ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ጾታዊ ርክብ ተፋጽመኒ ሰብ ብኸመይ ይረክብ?

Hur träffar jag någon att ha sex med? - tigrinska

ሕቶ

ጾታዊ ርክብ ተፋጽመኒ ሰብ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል? ካልኦት ኩሎም ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ይመስሉ። ኣነ ብፍጹም ትደሊ ሰብ ረኺበ ኣይፈልጥን።

ምላሽ

ብዙሓት እዮም ብልክዕ ብዛዕባ እዚ ነገር ዝሓስቡ።

ካልኦት ክሎም ጾታዊ ርክብ ይገብሩ ኢልካ ክትኣምን ቀሊል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል እዩ። ኣብ ክውንነት ግና ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቕድሚ ክልተ ወገን ምስምማዖም ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም እዩ።

ንሰባት ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም’ዶ ኢልካ ምስ ትሓቶም ዳርጋ ወለ ሓደ ሕራይ ኣይብለካን እዩ። እቶም ዝበዝሑ ቅድም ክፋለጡ እዮም ዝደልዩ። ዝተፈላለዩ ሰባት ንጾታዊ ርክብ ዝዳለወሉ ግዜ’ውን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻሞም መጻምድቲ ብሓንሳብ ገለ ግዜ ከሕልፉ ልሙድ እዩ።

ብፍሉይ ኣዚኻ ትፈትዋ ሰብ ኣላ’ዶ? እወ ተኾይኑ ዝያዳ ክትፈልጣ ክትፍትን ጽብቕ እዩ። ብጥንቓቐ ንሳውን ትግደሰልካ ምኻናን ዘይምኻናን ንክትፈልጥ ፈትን። ኣብታ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለካ ዘርእዩ ልሙዳት ነገራት ብምዝራብ ክትጅምር ትኽእል። ንኣብነት ከመይ ከም ዘላ ወይ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ከመይ ይሰማምዓ ከም ዘሎ ሕተታ።

ምሳኻ ምዝራብ ደስ ዝብላ እንተ ኾይኑ ሽዑ ብሓንሳብ ገለ ነገር ክትገብሩ ትኽእሉ ተኾይንኩም ንምሕታት ክትደፍር ትኽእል። ንኣብነት ተራኺብኩም ብሓንሳብ ሻሂ ትሰትዩ ወይ ብእግሪ ትዛወሩ።

ምስ ካልኦት ሰባት ብብዙሕ መገዲ ክትላለ ትኽእል፣ ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ብመንገዲ የዕሩኽትኻ። ወይ ኣባል ናይ ገለ ትፈትዎ ማሕበር ብሙዃን። ሽዑ ከም ናትካ ዝምባለ ዘልዋ ሰብ ክትላለ ትኽእል።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page