ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ተገዲደ ከይምርዖ ፍርሓት ኣለኒ- እንታይ ክገብር ይኽእል?

Jag är rädd för att tvingas gifta mig - tigrinska

ሕቶ


ኣብ ቀረባ ግዜ ተገዲደ ከይምርዖ ስግኣት ኣለኒ፣ ድልየተይ ድማ ኣይኮነን። እንታይ ክገብር ይኽእል ?

ምላሽ


ተገዲድኪ ንኸይትምርዓዊ ምፍራሕኪ ዕቱብ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ገለ ሰብ ክትዛረቢ የድልየኪ እዩ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ኣገዲድካ ምምርዓው ገበን እዩ። ካልእ ዝኾነ ሰብ ከገድደኪ ኣይፍቐደሉን እዩ። ወለዲ ይኹኑ የሕዋት፣ ኣዝማድ፣ የዕሩኽ ወይ ካልእ ሰብ።

ኣነ ከም ዝመስለኒ ምስ ኣብ ungdomsmottagning (ክፍሊ መንእሰያት) ዝሰርሕ ሰብ ብዛዕባ ናይ ተገዲድኪ ምምርዓው ዘለኪ ስግኣት ክትዛረቢ ኣሎኪ። ተመሃሪት እንተ ኾንኪ ምስ ነርስ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣማኻሪት (ኩራቱር) ቤት ትምህርቲ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንሳቶም ሓገዝ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም። ምስ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ዝሰርሑን ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉን ውድባት’ውን ኣሎዉ።

ብቐጥታ ሓገዝ እንተ ኣድልዩኪ ካብ socialtjänsten (ማሕበራዊ ኣገልግሎት) ወይ ፖሊስ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቍጽሪ ቴለፎን ናይ ኣብ ኮሙንኪ ዝርከብ socialtjänsten ደሊኺ ርኸቢ። ናይ ፖሊስ ቍጽሪ ቴለፎን 114 14 እዩ። ካብ ካልእ ሃገር ናብ ፖሊስ ሽወደን ክትድውሊ እንተ ደሊኺ እቲ ቍጽሪ ተለፎን +4677 114 14 እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ብዛዕባ ኣካላትካ እትውስን፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ

ኩሎም ደቂ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ኣካላቶም ባዕላቶም ክውስኑ፡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page