ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ኣደንዛዚ ዕጸ (ድሮጋ)

ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ መስተ ምስታይ

Dricka för mycket eller för ofta - tigrinska

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ጸገማት ኣልኮላዊ መስተ እዩ። ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ ትሰቲ እንተኾንካ፣ ኣልኮል ንሂወትካ ኣዝዩ ይጸሉ እንተሃልዩ። ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንምቑራጽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

En person har somnat med flera tomma glas framför sig. Illustration.

ገለ ሰባት ብዘይዝኾነ ሳዕቤን ወይ ጉድኣት ስሕት ኢሎም መስተ ክሰትዩ ይኽእሉ። ገለ ሰባት ከኣ ምቁራጽ ክሳብ ዝስእኑ ብዙሕ ይሰትዩ። ንነብስኻ ምስ ካልእ ሰብ ከተወዳድራ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ስዒቦም ዘለው ናይ ኣልኮል ጸገም ከም ዘለካ ዝሕብሩ ምልክታት እዮም፣

  • ካብቲ ናይ ቕድሚ ሕጂ ዝያዳ ኣልኮል ትጻወር።
  • ዝበዝሕ ግዜ ካብ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ ትሰቲ።
  • ምስ ሰኸርካ፣ ዳሕራይ ትጠዓሰሉ ነገራት ትገብር።
  • ሰቲኻ ከለኻ ዝበልካዮ ወይ ዝገበርካዮ ነገራት ትርስዕ።
  • ንጽብሒት ዝሰኸርኻሉ እንደገና መስተ ክትሰቲ ትደሊ።
  • ዋላ እኳ እንተ ፈተንካ፣ መስተ ምስታይ ከተቋርጽ ኣይትኽእልን።
  • ብዛዕባ ኣልኮል ብዙሕ ትሓስብ፣ ንኽትሰቲ ከኣ ምኽንያታት ትረክብ።
  • ኣብ ትምህርትኻ ወይ ስራሕካ ትሓምቕ።
  • ሰባት ብዛዕባኻ ከም ተሻቀሉን ብዙሕ ትሰቲ ከም ዘለኻን ይነግሩኻ፣ ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ስድራቤትካ ጸገም ትፈጥር።
  • ትሓዝን ፣ትቁጣዕ፣ ጭንቐት ትገብርን ድቃስ ትስእንን።
  • ሂወትካ ብሰንኪ መስተ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ትኣትው። ንኣብነት ትሰርቅ፣ ነብስኻ ወይ ንካልኦት ሰባት ትጎድእ፣ ወይ፡ ዋላ’ውን ኣይትድለ ጾታዊ ርክብ ትፍጽም።

ብዛዕባ ኣልኮልን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ጸገማትን ዝያዳ ብሽወደነኛ ኣብ UMO.se ከተንብብ ትኽእል።

En nyvaken person i sängen, en tankebubbla: "Uh, jag kan inte gå upp, jag får säga att jag är sjuk." Illustration.

ውሉፍ ናይ ኣልኮል ክትኸውን ትኽእል ኢኻ

ውሉፍ ናይ ኣልኮል ማለት ኣካላትካ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣልኮል ምዃን ለሚዱ ከም እንደገና ኣልኮል ክሰቲ ከድልዮ ከሎ እዩ።

ሽዑ ኣልኮል ብዘይ ምርካብካ ብጣዕሚ ሕማቕ ስምዒት ይስመዓካ። ክትርህጽ ትጅምር፣ ሕማም ክስምዓካ፣ ድቃስ ክኣብየካ፣ ትርግታ ልብኻ ክውስኽ ወይ ሃተፍተፍ ክትብል ትኽእል። ክትሻቀል ወይ ክትጭንቕ እውን ትኽእል።

ስለምንታይ እዩ ሓደ ሰብ ናይ ኣልኮል ጸገም ዝገብር?

ገለ ሰባት ገለ ሕማቕ ነገር ከጋጥሞም ከሎ ብዙሕ ኣልኮል ምስታይ ይጅምሩ። ኣልኮል ከም ዝሕግዝ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። እቶም ሕማቕ ስምዒታት ግን ኩሉ ግዜ ተመሊሶም ይመጹ እዮም። ጽቡቕ ንኽስምዓካ ካልኦት ዝሓሹ መንገድታት ኣለዉ።

ብብዝሒ ናብ ድግሳት ብምኻድ`ውን መስተ ክትጅምር ትኽእል። ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ መስተ ትሰቲ እንተኾንካ እቲ ሓደጋ ዝዓበየ እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ መስተ ክትሰቲ እንተጸኒሕካ፣ ካብ መስተ ንገለ ሳምንታት ወይ ኣዋርሕ ክትቁጠብ ፈትን።

ጸገም ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ካልኦት ነገራት`ውን ክምርኮስ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብቁልዕነትካ ከለኻ ካልኦት ሰባት ብዙሕ መስተ ይሰትዩ ነይሮም፣ ወይ ከኣ ኣብ ሂወትካ ብዘጋጠመካ ካልእ ነገር። ካብ ኣዝማድካ ናይ ኣልኮል ጸገም እንተ ኣለዎም ወይ እንተ ኔይርዎም ኾይኑ፡ ጸገም ኣልኮል ክህልወካ እቲ ተኽእሎ ዝዓበየ እዩ።

ካብ ጸገም ኣልኮል ክትገላገል ትኽእል ኢኻ

ኣልኮል ኣብ ሂወትካ ጸገም ድዩ? ነዚ ብኸመይ ከም ትቕይሮ ዝሕብሩ ገለ ምኽርታት፣

  • ባዕልኻ ሕሰብ: ሂወተይ ከመይ ክትከውን እየ ዝደሊ? ከመይ እየ ክስምዓኒ ዝደሊ?
  • ንገለ ሰባት ናይ ኣልኮል ጸገም ከም ዘለካ ንገር። ንኣብነት ንዓርክኻ ወይ ከኣ ንትኣምኖ ልዕሊ ዕድመ ሰብ።
  • ሓገዝ ሕተት። ምስ ክሊኒክ መንእሰያት፣ ማእከል ክንክን ጥዕና፣ ወይ ከኣ ንናይ ኣልኮልን ዕጸ ፋርስን ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ ክሊኒክ ብምርካብ ጀምር። ኣብ 1177 መምርሒ ክንክን ብኢንተርነት ብምእታው ክትረኽቦም ትኽእል። ተመሃራይ እንተ ዄንካ ከኣ ንኢለቭሀልሳ (ኣብ ቤትትምህርቲ ዝርከብ ናይ ክንክን ጥዕና ኪኢላ) ወይ ንስቱደንትሀልሳ (ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርስቲ ዝርከብ ናይ ክንክን ጥዕና ኪኢላ) ክትወከስ ትኽእል።
  • ከምኡ’ውን ንኣብ ትነብረሉ ከተማ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትውከስ ትኽእል። ምስ ናይ ኣልኮል ወይ ድራግ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ ሰብ ክትራኸብ ከም ዝደለኻ ሓብር።
  • ብቴለፎን ወይ ኢንተርነት ምስ ናይ ኣልኮል ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝሰርሓ ውድባት ተራኸብ። 

እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክረክብ ይኽእል?

ምስ ንመንእሰያት መስተ ንኸቋርጹ ዝሕግዝ ሰብ ተራኺብካ ክትዛረብ ትኽእል። ብዙሕ ጊዜ ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኩነታትካ ከመይ ጌርካ ከም ትቕይሮ ትዘራረቡ። ከመይ ይስመዓካ ከም ዘሎን፣ ሂወትካ ኣብዚ ግዜ እዚ ከመይ ከም ዘላን`ውን ትዘራረቡ።

ምስ ሰድራቤትካን ካልኦት ኣገደስቲ ሰባትን ንክትዘራረብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ናይ ኣልኮል ጸገም እንተለካ፣ ምስ ስድራቤትካ ወይ ኣብ ትቕመጠሉ ቦታ ጸገም ክኸውን ልሙድ እዩ።

ካልእ ሓገዝ`ውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣድላዩ እንተኾይኑ ናብ ሓኪም ወይ ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ ንምኽድ።

ዝበዝሕ ግዜ ካልእ ዝፈልጠካ ሰብ ምሳኻ ክኸውን ከሎ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት ዝኾነ ካብ ስድራቤትካ ወይ ሕጋዊ ኣላዩኻ።

ናብ ቢሃንድሊንስግሀም ክትኣቱ ትኽእል

ዓቢ ጸገም እንተ’ለካ ወይ ኣብ ልሙድ ገዛኻ ክትነብር እንተዘይኪኢልካ ናብ ብሃንድሊንግስሄም (ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ሓገዝን ክንክንን ትረኽበሉ ቦታ) ክትኣቱ ዕድል ትረክብ። እዚ መስተ ኣልኮል ንምቑራጽ ሓገዝ ኣብ ትረኽበሉ እዋን እትቕመጦ ቦታ እዩ። 

እዚ ጽሑፍ እዚ ከም ንኣወዳት ብዝምልከት መልክዕ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ግን ንዅሎም መንእሰያት`ውን ይምልከት እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

To the top of the page