ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ፍቕርን ምሕዝነትን

ብናይ ኣፍቃሪተይ ናይ ቀደም ዓርካ ይቐንእ እየ

Jag är svartsjuk på min tjejs förra pojkvän - tigrinska

ሕቶ

ናይ ኣፍቃሪተይ ናይ ቀደም ዓርካ ስእሊ ረኺበ። ሕጂ ኵሉ ግዜ ንነብሰይ ምስኡ የወዳድራ ኣለኹ። ብጣዕሚ ቀናእ ስለ ዝኾንኩ፡ ቅድሚ ምሳይ ምርኻባ ንዝነበራ ሂወት ክሳብ ክንድቲ ክዘኻኸር ኣይደልን እየ። እንታይ ክገብር እየ?

መልሲ

ምስ ኣፍቃሪትካ ቅድሚ የዕሩኽ ምኳንኩም ንዝነበራ ዝምድና ክትቅይሮ ኣይትኻልን ኢኻ። ከምኡ ምኳኑ ክትቅበሎ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ እውን ተዘክሮ ካብ ናይ ቀደም ዝምድና ገና ከም ዘለካ ክትርስዖ ቀሊል እዩ። ንዓኻ ከምኡ ድዩ?

ምስ ናይ ብጸይትኻ ናይ ቀደም የዕሩኽ ንነብስኻ ምውድዳር ዝውቱር እዩ። ግን እዚ እንታይ ረብሓ ከምዘለዎ ባዕልኻ ክትሓስብ ፈትን። ናይ ቀደም ዓርካ ዘሻቕል ከም ዘይኮነ ድማ ክትሓስብ ፈትን። ንስኻ ፈጺምካ ካልእ ወዲ ኢኻ። ሕጂ ነንሕድሕድኩም ተመራሪጽኩም ኣለኹም፡ ምሳኻ ኢያ ድማ ብሓባር ዘላ። ተሓጐሰሉ!

ነታ ዓርክኻ ነቲ ስእሊ ምርኣዩ ደስ ዘይብል ስሚዒት ከም ዝተሰምዓካ ክትነግራ ትኽእል ኢኻ። ግን ድሓን ምኳኑ እውን ንገራ። ሰብ ናይ ቀደም ስእሉ ክዕቅቦ ክፍቀዶ ክኽእል ኣለዎ።

ቅንኢ፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ዝስምዖም ሓደ ነገር እዩ። ግን ኣዚኻ ቀናእ ምኳን ኣሸጋሪ እዩ። ንኽልቴኹም ንነብስኻን ነታ ምሳኻ ብሓባር ትነብር ዘላን።

ሓደ ሓደ ግዜ ቅንኢ ኣብ ድኹም ርእሰ-እምነት ወይ ንነብስኻ ከም እታ ዘለኻያ ብቁዕ ኣይኮንኩን ኢልካ ኣብ ምሕሳብ ዝተመርኮሰ እዩ።

ንርእሰ- እምነትካ ከተሓይሎን ንነብስኻ ከምታ ዘለኻይ ክትፈትዋን ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ርግጽ ዝወሓደ ቅንኢ ክስምዓካ እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page