ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ፍቕርን ምሕዝነትን

ብኸመይ ሓደሽቲ የዕሩኽ ይረክብ?

Hur får jag nya vänner? - tigrinska

ሕቶ

ኣብ ሽወደን ንሓደ ዓመት ተቐሚጠ ኣለኹ፡ ብዙሓት ሰባት ግና ኣይፈልጥን እየ። ሓደሽቲ የዕሩኽ ንኽረክብ ከመይ ክገብር ኣሎኒ?

ምላሽ

ሓደ ሰብ ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ክመጽእ ከሎ ሓደሽቲ የዕሩኽ ክገብር ኣገደሲ እዩ። ብዙሓት እዚ ቀሊል ከም ዘይኮነ ተመኩሮም እዮም። ሓደ ክትሓስበሉ ዘለካ ጽብቕ ነገር፣ ኣብ ሰባት ክትላለየሉ ትደሊ ቦታ እንተለኻ ኾንካ ባዕልኻ ተቢዕካ ንካልኦት ሰላም ክትብልን ክትዛረብን እዩ።

ምናልባሽ ኣብዚ ዓዲ ትምህርቲ ጀሚሪካ ትኸውን? ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓደሽቲ ይዕሩኽ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎካ። ኣብ ቤት ትምህርትኻ ክትላለ ኣሸጋሪ ምስ ዝኸውን ምስ ገለ ዓበይቲ ሰባት ከም መምህር ወይ ኣማኻሪ (ኩራቱር) ተዘራረብ። ንስኻን ካልኦትን ንምልላይ ዕድል ንኽትረኽቡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝኾነ ንጥፈታት ክውድቡ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ሕተቶም።

ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንካብ ከባቢ 13-18 ዕድመ ዘሎዉ ዝኸውን መዘናግዒ ማእከል ኣሎ። ኣብኡ ኼድካ ምስ ሓላፊ መዘናግዒ ማእከል ተዘራረብን ኣብ ናቶም ንጥፈታት ድማ ተሳተፍን፡ ንዓኻ ዝሰማምዓካ እንተ ኾይኑ።

ኣብ ትነብረሉ ከተማ ድማ ብርግጽ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ፣ ንኣብነት ማሕበር ስፖርት። ናብኡ ኪድ፡ ክትሳተፍ ትኽእል ተኾይንካ ከኣ ርአ። ምስ ካልኦት ሰባት ንጥፈታት ምግባር ደስ ዘብል እዩ፣ ኣዕሩኽቲ ንምርካብ ድማ ጽቡቕ ኣገባብ እዩ። ከገድሱኻ ዝኽእሉ ማሕበራት ንምርካብ ኣማኻሪ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገለ ገለ ኮሙናትን ከተማታትን ሰብ ናብኡ ከይዱ ሰባት ክራኸበሉ ዝኽእል ቦታ ኣለዎም። ንኣብነት ናይ ቋንቋ ካፈን ካልኦት ንጥፈታትን ንምልላይን ዝሰርሓ ውዳበታትን። ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ከመይ ምኳኑ ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ርአ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page