ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣነ

ከም ዝመስለኒ ኣነ ስግረ ጾታዊ ሰብ (transperson) እየ፡ ከመይ ጌይረ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?

Jag tror att jag är transperson, hur kan jag få hjälp? - tigrinska

ሕቶ

ናይ ወዲ ኣካላት ኣሎኒ፡ ግን ብሓቂ ከም ጓል ኾይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ካልእ ስምን ከም ጓል ክመስልን እየ ዝደሊ። እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ምላሽ

ኣካላትካ ምስቲ ንስካ ዝስምዓኻ ጾታ ኣብ ዘይቃደወሉ ግዜ፡ ነቶም ስሚዒታትካ ብዕቱብ ክትሕዞም ኣሎካ። ምስ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ብምግባር እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ንምፍላጥ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ እንተ ዄንካ ምስ ጥዕና ተምሃሮ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ እንተ ዄንካ፡ ስምካ ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ (ስካተቨርከት) ምልክታ ናይ ስም ምልዋጥ ብምልኣኽ ትገብሮ። ዋላ ናይ ወዲ ኣካላት ይሃሉኻ፡ ናብ ናይ ጓል ስም ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ ናትካ ወላዲ (መጕዚ) ናይ ግድን ከፍቅድ ኣሎዎ። ልዕሊ 18 ዓመት እንተ ዄንካ ግን ባዕልኻ ስም ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ። ከመይ ከም ትገብር ኣብዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ብዝያዳ ጓል ንኽትመስል ክትገብሮ ትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት ከም መብዛሕትኣን ካልኦት ኣዋልድ ክትክደን፡ ክትኵሓል ወይ ጸጉርኻ ክትምሸጥ ትኽእል ኢኻ።

ገሊኦም ሰባት ኣካላቶም ምስቲ ዝስምዖም ምእንቲ ብዝበለጸ ክሰማማዕ ክልውጥዎ ይደልዩ። ንኣካላት ዝቕይሩ ዝተፈላለዩ ሕክምና ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ሕክምና ንኽትረክብ መብዛሕትኡ ግዜ ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ክኸውን የድሊ። ከምኡ’ውን ከምዚ ዓይነት ሕክምና ንምግባር መልሲ ንኽትረክብ መርመራ ምግባር የድልየካ እዩ።

ከምዚ ዓይነት መርመራታት ዝገብሩ ፍሉያት ጕጅለታት መርመራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ሽወደን ኣሎዉ። ሓደ ናይ መርመራ ጕጅለ ንምርካብ እቲ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ሓታት ዕቝባ ወይ ወረቐት ኣልቦ (ኣብ ሽወደን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትርከብ) እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንምዝርራብ ንኣብነት ሓደ ስነ-ኣእምሮኛ፡ ሓኪም ወይ ኣላዪት ሕሙማት ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ግን መርመራ ክትገብር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካን ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘሎካን ክትከውን ኣሎካ።

ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ንዝጀሚርካዮ ሕክምና፡ ቀጻሊ ሕክምና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ሆርሞን ክትወስድ ጀሚርካ እንተ ኔርካ እሞ ምቕጻሉ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ጕጅለ መርመራ ረኺብካ ከመይ ጌርካ ሓገዝ ከም ትረክብ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዝርዝር ናይ ጕጅለ መርመራ ኣሎ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ጾታዊ-ዝምባለን፡ ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ን (HBTQI)

ጾታዊ-ዝምባለ ዚበሃል፡ ብዛዕባ ሰባት እንታይ ጾታ ከም ዘሎዎም፤ ንስኻ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን፤ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘካን፡ ዚዛረብ እዩ። ንስኻ ምስ ዝደሌኻዮ ዓይነት ሰብ ክትፋቐር ወይ ተጻሚድካ ክትነብር፤ መሰልካ ሕልዊ እዩ። እዚ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ኣገልግሎት ሕክምና ንሓተቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን

ንስኻ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብሉ ሰብ እንተኾንካ ገለ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page