ምትካኽ ሽጋራ ከተቋርጽ ከለኻ ኣብ ኣካላት እንታይ የጋጥም?
Bildspel: Vad händer i kroppen när du slutar röka? - tigrinskaኣብዚ ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ከለኻ ኣብ ኣካላት እንታይ ከም ዘጋጥም ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ ኣሎ። ኣስተውዕል! ትሕዝቶ ናይ ጥርሑ ኣካላት ኣለዎ።

ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ኣብ ኣካላት ብቕጽበት ጽቡቕ ነገራት ከጋጥም ይጅምር። ካብ'ቶም ዝበዝሑ ብሰንኪ ምትካኽ ዝስዕቡ መጕዳእትን ሕማማትን ክትገላገል ትኽእል።

ብዝያዳ ንቑሕ ዄንካ ይስምዓ
ሓደ ሓደ ሰባት ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ከምዚ ይስምዖም። ንገሊኦም ቁሩብ ዝያዳ ግዜ ይወስድ።
ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሙን እቲ ናይ ጭንቀት ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ምህላው ክስምዓካ ዘሎ ተኽእሎ እንዳ ቀነሰ ይኸይድ። ዋላ ኣብ መጀመርታ ከምኡ ኾይኑ ኣይሰምዓካ፡ ብዝያዳ ህዱእ ትኸውን። ጽቡቕ እውን ክትድቅስ ትጅምር።

ቈርበት
ቈርበትካ ዝጠዓየ ሕብሪ ይረክብ። ምኽንያት ናይ'ዚ ድማ ቈርበትካ ካብቲ ሽጋራ ተትክኸሉ ዝነበርካ ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ኣክሲጅንን ደምን ስለ ዝረክብ እዩ።
ፈጸጋ ኣለካ ዲዩ? ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እቲ ፈጸጋ ከም ዝውሕድ ዘሎ ከተስተብህል ኢኻ።
ቈርበትካ ከም ናይ ሕጂ ብቕልጡፍ ኣይኣርግን ናይ ገጽካ ዕጥርጣር ልክዕ ከምቲ ሽጋራ ምትካኽ ቀጺልካዩ እንተ ትነብር ቀልጢፉ ኣይወጽእን።

ኣስናን
ዝሓሸ እስትንፋስ ይህልወካ። ኣስናንካ ክጽዕድዉ ይጅምሩ። ግርጻንካ ዝጠዓየ ይኸውን ኣስናንካ ምሽራፍ ዘሎ ተኽእሎ ይንክን።

ክሳድ
ብውሽጢ ሸነኽ ናይ ክሳድ ኣብቲ ኣየር ናብ ሳንቡእ ዝኣትወሉ ናእሽቱ ጸጕሪ ይበቁል። እቶም ናእሽቱ ጸጕሪ ንሳንቡእ ካብ ርስሓትን ደሮናን ይከላኸልሉ። እዚኦም ናእሽቱ ጸጕሪ ብምትካኽ ይዓንዉ፡ ግን ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ተመሊሶም ይዓብዩ እዮም።

ዝወሓደ ትስዕል።
ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ምስዓል ተዘውትር ዲኻ? ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ እቲ ምስዓል ከም ዝውሕድ ዘሎ ከተስተብህል ኢኻ። ሕማም ኣዝማ ንዘለካ፡ ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ብዝያዳ ጽቡቕ እዩ።

ጣዕምን ሽታን
ጣዕምን ሽታን ብዝበለጸ ክስምዓካ ይጅምር።

ሳንቡኣት ብዝበለጸ ክሰርሑ ይጅምሩ
ሳንቡኣት ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ኣብኡ ንዝተኣከበ ርስሓት ከጽርዩ ይጅምሩ። ኣብ መጀመርታ ምናልባት ቁሩብ ዝያዳ ክትስዕል ትኸውን።
ከተተንፍስ ከም ዝቐለለን ብቕዓት ኣካላትካ ከም ዝተመሓየሸን ከተስተብህል ትኽእል ትኸውን።
ሳንቡኣት ካብ ሕማማት ከም ጕንፋዕን ከበድቲ ሕማማት ኣብ ሳንቡእ ክከልኸሉልካ ዝሓሹ ይኾኑ።

ልቢ
ልብኻ ክትዝሕል ትጅምር። እንደገና ንቡር ትርግታ ልቢ ይህልወካ። ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ እቲ ኣብ ሽጋራ ዘሎ ኒኮቲን ንልቢ ቀልጢፋ ከም ትሃርምን ጸቕጢ ደም ከም ዝልዕልን ገይርዎ ነይሩ።
ኣብ ልብኻ ጸገም ንኽህልወካ ዘሎ ሓደጋ ይቕንስ።

ሱር ደም
ዝሓሸ ዑደት ደም ይህልወካ። ብዝይዳ ደም ኣብ ዙርያ ኣካላት ክበጽሕ ይኽእል ማለት እዩ።
ሽጋራ ምትካኽ ንሱር ደም ይጐድኦ እዩ። እቶም መጕዳእቲ ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ክሓውዩ ይጅምሩ።
እልገት ደም ከጥቅዓካ ዘሎ ሓደጋ ይቕንስ።

ከብዲ
ምትካኽ ሽጋራ ናይ ኸስዐ ቁስልን ካልኦት ናይ ኸስዐ ጸገማትን ንኽህልወካ ነቲ ሓደጋ የዛይዶ። ሕጂ እቲ ሓደጋ ይንኪ።

ሕቈ
ኣብ ሕቈኻ ቃንዛ ክገብረልካ ናይ ዘሎ ተኽእሎ ትቕንስ። ምኽንያት ናይዚ ተወሳኺ ደም ኣብ ዙርያ ኣካላት ክበጽሕ ስለ ዝኽእል እዩ።

ዝጠንከረ መሸከል የዕጽምቲ ይህልወካ
ኣብ ኣካላትካ ገለ ዓጽሚ እንተ ሰቢርካ፡ ካብ'ቲ ከተትክክ ከለኻ ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ ይሓዊ።

መትሎ
ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ኣብ መትሎ ብቐሊሉ ውትረት ይህልወካ። እዚ ብምኽንያት ደም ናብ መትሎ ክኣቱ ስለ ዝቐሎ እዩ።
ኣብ ኣስኪት ዘለዉ ፍረነፍሲ ዝሓሸ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከፍርዩ ይጅምሩ። ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብቐሊሉ ከተጥንሳ ትኽእል።

ንኽትጠንሲ ዝቐለለ
ብቐሊሉ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኣብቶም ሽጋራታት ዘለዉ ነገራት ንማህደር-እንቋቑሖ ብኣሉታ ይጸልውዎ።

ነፍሰ ጾር ዲኺ?
ምብርዓን ጥንሲ ከጓንፈኪ ናይ ዘሎ ተኽእሎ ይቕንስ። እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቈልዓ ንኽጕዳእ ዘሎ ተኽእሎ እውን ይቕንስ። ሽጋራ ተትክኺ እንተ ኾንኪ እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቈልዓ መርዛማት ባእታታት ካብ'ቶም ሽጋራታት ናብ ነብሱ ይኣትዉ።

ሳንቡኣት
ሳንቡኣት ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ኣብኡ ንዝተኣከበ ርስሓት ከጽርዩ ይጅምሩ። ኣብ መጀመርታ ምናልባት ቁሩብ ዝያዳ ክትስዕል ትኸውን።

ኣእጋር
ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ብዙሕ ግዜ ዝሑላት ኣጻብዕ እግሪ ኣለዉኻ ድዮም? ሽዑ ኣጻብዕ ኣእጋርካ ከም ዝሞቑ ከተስተብህል ኢኻ። ምኽንያት ናይዚ ተወሳኺ ደም ኣብ ዙርያ ኣካላት ክበጽሕ ስለ ዝኽእል እዩ።