ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ኣደንዛዚ ዕጸ (ድሮጋ)

ክንደይ ዝኣክል ኣልኮላዊ መስተ ክሰቲ ይኽእል?

Hur mycket alkohol kan jag dricka? - tigrinska

ሕቶ

ወዲ 19 ዓመት እየ። ኣብ ግዜ ምሸት መታን ክድቕስ ክኽእል ዝበዝሕ ግዜ ቢራ ይሰቲ። ብጣዕሚ ጽብቕ ድማ ይሰርሓለይ። ኣይሰክርን እየ፣ ድቃስ መታን ክመጽኒ ቁሩብ ጥራይ እየ ዝረጋጋእ። ንኣካላት ከይሃሰኹ ክሳዕ ክንደይ እየ ክሰቲ ዝኽእል?

ምላሽ

ኣነ ከም ዝመስለኒ ብፍጹም ኢኻ ክትሰቲ ዘይብልካ። ኵሉም ዓይነታትን ብዝሕታትን ኣልኮላዊ መስተ ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ንኣካላትካን ንድቓስን ሃስይኦም ይዛይድ። ወላ እኳ ኣብ ርእስኻ ዝተረጋጋእካ እንተመሰለካ ኣካላትካ ግና ብኸምኡ መጠን ኣይረጋጋእን እዩ። ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ ከለኻ ካብ ካልኦት ዓይነታት መስተ ክትሰቲ ከለኻ ንላዕሊ ሽንቲ ይመጸካ። ኣብ ግዜ ለይቲ ክትሸይን ኢልካ ክትትስእ ከሎኻ፣ ድቓስካ ይቋረጽ ሕማቕ ድቓስ ድማ ትድቕስ።

ክትረጋጋእን ጽብቕ ክትድቕስን ዘኽእለካን ካልእ መንገዲ ኣሎ። ኣብ ክንድኡ ኵሉ ለይቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ክትድቕስ ፈትን፣ መደቐሲ ክፍልኻ ዝሑል ሙቐት ይሃልዎ ኣብ ትጋደመሉ ጊዜ ከኣ ህድእ ዝበለ ሙዚቓ ስማዕ። ቕድሚ ምድቓስካ ኣቐድም ኣቢልካ ሞባይልካ ኣርሕቓ ኮምፑተርካ ከኣ ኣጥፍኣያ።

ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ ከኣ ሕሰብ። ዘጨንቐካ፣ ዘሸግረካ ወይ ዝቖጥዓካ ነገር ኣሎ ድዩ? ከረጋግኣካ ዘይክእል? ኵሉ ግዜ ንማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ungdomsmottagning ተወከስ ምስ ኣብኡ ዝርከብ ኣማኻሪ፣ ናይ ስነ ኣእምሮ ኪኢላ ወይ ሓኪም ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ንሶም ካብ ቢራ ንላዕሊ ክሕጉዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

ዓንቀጽ

ምኽርታት ጽቡቕ ንምድቓስ

ጽብቕ ጥዕና ንኽህልወካ ጽብቕ ክትድቕስ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ምድቓስ ግን ልሙድ እዩ። እዚ ንኣብነት ተጨኒቕካ ወይ ተሻቒልካ ስለ ዘሎኻ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ጽብቕ ንክትድቕስ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ክትፈልጥ ትኽእል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page