ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ኣደንዛዚ ዕጸ (ድሮጋ)

ምቍራጽ ምትካኽ ሽጋራ

Sluta röka - tigrinska

ኣብዚ፡ ምትካኽ ሽጋራ ንምቍራጽ ንኽትዕወት ብዙሓት ምኽርታት ትረክብ። ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ብርቱዕ ህርፋን ናይ ሽጋራ ምትካኽ ክስምዓካ ይክእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ህርፋን ናይ ሽጋራ ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። ነዚ ምፍላጡ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

En person gör segertecken med fingrarna, och säger "Kolla, inga cigg här!" Illustration.

ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጾ ወሲንካ ዲኻ? ጽቡቕ! እቲ ኣገዳሲ ባዕልኻ ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ምድላይካ እዩ።

ንነብኻ ክትቀራርባ ጽቡቕ እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ከለኻ ኣብ ኣካላትካ ክስምዓካ ይኽእል እዩ፡ ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘለኻ እውን ክጸልዎ ይኽእክ እዩ። ምናልባት ቁሩብ ኣመላትካ ምቕያር እውን ከድልየካ ይኸውን።

ሽጋራ ምትካኽ ንኸተቋርጽ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

1. ሓደ ዕለት መድብ

ሓደ ሽጋራ ምትካኽ ተቋርጸሉ ዕለት ምረጽ፡ ንኣብነት ድሕሪ ክልተ ሰሙን። ሽዑ ንኽትቀራረብ ግዜ ትረክብ።

2. ከተትክኽ ከልኻ መዘኻኽሪ ጽሓፍ

ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሽጋራ ተትክከሉ ግዜ፡ መልሲ ናይ'ዞ ዝስዕቡ ሕቶታት ጽሓፍ፦

  • ስዓት ክንደይ ኣሎ?
  • እንታይ ይገብር ኣለኹ?
  • እዛ ሽጋራ ምትካኻ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ኾይኑ ይስምዓካ?
  • ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ከመይ ይስምዓካ? ንኣብነት ሕጉስ፡ ሕዙን ወይ ጭኑቕ ዲኻ?

እዚ ሓደ ኣገባብ ንነብስኻ መቀራረቢ እዩ። ምትካኽ ሽጋራ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ከም ትግንዘብ ትኸውን።

3. ኣብ መጀመርያ ንሓደ ሓደ ኵነታትን ቦታታትን ኣወግድ

ኣየኖት ኵነታትን ኣየኖት ቦታታትን እዮም ንዓኻ ምስ ሽጋራ ዝተተሓሓዙ? ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ፡ ሽጋራ ዘይምትካኽ ከቢድ ኮይኑ ክስምዓካ ዝኽእሉ ኵነታትን ቦታታትን እዮም። ኣብ መጀመርታ ነዚኣቶም ኣወግዶም።4. ሽጋራ ምትካኽ ክትውለፍ ከለኻ እንታይ ከም ትገብር ወስን

4. ሽጋራ ምትካኽ ክትውለፍ ከለኻ እንታይ ከም ትገብር ወስን

ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካዮ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል ይኸውን። እንተ ተቐሪብካሉ ዝቐለለ ኾይኑ እንዳ ተሰምዓካ ክኸይድ እዩ።

ሽጋራ ምትካኽ ክትውለፍ ከለኻ እንታይ ከም ትገብር ወስን. ሓደ ሓደ ሓሳባት

  • ፍሩታ ብላዕ።
  • ማስቲካ ሓይኽ።
  • ሓንቲ ብርጭቆ ማይ ስተ።
  • ኣስናንካ መውጽ።
  • ኣብ ሞባይልካ ገለ ነገር ግበር።
  • ሽጋራ ኣብ ዘይትገዝኣሉ እዋን ክንደይ ገንዘብ ከም ትቝጥብ ሕሰብ

 5. ነቶም ሽጋራታት ደርብዮም

እንተ ደንጎየ ኣብታ ሽጋራ ምትካኽ ክተቋርጸላ ዝመደብካ ዕለት ኩሎም ሽጋራታትን መወልዒን ደርብዮም።

6. ብግቡእ ብላዕን ስተን

እንተ ዘይጠሚኻ ዝወሓደ ንሽጋራ ምትካኽ ትሃርፍ። ካብ ድቃስ ምስ ተሳእካ ገለ ነገር ብላዕ። ሽጋራ ምትካኽ ደስ ክብለካ ኸሎ ወይ ክትጸምእ ከለካ ማይ ስተ። ካብ ከም ልስሉስ መስተ ዝኣመሰለ ሽኮራዊ መስተ ይሓይሽ።

7. እቲ ናይ ሽጋራ ህርፋን ንኽስምዓካ ድፍር

ናይ ሽጋራ ምትካኽ ህርፋን ክስምዓካ ኸሎ፡ ከመይ ከም ዝስምዓካ ዳህስሶ ። ኣበይ ኣብ ኣካላት እዩ ዝስምዓካ? እንታይ ትሓስብ? እቲ ስሚዒት ንኽንደይ ግዜ ይጸንሕ? ንኽትዛነ ፈትን።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ህርፋን ናይ ሽጋራ ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። ነዚ ምፍላጡ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

8. ካብ ካልኦት ሰባት ሓገዝ ርኸብ

ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ከለኻ ካብ ካልኦት ሰባት ሓገዝ ምርካብ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ትፈልጦ ሰብ ንገር። እቲ ሰብ ከተባብዓካ ሕተቶ። ብገለ ፍሉይ ነገር ሓገዝ ትደሊ እንተ ዄንካ ንኣብነት ምስ የዕርኽቱኻ ክትራኸቡ ከለኹም ንሳቶም ሽጋራ ንኸየትክኹ ንግሮም።

ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ዝደሊ እውን ገለ ዓርኪ ኣለካ ዲዩ? እምበኣርከስ ነንሕድሕድኩም ክትተሓጋገዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ሽጋራ ምትካኽ ንኸተቋርጽ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ ነርስ፡ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት፡ ungdomsmottagning ወይ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና፡vårdcentral፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናብ መስመር ሽጋራ ምትካኽ ኣቋርጽ (Sluta-röka-linjen) ተለፎን ቍጽሪ 020-840000 ክትድውል ትኽእል ኢካ።

9. ኵሩዕ ኩንን ንነብስኻ ሸልማን

ኣብ ነፍስ ወከፍ ግዜ ነቲ ህርፋን ምትካኽ ሽጋራ ከየትከኽኻ ክትሓልፎ ከለኻ ክትኮርዕ ኣለካ።

ሽጋራ ምትካኽ ስለ ዘቋረጽካ ንነብስኻ ሸልማ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ሓንቲ ሰሙን፡ ክልተ ሰሙን ወይ ፍርቂ ዓመት ከተሕልፍ ከለኻ ንነብስኻ ህያብ ሃባ ወይ ገለ ዘሑጉስ ነገር ግበር። ነቲ ሽጋራ ኣብ ዘይትገዝኣሉ ዝነበርካ ግዜ ዝዋህለልካዮ ገንዘብ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኵሉ ዘጋጠም ጽቡቕ ነገራት ሕሰብ። ገለ ፍሉይ ነገር ዶ ተዓዚብካ? ነቲ ዝዘከርካዮ ጽሓፎ ወይ ንገለ ሰብ ንገሮ።

ኣብ መጀመርታ ከም ዝሓረቕካ ወይ ዝሓዘንካ ኾይኑ ክስምዓካ ይክእል እዩ

ሓደ ሓደ ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጹ ከለዉ ከም ዝሓርቑ፡ ዘይቀሰኑ ወይ ዝሓዘኑ ኾይኑ ይስምዖም። እቲ ሓንጎል ነቲ ኣብ ሽጋራ ዘሎ ባእታ ኒኮቲን ምርካብ ለሚድዎ እዩ፡ መሊሱ ክርኽቦ ድማ ይደሊ። 

እዚ ስሚዒት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን መጀመርታ መዓልታት ይስምዓካ። ድሕሪኡ እንዳ ሓሸ ይኸይድ።

ነቲ ህርፋን ሽጋራ ዘውሕደልካ መድሃኒት ኣሎ

ነቲ ህርፋን ሽጋራ ከም ዝሓይሽ ዝገብሮ መድሃኒት ኣሎ። ንኣብነት ኒኮቲን ዘለዎ ማስቲካ ወይ ቺሮቶ ኣሎ። ልዕሊ 18 ዓመት እንተ ኴንካ ካብ ናይ ምግቢ ዱኳናት ወይ ቤት መድሃኒት ክትገዝኦም ትኽእል ኢኻ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኴንካ ነቲ ኒኮቲን ዘለዎ መድሃኒት ንምርካብ ሓደ ሓኪም ምርካብ የድልየካ

ኒኮቲን ዘይብሉ መድሃኒት እውን ኣሎ። ነዞም መድሃኒታት ንምርካብ ሓደ ሓኪም ምርካብ የድልየካ።

እንተ ዘይሰሪሑ ደጊምካ ፈትን

ድሕሪ ሽጋራ ምትካኽ ምቍራጽካ ኣብ ገለ እዋን ተመሊስካ ከተትክኽ ምስሓት ዳርጋ ልሙድ እዩ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ፈሺልካ ወይ ከተቋርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኮነን።

ተመሊስካ ክተቋርጾ ፈትን። ሕጂ ተለማሚዲካሉ ኢኻ። ኣየናይ ቀሊል ከም ዝነበረን ኣየናይ ከቢድ ከም ዝነበረን ትፍልጥ ኢኻ። ኣብቲ ከቢድ ዝነበረ ብዝያዳ ተጠንቂቕካ ተቐረብ።

እቲ ዝበለጸ ጨሪሽካ ምትካኽ ምቍራጽ እዩ። ኔርካ ኔርካ ሽጋራ ምትካኽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሰርሕን እዩ። 

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

To the top of the page