ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ኣደንዛዚ ዕጸ (ድሮጋ)

ዕጸ ፋርስ

Droger - tigrinska

ዕጸ ፋርስ ሓደ ክትጥቀመሉ ሃሳይን ከም ትውለፍ ክገብረካ ዝኽእልን ነገር እዩ። ዕጸ ፋርስ ትጥቐም እንተኾንካ ኣብ ሂወትካ ጸገም ከጋንፈካ ንብር እዩ። ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ንምቑራጽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Olika sorters droger: vitt pulver, olika sorters tabletter, rullade cigaretter och torkade, malda blad. Illustration.

ዕጸ ፋርስ ገለ ክጸልወካ፣ ምስ ትጥቐመሉ ሃሳዩ፣ ወሉፍ ክገብረካ ዝኽእል ነገር እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ብሕጊ ክልኩላት ዕጸ ፋርሳት እዩ። ናርኮቲካ ተባሂሎም’ውን ይጽውዑ እዮም።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣለው። ንኣብነት ከኒና፣ ሓርጭ ወይ ገለ ዝተክኽ ወይ ገለ ዝስተ ክኾኑ ይኽእሉ። ገለ ኣብነታት ካናቢስ፣ ኣምፈታሚን፣ ሄሮይን፣ ኤክታሲን ጫትን እዮም። ሓደ ሓደ መድሃኒታት ምስ ዕጸ ፋርሳት ይቑጸሩ፣ ንኣብነት ብርቱዓት ከኒናታት ፈውሲ ቃንዛ ።

ዕጸ ፋርስ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ይጸልወካ

ገለ ዕጸ ፋርሳት ህድኣትን ድኻምን ከም ዝስምዓካን ንደጋዊ ዓለም ከም ትርስዕን ይገብሩ። ዕጸ ፋርስ ብቐጻሊ ምስ ትጥቐም ሕማቕ ናይ ምዝካር ክእለት ክህልወካን ንክትሓስብ ዝኸብደካን ትኸውን።

ካልኦት ዓይነታት ዕጸ ፋርሳት ንገለ ግዜ ንቑሕ፣ ሕጉስን ዝሓሸ ርእሰ ተኣማንነትን ንክህልወካ ይገብሩ። ቃንዛ ርእሲ፣ ረስኒ፣ ወሰኽ ህርመት ልቢን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ከም ዝስምዓካ ክገብሩ ይኽእሉ።

ዕጸ ፋርስ ብዙሕ ግዜ እንተተጠቒምካ ሕማቕ ክስምዓካ ክጅምር ይኽእል እዩ። ንኣብነት ርብጽ፣ ተጠራጣሪ፣ ጉሁይ ክትከውን ወይ ጭንቐት ክስምዓካ ይኽእል። ኣብ ጋህዲ ዘየለው ነገራት ክትዕዘብ’ውን ትኽእል።

ጽቡቕ ክስምዓካ ዝሓሸ መገዲ ኣሎ

እቶም ዝበዝሑ ዕጸ ፋርስ ዝፍትኑ ሰባት፣ ደስታን ህድኣትን ንክስምዖም ይገብርዎ። ገለ ካልኦት ድማ ሕማቕ ስምዒታት ንምእላይ ዕጸ ፋርስ ይጥቐሙ። ግን እዞም ሕማቕ ስሚዒታት ተመሊሶም ይመጹ እዮም። ህዱእን ጽቡቕ ዝስምዓካእትኾነሉ ካልእ መገዲ ኣሎ።

ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸ ፋርስ ከለኻ ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ሕማቕ ክትርዳእ ይኸብድ እዩ። ዘይደለኻዮምን ሓደገኛታት ነገራትን ከጋጥሙ ይኽእሉ። ንኣብነት ባእሲ፣ ሓደጋ፣ ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ወይ ዘይደለኻዮ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸ ፋርስ ከለኻ ከተምልስ፣ ክትድቕስ ወይ ሃለዋትካ ከተጥፍእ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሙማት ሓደጋ እውን ኣሎ።

ሓንጎልን ኣካላትን ይህሰዩ

ዕጸ ፋርስ ንኣካላት ብዝተፈላለየ መገዲ ክሃሲ ይኽእል። ንኣብነት ሓንጎልን፣ እስትንፋስን፣ ልብን ክጽለዉ ይኽእሉ።

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸ ፋርስ ዘለኻ እንተ መሲልካ ፖሊስ መርመራ ክገብሩልካ ይፍቐደሎም እዩ

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸ ፋርስ ዘለኻ እንተ መሲልካ ፖሊስ ንክምርምሩኻ መሰል ኣለዎም። ናይ ሽንቲ ወይ ደም ምርመራ ክትገድፍ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ ክምርምሩኻ ደልዮም ከም ዘለዉ ክትፈልጥ መሰል ኣለካ። 

ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ ፖሊስ ንስድራቤትካ ወይ መጕዚካን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይነግሩ።

ውሉፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ወልፊ ማለት ኣካላት ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸ ፋርስ ምኻን ክለምድ ከሎ እዩ። ሽዑ ዕጸ ፋርስ እንተዘይወሲድካ ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓካ። ዋላ እኳ ምናልባሽ ከተቋርጽ እንተደሊኻ ከቢድ እዩ።

ክትቑጣዕ፣ ክትርህጽ፣ ክትሓምም፣ ህርመት ልቢ ክትውስኽ ወይ ምሽምቓቕ ጭዋዳ ከጋጥመካ ይኽእል። ክትጭነቕ እውን ትኽእል። ንገለ ገለ ዕጸ ፋርሳት ቀልጢፍካ ክትውለፍ ትኽእል።

ዕጸ ፋርስ ንሂወት ይጸሉ

ኣብ መጀመርያ ዝኾነ/ት ሰብ ካብ ዕጸ ፋርስ ጸገም ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢሉ ኣይኣምንን/ኣይትኣምንን። ድሕሪ ግዜ ግና ዝበዝሕ ግዜ ንክትቖጻጸሮ ዝኸበደ ይኸውን። እቲ ዕጸ ፋርስ ንሂወትካ ኣገዳሲ ይኸውን፣ ሂወትካ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ብኡኡ ትጽሎ።

ምናልባሽ ኣቐዲሞም ካልኦት ሰባት ጸገም ከም ዘለካ ክስተውዕሉ ይኽእሉ።

En person säger "sluta tjata jag är precis som vanligt" och en annan svarar "det är bara du som tror på det". Illustration.

ናይ ዕጸ ፋርስ ጸገም ከም ዘለካ ዝሕብሩ ምልክታት

  • ስምዒታትካ ይቐያየሩ። ካብ ቅድም ንላዕሊ ሕጂ ሳሕቲ ምናልባሽ ትቑጣዕ፣ ትጉሂ ወይ ትፈርሕ።
  • ከተቶኩር ይኸብደካ፣ ዘጋጠሙ ነገራት ድማ ትርስዕ።
  • ኣብ ኣካላትካ ገለ ነገር ይቕየር፣ ንኣብነት ምድቓስ ይኣብየካ ወይ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝያዳ ትጠሚ ወይ ኣይትጠምን።
  • በቲ ዕጸ ፋርስ ንክትጽሎ ካብ ቕድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝበዝሓ ዓቐን ዕጸ ፋርስ የድልየካ።
  • ጽልዋ ምስ ተወድአ እንደገና ዕጸ ፋርስ የድልየካ።
  • ካብ ኣቐዲምካ ትሓስቦ ዝነበርካ ንላዕሊ ዕጸ ፋርስ ትጥቐም።
  • ኣብ ትምህርትኻ፣ ስርሕካ ወይ ካልኦት ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ትሓምቕ።
  • ዝምድና ምስ ስድራቤትካ፣ የዕሩኽትኻ ወይ ካልኦት ሰባት ይቕየር።
  • ናይ ገንዘብ ጸገም ትገብር።

ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ምቑራጽ ይከኣል እዩ

ዕጸ ፋርስ ኣብ ሂወትካ ጸገም ድዩ? ነዚ ንክትቕይር ስዒቦም ገለ ክትገብሮም ትኽእል ነገራት ተዘርዚሮም ኣለዉ፣

  • ባዕልኻ ሕሰብ፣ ሂወተይ ከመይ ክትከውን እየ ዝደልያ? ከመይ ክስምዓኒ ይደሊ?
  • ናይ ዕጸ ፋርስ ጸገም ከም ዘለካ ንገለ ሰብ ንገር። ንኣብነት ንዓርክኻ ወይ ንትኣምኖ በጽሒ። ናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክትረክብ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ።
  • ሓገዝ ሕተት። ብገዛእ ርእስኻ ዕጸ ፋርስ ከተቋርጽ ኣዚዩ ክኸብድ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ክትረኽበሎም ትኽእል ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ን ክሊኒክ መንእሰያት፣ ማእከልክንክን ጥዕና ወይ ንክሊኒክ መወከሲ ንጸገም ኣልኮል ወይ ዕጸ ፋርስ ዘለዎም ብምውካስ ክትጅምር ትኽእል። ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትመሃር እንተ ኾንካ ንኤለቭሄልሳን (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ናይ ጥዕና ኪኢላታት) ወይ ስቱደንትሄልሳን (ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ናይ ጥዕና ኪኢላታት) ክትራኸብ ትኽእል።
  • ንናይ ኮሙንካ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከስ፣ ምስ ዘይጉቡእ ኣጠቓቕማን ወልፍን ዝሰርሕ ሰብ ሓገዝ ንኽትራኸብ ሕተት።
  • ብቴለፎን ወይ ብኢንተርነት ምስ ናይ ዕጸ ፋርስ ጸገም ዝሰርሑ ውድባት ተራኸብ።

ንምስ ዕጸ ፋርስ ዝተኣሳሰር ጸገም ሓገዝ እንተሓቲትካ ማእከል ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንፖሊስ ኣይሕብሩን እዮም።

እንታይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?

መንእሰያት ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ንምቑራጽ ምስ ዝሰርሕ ሰብ ክትዘራረብ ትኽእል። ብዙሕ ግዜ ክትራኸቡ ትኽእሉ። ኩነታት ከመይ ጌርኩም ከም ትቕይርዎ ትዘራረቡ። ከመይ ከም ዝስመዓካን ሂወትካ ኣብዚ ግዜ እዚ ከመይ ከም ዘላን እውን ትዘራረቡ።

ንነዊሕ ግዜ ዕጸ ፋርስ ተጠቒምካ እንተ ኾንካ ከተቋርጾ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክሳዕ ደሓን ዝስምዓካ ንሓጺር ግዜ ካብ ሆስፒታል ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ምስ ስድራኻን ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ካልኦት ሰባትን ንኽትዘራረብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ። ዕጸ ፋርስ ትጥቐም እንተ ኾንካ ምስ ስድራኻ ወይ ኣብ ትቕመጠሉ ቦታ ጸገም ክህሉ ንቡር እዩ።

ካልኦት ሓገዝ ውን ክትረክብ ትኽእል። ንኣብነት ኣድላዩ እንተኾይኑ ምስ ሓኪም ወይ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ ክትራኸብ ክትኽእል።

ሓገዝ ክትረክብ ከለኻ ካልእ ንዓኻ ዝፈልጠካ ሰብ ምሳኻ ክህሉ ጽቡቕ እዩ።እቲ ሰብ ክሕግዘካን ከበራትዓካን ይኽእል።

ናብ በሃንድሊንግሄም ክትከይድ ዕድል ትረክብ

ዓቢ ጸገም እንተ’ለካ ወይ ኣብ ንቡር ገዛኻ ክትነብር እንተዘይኪኢልካ ናብ ቢሃንድሊንግሄም (ንንውሕ ዝበለ እዋን ሓገዝን ክንክን እትረኽበሉ ቦታ) ክትከይድ ዕድል ትረክብ። እዚ ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ንምቑራጽ ሓገዝ ኣብ ትረኽበሉ እዋን ትነብረሉ ቦታ እዩ።

ብዛዕባ ካልእ ሰብ ተሻቒልካ ዲኻ?

  • ብዛዕባ ሓደ ብዕጸ ፋርስ ዝተጸልወ ሰብ እንተተሻቒልካ
    ን ገለ ልዕሊ ዕድመ ሰብ፣ ንምኽሪ ክንክን ጥዕና ብቑጽሪ ቴለፎን 1177 ወይ ንፖሊስ ተወከስ። ብቐትታ ሓገዝ ዘድሊ እንተኾይኑ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ናይ ሆስፒታል ወይ ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ህጹጽ ሕክምና ኪድ። ሃለዋቱ እንተኣጥፊኡ ናብ 112 ደውል።

  • ብዛዕባ ሓደ ዕጸ ፋርስ ዝጥቐም ሰብ እንተተሻቒልካ
    ን ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ተወከስ። ስምካ ብዘይምጥቓስ’ውን ናብ ምስ ኣልኮልን ዕጸ ፋርስ ዝሰርሓ ውድባት ክትድውል ትኽእል። Anonyma narkomaner (ስሞም ዘይጠቕሱ ተጠቐምቲ ድራግ) ቑጽሪ ቴለፎን 0771-138000 ኣለዎም።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

ዓንቀጽ

ፊልም: ሕጂ ጾታዊ ርክብ ምሻጥን ድሮጋ ምውሳድን ገዲፈዮ እየ

እዚ ጽሑፉ ብሓደ መንእሰይ ተጻሒፉ ናብ Youmo ዝተላእከ እዮ::

To the top of the page