ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ዝበዝሕ ግዜ ፖርኖግራፊያ ይርኢ

Jag brukar titta på porr - tigrinska

ሕቶ

ዝበዝሕ ግዜ ፖርኖግራፊያ ይርኢ። ምርኣይ ይፍቐድ ድዩ? ሓደ ሓደ ግዜ ጽቡቕ ኣይስምዓንን።

ምላሽ

ልዕሊ ዕድመ ዝዋስእዎ ፖርኖግራፊያ ምርኣይ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን። ግን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዋስእዎ ፕሮኖግራፊያ ምርኣይ፣ ምውናን ወይ ምዝርጋሕ ኩልኩል እዩ።

ፖርኖግራፍያ ዝበዝሕ ግዜ ንኣካላትን ጾታዊ ርክብን ብካብ ጋህዲ ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ የርኢ። ፖርኖግራፊያ ዝበዝሕ ግዜ ውርደትን ጎነጽን ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ከርኢ ልሙድ እዩ። ንዝኾነ ሰብ ናብ ዓመጽ ምቕላዕ ወይ ጾታዊ ርክብ ንክፍጽም ምግዳድ ዘይሕጋዊ እዩ።

ፖርኖግራፍያ ምርኣይ ኣብ ሓደ ግዜ መሳጥን ግጉይን ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል። ብዙሕ ፖርኖግራፊያ እንተሪእኻ ጾታዊ ርክብ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፣ ወይ ካልኦት ሰባት እንታይ ይፈትዉ ዝብል ኣረኣእያኻ ክጸልወካ ይኽእል እዩ። ከመይ ከም ዝስምዓካ ውን ክጸልወካ ይኽእል። ዝበዝሑ ሰባት ፖርኖግራፊያ ካብ ምርኣይ ሕማቕ ይስምዖም።

ብዛዕባ እዚ ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዘራረብ ወይ ምርኣይ ፖርኖግራፊያ ንምቑራጽ ሓገዝ ትደሊ ዲኻ? ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ተራኸብ ወይ ናብ ናይ ሓገዝ ቴሌፎን PrevenTell ብ ቑጽሪ 020-667788 ደውል።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ጾታዊ ዓመጽ

ምስ ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ እንተ ተቓሊዕኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page