ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ስድራ

ናይ ግድን ናብ ሓኪም ምስ ኣደይ ክኸይድ ኣለኒ፡ ትምህርቲ ግን ክሓልፈኒ ኣይደልን እየ

Jag måste följa med mamma till läkaren men vill inte missa skolan - tigrinska

ሕቶ

ምስ ኣደይ ናብ ሓኪም ክኸይድ ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓደ ኣገዳሲ መርመራ ሓሊፉኒ። ኣደይ ጥዕንኣ ሕማቕ ኢያ ዘላ፡ ብዘይ ብኣይ ድማ ምስቲ ሓኪም ብሽወደንኛ ክትዛረብ ኣይትኽእልን እያ። ዝያዳ ትምህርቲ ክሓልፈኒ ኣይደልን እየ። ግን ከመይ ገይረ ንኣደይ ክሕግዛ እየ?

 መልሲ 

ንኣዴኺ ክትሕግዝያ ከም ትደልይን ዝያዳ ትምህርቲ ክሓልፈኪ ከም ዘይትደልይን ይርድኣኒ እዩ። 

ኣዴኺ ኣብ ክንክን ጥዕናን፡ ምእንቲ ነቲ ሓበሬታ ክትርድኦን ንዓኣ ክርድእዋን፡ እንተ ኣድልዩ መሰል ናይ ኣስተርጓሚ ኣለዋ። ኣብ ክንዳኺ ሓደ ኣስተርጓሚ ምስቲ ሓኪም ክህሉ ይኽእል እዩ። 

ሓደ ኣስተርጓሚ፡ ናይ ኣዴኺ ቋንቋ ኣደ ዝርድኦን ዝዛረብን ሰብ እዩ። እቲ ኣስተርጓሚ ኵሉ እቲ ኣዴኺ ነቲ ሓኪም ትዛረቦን ኵሉ እቲ ሓኪም ንኣዴኺ ዝዛረባን ከስተርጕሞ እዩ። 

ኣዴኺ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ናብ ሓኪም ኣብ ትኸደሉ እዋን ሓደ ኣስተርጓሚ ክግበረላ ክትሓትት ክትሕግዝያ ትኽእሊ ኢኺ። ምስ ነቲ ኣዴኺ ትኸደሉ ክሊኒክ ርክብ ግበሪ። ቆጸራ ክግበረላ ከሎ ክትገብርዮ ጽቡቕ እዩ። ኣዴኺ ሓደ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልያን ኣየናይ ቋንቋ ከም ትዛረብን ሓብርዮም። ሽዑ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ጥዕና ሓደ ኣስተርጓሚ ከዳልዉ እዮም። 

እንተ ደሊኺ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈኪ መርመራ ምስ መምህርኪ ተዘራረቢ። እቲ መርመራ ስለ ምንታይ ከም ዝሓለፈኪ ንገሪ። ስለ ምንታይ ከም ዝሓልፈኪ ሓደ ፍሉይ ምኽንያት እንተ'ሎ ኾይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዳሕራይ እዋን ሓደ መርመራ ክትገብሪ ክፍቀደኪ ይኽእል እዩ። 

ብዛዕባ ኣዴኺ ጥዕንኣ ከመይ ከም ዘላ ክትዛረቢ እንተ ደሊኺ፡ ናብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘሎ ኣማኻሪ (ስነ-ኣእምሮኣዊ ከመይ ከም ዘለካ ከተዘራርቦ ትኽእል ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሰራሕተኛ) ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ኣዴኺ ሕማቕ ክትህሉ ኸላ፡ ንዓኺ ስነ ኣእምሮኣዊ ከመይ ከም ዘለኺ ክትነግሪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ኣማኻሪ ኣብ ከም ናትኪ ኵነታት ዝርከቡ መንእሰያት ሓገዝ ኣብ ምሃብ ልምዲ ኣለዎ። 

ብዛዕባ ሓደ ኣስትርጓሚ ክሕግዞ ዝክእል ኣብዚ ብተወሳኺ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page