ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ስለምንታይ ኢኹም ከምኡ ዘይኮነ ከሎ ኵሉ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ክውስን ይኽእል እዩ ትብሉ?

Varför säger ni att alla får bestämma över sin kropp när det inte är så? - tigrinska

ሕቶ

ስለምንታይ ኵሉ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ክውስን ይኽእል እዩ ትብሉ? ብሓቂ (ኣብ ክውንነት) ልክዕ ኣይኮነን። ኣነ ንኣብነት ኣወዳት ክረክብ ወይ ቅድሚ መርዓይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ኣይፍቀደንን እዩ። ስድራ ቤተይ ኣዚዮም ምሓረቑ።

ምላሽ

ኣብ ኣካላትካ ክትውስን ክትኽእል ሰብኣዊ መሰል እዩ። ብመሰረት ናይ ሽወደን ሕጊ ንስኺ ንኣብነት ኣወዳት ክትረኽቢ ወይ ቅድሚ መርዓኺ ጾታዊ ርክብ ትፍጽሚ እንተ ደሊኺ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።

ሓደ ሓደ ግዜ ስድራኻ፡ ኣዝማድካ ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ነቲ ሕጊ ኣይክተልዎን ይኾኑ። ምናልባት ንስኺ ከም መንእሰይ ኣየኖት መሰላት ከም ዘሎዉኺ ኣይፈልጡን ይኾኑ። ምናልባይ ብዛዕባ መሰላትኪ ኣይግደሱን ይኾኑ። ሓደ ሓደ ዓበይቲ ሰባት እቲ ዝበለጸ ዝገብሩ ዘሎዉ ይመስሎም ይኸውን፡ ይኹን እምበር ጌጋ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ኣብ ከምዚ እዋን ነቲ መሰላት ዘሎኪ ክትገብሪ ኣይትኽእልን ትኾኒ።

ኣብ ኣካላትካ ክትውስን ምኽኣል፡ ኵሉ ሰብ ክህልዎ ዘሎዎ መሰል እዩ። ኵሉ ሰብ እዞም መሰላት ኣሎዎ ምባል ዜገርም ኾይኑ እንተ ተሰሚዑኪ ይረድኣኒ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣካላቶም ክውስኑ ከም ዝኽእሉ ኣይፈልጡን እዮም። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ግን፡ ከምኡ ክትገብሪ ኵሉ ግዜ መሰል ኣሎኪ። 

እቲ ኣብ Youmo.se ከነርእዮ ንደሊ፡ ኣየኖት መሰላትን ሕግታትን ከም ዘሎዉ እዩ። እቶም ኣብ ልዕሌኺ ሓላፍነት ዘሎዎም ዓበይቲ ሰባት መሰላትኪ ከም ትረኽቢ ከረጋግጹ ኣሎዎም። ከምኡ እንተ ዘይጌይሮም፡ ሓገዝን ዕቝባን ክትረኽቢ መሰል ኣሎኪ። እዚ ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ካብ ሓደ ምስ ኣብ ከም ናትኪ ዓይነት ኵነታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝሰርሕ ማሕበር ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ። 

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ክብረት

ኣብ ገለ ስድራቤታት ወይ ኣዝማድ ዝኾነ ክፉእ ስም ከይህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ወይ እቶም ኣዝማድ ሕጊ ክህሉ ይኽእል፣ ንኣብነት ጓል ክሳዕ ትምርዖ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም የብላን። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብዕርክነት ክትህሉ ኣይፍቐደላን፣ ወይ ኣብ ትርፊ ግዚኣ ምስ ኣወዳት ክትሕወስ ኣይፍቐደላን። ንሓደ ሰብ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነጋራት ምቕላዕ ዘይሕጋዊ እዩ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን መሰላት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እውን እዩ።

ዓንቀጽ

ፋርማን ንኣሓቱምቁጽጻርገዲፍዎ

ኣቐድም ኣብሉ ፋርማን ኩሉ ነቲ ኣሓቱ ዝገብርኦ ዝነበራ ነገራት ይቆጻጸር’ዩኔሩ። ብድሕሪኡግን ንሱ ’ውን፤ ሓንቲ ስለ ”ስድራቤታዊ ክብሪ” ተባሂሉ ብስድርኣ መጽቀጥቲ ዚግበረላ ጓል ይፈቱ።እዚ ነገር ’ዚ ድማ፡ ንፋርማን ብኻልእ ኣገባብ ንኽሓስብ ይሕግዞ።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page