ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣነ

ስድራ ቤተይ ሰዶመኝነት ወይ ዝኽደኖ ክዳውንቲ ኣይቅበልዎን እዮም፡ ሓግዙኒ!

Min familj accepterar inte homosexualitet eller mina kläder, hjälp! - tigrinska

ሕቶ

ምስ ስድራ ቤተይ ነብሰይ ክመስል ኣይክእልን እየ። ጥብቕ ዝበለ ክዳን ክኽደን ኣይቅበልዎን እዮም። ወዲ ስለ ዝኾንኩ ዝሰማምዓኒ ኣይመስሎምን እዩ። ቁሩብ ብዝያዳ ከም ዝደልዮ ኣብ ዝተኸደንኩሉ እዋን ተቛይቖምንን ኣፈራሪሖምንን።

ብዛዕባ ጾታውነተይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፡ ግን ከም ሓደ ድርብ ጾታዊ ወይ ሰዶመኛ ኾይነ ክፍለጥ ጨሪሸ ኣይምኸኣልኩን። ስድራይ ከምዚ ዓይነት ነገር እንተ ፈሊጦም፡ ገለ ሕማቕ ነገር ከየጋጥም ይፈርሕ እየ።

ወለደይ ብዛዕባ ሃይማኖትናን ባህልናን ንዝምልከት ጽኑዓት እዮም። ኣተሓሳስብኦም ንኽትቅይሮ ዘይከኣል እዩ። ንስድራይ የፍቅሮም እየ። ከጕህዮም ስለ ዘይደሊ ድማ ሕልናይ ብዙሕ ይወቕሰኒ እዩ። ይዅን’ምበር ከምቲ ዝድለይዎ ክኸውን ኣይክእልን እየ ኢለ እፈርሕ።

ሓግዙኒ፡ እንታይ እየ ክገብር?

መልሲ

ብዛዕባ ኵነታትካ ንሓደ ትኣምኖ ዓቢ ሰብ ብምንጋር ክትጅምር ኣሎካ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። እዚ ንኣብነት ምስ ሓደ መምህር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘላ ሓንቲ ኣማኻሪት (ኩራቶር)፡ ምስ ሓደ ኣብ መቐበል-መንእሰያት (ungdomsmottagning) ዝሰርሕ ሓደ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝቐለልካ እንተ ኾይኑ ምስ ሓደ ዓርክኻ ብምዝራብ ጀምሮ። ሽዑ ምናልባት ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ንኽትዘራረብ ንኽትደፍር ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን።

ምስ RFSL stödmottagning እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብምኽንያት ጾታዊ ዝምባሌኦም ወይ ጾታዊ መንነቶም ንምፍርራሕ ንዝቃልዑ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ልምዲ ኣለዎም። ክትድውለሎም ወይ ኢ-መይል ክትሰደሎም ከለኻ ስምካ ከይነገርካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ሕልናኻ ከም ዝነቕፈካን ንስድራኻ ከተጕህዮም ከም ዘይትደልን ጽሒፍካ። ንኸምዚ ዓይነት ስሚዒታት በይንኻ ክትሕዞ ጽቡቕ ኣይኮነን። ምናልባት ኣባይ ገለ ሽግር ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ጀሚርካ ትህሉ። ግን ኣባኻ ይኹን ኣብ ኣከዳድናኻ ዝኾነ ሽግር የለን።

ስድራ ቤትካ ድርብ ጾታዊ ወይ ሰዶመኛ ምዃንካ እንተ ፈሊጦም ገለ ሕማቕ ነገር ከጋጥም እዩ ኢልካ ከም ትፈርሕ እውን ጽሒፍካ። ብልክዕ እቲ ዘፍርሓካ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጥኩዎን። ምናልባት እንተ ኣድልዩካ ሓገዝ ካበይ ክትረክብ ከም ትኽእል ክትፈልጦ ኣገዳሲ እዩ፦

  • ኣብ ልዕለይ ገለ ከጋጥም እዩ ኢልካ እንተ ፈሪሕካ ወይ ካብ ምፍርራሕን ጎነጽን መዕቆቢ እንተ ኣድልዩካ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበር።
  • ኣብ ሓደጋ እንተ ኣሎኻ ዄንካ ወይ ህጹጹ እንተ ኾይኑ ናብ 112 ደውል።

ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ብሕማቕ ከይትሓዙ፡ ንምፍርራሕን ጎነጽን ከይቃልዑ ወይ ካብ ስድራ ቤቶም ከይግለሉ ይፈርሑ እዮም። ገሊኦም ብሓደ ኣባል ስድርኦም ወይ ኣዝማዶም ከይቅተሉ እውን ይፈርሑ እዮም።

ገሊኦም መንእሰያት ተገዲዶም ከየምርዓዉ ይፈርሑ እዮም። ገሊኦም መንእሰያት ድማ ምስ’ቲ ልዩ-ጾታዊ (heterosexuella) ክገብሮም ዝፍትን ሓኪም፡ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ወይ መራሕቲ ሃይማኖት ንኽራኸቡ ከይግደዱ ይፈርሑ እዮም።

ኵሉ ሰብ ናቱ ጾታዊ ዝንባሌን ጾታዊ መንነትን ክህልዎ፡ ከምኡ’ውን ከም ድላዩ ክኽደንን መሰል ኣሎዎ። ዝኾነ ሰብ ምፍርራሕ ከጋጥሞ ወይ ንጎነጽ ክቃላዕ ኣየድልዮን እዩ። ጽቡቕ ንክትህሉ መሰል ኣሎካ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ እውን ኣሎ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

Familj

ተገዲደ ከይምርዖ ፍርሓት ኣለኒ- እንታይ ክገብር ይኽእል?

ተገዲድኪ ንኸይትምርዓዊ ምፍራሕኪ ዕቱብ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ገለ ሰብ ክትዛረቢ የድልየኪ እዩ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ኣገዲድካ ምምርዓው ገበን እዩ። ካልእ ዝኾነ ሰብ ከገድደኪ ኣይፍቐደሉን እዩ። ወለዲ ይኹኑ የሕዋት፣ ኣዝማድ፣ የዕሩኽ ወይ ካልእ ሰብ።

To the top of the page