ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኻ ወይ ጾታዊ መንነትካ ብስድራ ቤትካ ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ምስ እትኸውን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ
Stöd om du är utsatt för hot eller våld av familjen på grund av din sexuella läggning eller könsidentitet - tigrinskaስድራኻ፡ ግብረ ሰዶም (homosexuell)፡ ድርብ ጾታዊ (bisexuell)፡ ስግረ ጾታዊ (trans) ወይ ኵይር (queer) ስለ ዝኾንካ፡ ክብረቶም ከይጠፍእ ይፈርሑ ድዮም? ከምኡ ብምዃንካ ባህልኻ ወይ ሃይማኖትካ ካብ ስድራኻ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበርካ ከም እትንጸል ክገብር ይኽእል ድዩ? ወይ ኣዝማድካ ኣብ ልዕሌኻ ምእንቲ ምፍርራሕ ከይገብሩ ወይ ሓይሊ ከይጥቀሙ ብምስጢር ዲኻ ትሕዞ? ነብስኻ ንኽትመስል መሰል ኣለካ። ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን እውን ኣሎ።
ዋላ’ኳ ደሓን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ኣይትእመን፡ ግን ደሓን ክኸውን ይኽእል እዩ
እዚ ፊልም ምስ መንእሰያት ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ኣይ ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተመርኮሰ እዩ። ኣብዚ ፊልም ዝርኣዩ ሰባት ግን ተዋሳእቲ እዮም።
እዚ ፊልም ምስ መንእሰያት ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ኣይ ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተመርኮሰ እዩ። ኣብዚ ፊልም ዝርኣዩ ሰባት ግን ተዋሳእቲ እዮም።
ስምካ ከይገለጽካ ክትነግር ትኽእል ኢኻ
ዋላ ከቢድ ኮይኑ እንተ ተሰምዓካ ብዛዕባ ኵነታትካ ንገለ ሰብ ክትነግር ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ኢኻ ድማ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ስምካ ዘይምንጋር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ’ዞም ዝርዝራት ስምካ ከይጠቐስካ ክትራኸቦም እትኽእል ቦታታት ኣሎ። እቶ’ም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ከም ናትካ ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣለዎም። ከምኡ’ውን ምሳኻ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ምስ ዘለዉ ሰባት ትራኸበሉ ቦታታት ክሕብሩኻ ይኽእሉ እዮም።.
- Linnamottagningen ብኣካል፡ ብኢ-መይልን ብተሌፎንን ሓገዝ ይህቡ እዮም። 020 40 70 40 ደውል።
- RFSL ኣገልግሎት ናይ ደገፍ (RFSL Stödmottagning) ብኣካል፡ ብኢ-መይል፡ ብቴሌፎን፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ደገፍ ይህብ። 020 34 13 16 ደውል ።
- RFSL መንእሰያት (RFSL Ungdom) ብኽልቴኡ ማለት፥ እውን ብሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን ብኢ-መይልን ደገፍ ይህብ።
- ሶማያ ደገፍ መውሃቢ ናጻ ናይ ስልኪ መስመር (Somaya Stödmottagning) ብስልክን ብኢ-መይልን ብብዙሓት ቋንቋታት ደገፍ ይህብ። 020 81 82 83 ደወል ።
ናጻ ናይ ስልኪ መስመር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት (UD-jouren)፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን
እንተደኣ ሓደ ሰብ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትከይድ ኣገዲዱካ ኾይኑ፡ እሞ ናብ ቦታኻ ክትምለስ እንተደሊኻ፡ ናብ ናጻ ናይ ስልኪ መስመር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት (UD-jouren) ደውል። እቲ ናጻ ናይ ስልኪ መስመር ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ክፉት እዩ። ቁጽሪ ቴሌፎን፦ +46 (0)8 405 50 05
ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ምስ እትኸውን፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten)
ገለ ነገር ከየጋጥመካ ምስ እትፈርሕ፡ ወይ ካብ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ሓገዝ ወይ መዕቆቢ እንተድኣ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበር። ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ንግዚኡ ክትነብረሉ ትኽእል ሓደ ውሑስ ቦታ ከዳልዉልካ ይኽእሉ እዮም።
ሓበሬታ ርክብ ናይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግልት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትነብረሉ ኮሙን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ንምግባር፡ ንኣብነት ካብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ቦታታት ሓገዝ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገግሎት ሓገዝ ክትሓትት ከለካ መን ምዃንካ ክትነግር ኣለካ። ሓገዝ ከም ዝሓተትካ ስድራኻ እንተ ፈሊጦም ክጎድኡኻ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ምስ ዝህልወካ፡ ስክፍታኻ ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓብሮም ኢኻ። ኣብ ከም’ዚ ኵነት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምስ ወለድኻ ወይ ምስቶም እትነብረሎም ዓበይቲ ሰባት ምርኻቦም ንዓኻ ናብ ሓደ ውሑስ ቦታ ንኽትግዕዝ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኾይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ግድን ምስ’ቶም እትነብረሎም ዓበይቲ ሰባት ክራኸቡ ኣለዎም። ይኹን’ምበር ናይ ግድን ኩሉ ግዜ ብምልኡ ዝተዛረብካዮ ክነግሩ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓደ ሓደ ነገራት ምስጢር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ስድራኻ እንተ ፈሊጦም መጉዳእቲ ንኽወርደካ ሓደጋ ምስ ዝህሉ።
112 ከምኡ’ውን ፖሊስ
ኣብ ሓደጋ እንተ ሃሊኻን ህጹጽ እንተ ኾይኑን ናብ 112 ደውል። ህጹጽ እንተ ዘይኮይኑ ናብ 114 14 ደውል፡ ወይ ካብ ሽወደን ወጻኢ እንተ ኣለኻ ዄንካ ናብ +46 77 114 14 ደውል።