ስእላዊ መግለጺ: ምኽንሻብ ርሕሚ – ግዝረት
Bildspel: Omskärelse av snippan - könsstympning - tigrinskaምኽንሻብ ርሕሚ ግዝረት ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ማለት ገለ ሰብ ንክፋል ርሕሚ ሃስዩ ወይ ቖሪጺ ኣልጊሱ ማለት እዩ። ንሕማቕ ከም ዝስምዓኪ ዝገበር ምኽንሻብ ተቓሊዕኪ እንተኾንኪ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ጽቡቕ ሓገዝ ኣሎ። መጠንቐቕታ: ተነቀፍቲ ስእልታት!
ስእሊ 1 

ስእሊ 1/9
ከመይ ክመስል ይኽእል?
ምኽንሻብ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክካየድ ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ደጋዊ ክፋል መሸኒት ተሃስዩ ወይ ገለ ክፋሉ ተቖሪጹ ክድርበ ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዝተኸንሸበ መለለዩ ምልክት ክርአ ኣይክእልን። ከመይ ክመስል ከም ዝኽእል ስዒቦም ገለ ኣብነታት ተጠቒሶም ይርከብ፣