብምስዳድ ንገርዮ/ያ።
  • ብዙሕ ትራኸቡ እንተ ዄንኩም፣ ጥቓ እቲ/ታ ሰብ ከም ትኾኒ ግበሪ። ዓይኒ ንዓይኒ እንተተጋጢምኩም ካብ ንብር ንላዕሊ ንውሕ ዝበለ ምጥማት ቀጽሊ። አንተደሊኺ ፍሽኽ በሊ።
  • ዝኾነ ጥዑም ዘረባ ተዛረቢ። ”ምርካብካ/ኪ ደስ የብል” ወይ ”ጽብቕቲ ጎልፎ” ወይ ተመሳሳሊ ቓላት ምባል እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝበዝሕ ሰብ በቲ ዝረኸቦ ርኢይቶ ይሕጎስ። ዝያዳ ንምዝራብ ድማ ከም መጀመሪ ይኾነኪ።
  • ብሓባር ገለ ነገር ክትገብሩ ትኽእሉ እንተኾንኩም ሕተቲ። ክልቴኹም ጥራይ ፣ ወይ ከኣ ምስ ኣዕሩኽትኹም ብሓባር። ሽዑ ነቲ ሰብ ዝያዳ ክትፈልጥዮን ስምዒትኪ ከተርእይዮን ዕድል ትረኽቢ።
  • ብዙሕ ግዜ ትራኸቡ እንተ ኾንኩም፣ ከም ትግደስሉ/ላ ኣርእዩ። ክትሓቕፍዮ/ፋ ትኽእሊ እንተ ኾንኪ ሕተቲ፣ ንሻሂ ዓድምዮ/ያ ወይ ክትሕግዝዮ/ያ ቅርቡነት ኣርእዪ። ኣብቲ/ታ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለኪ ኣርእዪ። ንዓኺ ጽቡቕ ኮይኑ ዝስምዓካ ግበሪ።
  • ካብ ኣዕሩኽትኺ ሓገዝ ተቐበሊ። ምናልባሽ ካልእ ሰብ ከም ትፈትውዮ/ያ ኣብ ክንዳኺ ክነግረልኪ ይኽእል ይኸውን።

እቶም ዝበዝሑ ሰባት ካልእ ሰብ ከም ዝፈተዎም እንተፈሊጦም ይሕጎሱ። ስምዒታትኪ ከተርእዪ ድፍረት እንተጌርኪ፣ እቲ/ታ ሰብ ብዛዕባኺ ዘለዎ/ዋ ሓሳብ ናይ ምፍላጥ ዕድል ዝለዓለ እዩ።

 

ካልእ ሰብ ከም ዘፍቀረኒ ብኸመይ ይፈልጥ?

ገለ ሰባት ንካልእ ሰብ እንተፈትዮም ብኑጹር የርእይዎ። ገለ ሰባት ከኣ ንገዛእ ርእሶም ይሕዝዎ። ሓደ ሰብ ከም ዝፈተወካ ብኸመይ ከተስተውዕል ከም ትኽእል ዝሕግዙ ገለ ኣብነታት፣

  • እቲ/እታ ሰብ ናባኺ ብብዝሒ ይጥምት/ትጥምት።
  • እቲ/እታ ሰብ ዝበዝሕ ግዜ ጥቓኺ ይኸውን/ትኸውን፣ ንዓኺ ርህሩህ/ርህርህቲ ይኸውን/ትኸውን፣ ምሓዛኻ ክትከውን/ክኸውን ድማ ይፍትን/ትፍትን።
  • ከስሕቐኪ ይፍትን/ትፍትን።
  • እቲ/እታ ሰብ ካብ ምስ ካልእ ንላዕሊ ምሳኺ ዝያዳ ሓፋር ወይ ፈራሕ ይመስል/ትመስል።
  • ኣብ ቕድሜኺ/ኻ ተባዕ ወይ ዘይግድሳ/ሶ ክትከውን/ክኸውን ትፍትን/ይፍትን።
  • ክትራኸቡ እንተ ኾንኩም ካብ ንቡር ንላዕሊ ተመላኺዓ/ዑ ትመጽእ/ይመጽእ።

ሓደ/ሓንቲ ሰብ የፍቅረኪ/ተፍቅረኪ እንተ ኾይኑ/ኾይና ንክትፈልጢ ክትሓቲ ብዘይ ቐልዓለም ቕብል እዩ። ነታ/ቲ ሰብ ባዕሉ/ላ ወይ ንማሓዛኣ/ኡ ክትሓቲ ትኽእሊ። ምሕታት ስኽፍክፍ ክብለኪ ይኽእል። ምፍላጥ ግና ጽቡቕ እዩ።

ዘይዕዉት ፍቕሪ

ትፈትውዮ ሰብ ዘይየፍቕረኪ እንተኾይኑ ብርግጽ ከቢድ እዩ። ፍቕሪ ሓደ ግዜ ቓንዛ ይገብር። ነዚ ብዙሓት ተሞኩሮሞ እዮም።

ናይ ካልእ ሰብ ስምዒት ኣማእዚንኪ ከም ዘፍቕረኪ ክትገብሪ ኣይትኽእልን ኢኺ። እቲ ሰብ ዘየፍቕረኪ እንተኾይኑ ናትኪ ጌጋ ኣለኪ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ግዜ ከምኡ እዩ።

ክትሓዝኒ ደሓን እዩ። ንነብስኺ ርህርህቲ ኩኒ። ትፈትውዮ ነገር ግበሪ። ነቲ/ታ ሰብ ዘዘኻኽሩኺ ነገራት ከተወግዲ ፈትኒ፣ ንኣብነት ሙዚቃ ወይ ንዓኣ/ኡ ዘዘኻኽሩ ስእልታት።

ብዛዕባ ስምዒታትኪ ንመሓዛኺ ወይ ንትኣምንዮ ልዕሊ ዕድመ ንገሪ። በዚ ጽቡቕ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝስምዖም ምጽሓፍ ጽቡቕ ስምዒት እዩ ኢሎም ይሓስቡ። ዝበዝሕ ግዜ እቶም ከበድቲ ስምዒታት ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ይጠፍኡ እዮም።

ኣዚኺ እንተ ጕሂኺ ወይ ሕማቕ እንተ ተሰሚዑኪ፣ ምስ ኣማኻሪት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ዝኾነ ካብ ክሊኒክ መንእሰያት ተዘራረቢ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ጾታዊ ባህጊ

እቶም ዝበዝሑ ሰባት ምስ ጾታዊ ባህግን ጾታዊ ድልየት (ስያዐን፡ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ምድላይ፡ብሉዕ) ክስምዖ ዝኽእል ኣካላት ይውለዱ። ጾታዊ ባህጊ ኣብ ምሉእ ኣካላትና ክስምዓና ይኽእል። ኣብ ክፍሊ መፍረን ካልኦት ክፋላት ኣካላትናን ደስ ዘብል ስሚዒትን ትርግታን ይስምዓና።

ዓንቀጽ

ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ብኸመይ ዕርክነት ይገብር?

ሓደ ሰብ ምስ ዝፈትዎ ብኸመይ ዕርክነት ክገብር ይኽእል? ኣብዚ መንእሰያት ናብ UMO ዝለኣኽዎም ገለ ጠቐምቲ ሓገዛት ክትረክብ ትኽእል።

ዓንቀጽ

ፊልም: ልበይ ትሃርም ኣብ ከብደይ ድማ ፍርሒ ይስምዓኒ ኔይሩ

እዚ ጽሑፉ ብሓደ መንእሰይ ተጻሒፉ ናብ Youmo ዝተላእከ እዮ::

To the top of the page