ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ናይ ዕቝባ ሕቶይ መልሲ ንምርካብ ንነውሕ ግዜ ተጸቢየ፡ ደጊም ካብዚ ንላዕሊ ክጽበ ሓይሊ የብላይን።

Jag har väntat länge på asylbesked, och snart orkar jag inte mer. - tigrinska

ሕቶ

ኣብ ሽወደን ንኽጸንሕ ዝፍቀደኒ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ ነዊሕ ግዜ ተጸቢየ ኣሎኹ። ብዛዕብኡ መዓልታዊ እየ ዝሓስብ። ብምጽባያ ኣዚየ ደኺመ ኣሎኹ። Jሓዘንን ድካምን ይስምዓኒ ኣሎ። ቀደም ቤት ትምህርቲ፡ሽወደንኛ፡ የዕሩኽ ምርካብ፡ ደስ ይብለኒ ኔይሩ። ሕጂ ግን ካብዚ ንላዕሊ ክጽበ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሓይሊ የብለይን። እንታይ ክገብር እየ?

ምላሽ

ሓዘንን ድኻምን ይስምዓካ ከም ዘሎ ብሓቂ ይርድኣኒ እዩ። እንታይ ከም ዘጋጥም ኣብ ዘይትፈልጠሉ እዋን ተስፋ ምቝራጽ ክስምዓካ ዘይርዱእ ኣይኮነን።

ከምዚ ክስምዓካ ከሎ ምስ ገለ ሰብ ምዝራብ ጽቡቕ እዩ። ነቶም ከበድቲ ሓሳባትካንን ስሚዒታትካን ንሓደ ዝሰምዓካን ዝርድኣካን ሰብ ከተካፍሎ እንተ ኽኢልካ፡ ክፎኽሰካ ይኽእል እዩ። ከበድቲ ስሚዒታት ሒዝካ በይንካ ዘይምዃን ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ኣብ ከምዚ ናትካ ኵነታት ዝርከቡ ካልኦት ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። ንሓደ ካብኣቶም ብዛዕባ ስሚዒታትካን ሓሳባትካን ከተዕልሎ ትኽእል ዲኻ?

ከምኡ’ውን ጽቡቕ ምስ ዘየለዉ መንእሰያት ናይ ምዝርራብ ልምዲ ዘሎወን ክትራኸበን ትኽእል ብዙሓት ቦታታት ኣለዋ። ኣብዚ ሓደ ሓደ ኣብነታት እንሆ፡

  • ክሊኒክ መንእሰያት። ኣብኡ ምስ ሓደ ኣማኻሪት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
  • ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ። ኣብኡ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲት ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣላዪት ሕሙማት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ጽቡቕ ንዘየለዉ ሰባት ዝድግፋን ዝሕግዛን ብዙሓት ማሕበራት ኣሎዋ። ንኣብነት ቀይሕ መስቀልን ሬዳቦርነንን።

ቅድሚ ሕጂ ሕጕስ ዝገብሩኻ ዝነበሩ ነገራት፡ የዕሩኽትካ ምርካብን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምጽዓርን ዝኣመሰሉ ምግባር ፈትን። ኣብ ሽወደን ጽናሕ ኣይትጽናሕ ብዘየገድስ  ቤት ትምህርቲ ንመጻኢኻ ኣገዳሲ እዩ። እንግሊዝኛ ትኽእል እንተ ዄንካን ካብ ቤት ትምህርቲ ዝቐሰምካዮ ፍልጠት እንተ ኣሎካ ኾይኑን ኣብ መጻኢ ግዜ ንክትዕወት ዝያዳ ዕድል ኣሎካ። ዋላ’ውን ሓዘንን ድካምን ይሰምዓካ፡ ነቶም ኣብዚ ክትረኽቦም ትኽእል ዕድላት ተጠቐመሎም።ካብ ሕጂ ንንየው ክነብር ኣይኽእል እየ ኢልካ ትሓስብ ዲኻ? ኣጸቢቕኻ ሕማቕ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ ከምዚ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ብቕልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ። ምስ bup (ሕክምና ኣእምሮ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን) ወይ ምስ ህጹጽ ሕክምና ኣእምሮ ክትራከብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ነፍሰ ቅትለት ዝሓሰቡን ሓገዝ ዘረከቡን ሕጂ ኣጸቢቖም ጽቡቕ ዘሎዉን ሰባት ኣሎዉ። 

ብዙሕ ነገራት ክኢልካ ኢኻ፡ ብዙሕ ሓይሊ ድማ ኣሎካ። ኣብዛ እዋን እዚኣ ሃይሊ ከም ዘይብልካ ኾይኑ ይስምዓካ ኣሎ፡ ግን ኵሉ ግዜ ከምኡ ክስምዓካ እዩ ማለት ኣይኮነን። ከተዛርቦ ትኽእል ሓደ ሰብ ክትረክብ ፈትን። ቁሩብ ሓይሊ ተመሊስካ ንኽትረክብን ክሕግዘካ እዩ። ከምኡ’ውን ቁሩብ ብዝይያዳ ሕጉስ ክገብረካ ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ኣገልግሎት ሕክምና ንሓተቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን

ንስኻ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብሉ ሰብ እንተኾንካ ገለ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page