ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ብጾታዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት

Sjukdomar som smittar genom sex - tigrinska

ጾታዊ ሕማማት፡ እቶም ምስ ሰብ ጾታዊ-ርክብ ምስ ገበርካ ዝለግቡኻ እዮም። ጾታዊ-ሕማም ለጊቡኒ ይኸውን ’ዩ ኢልካ ምስ ትጥርጥር፤ ምርመራ ግበር። ክሕግዘካ ዚኽእል መድሃኒታት ኣሎ። እዚ መድሃኒታት፤ ብዙሕ ጊዜ ብነጻ ዚወሃብ እዩ።

Person som ligger i sin säng och ser orolig ut. Illustration.

ምልክታት ናይ ጾታዊ-ሕማማት

ጾታዊ -ሕማማት ከም ልሙድ ምልክታት ዝየርእዩን እዮም። ስለዚ ድማ፡ ጾታዊ-ሕማም ከም ዘሎካ ከይተስተብህለሉ ትኽእል ኢኻ። ገለ ጾታዊ-ሕማማት፤ ክትሸይን ከሎኻ ከንድደካ፤ ገለ ፈሳሲ ነገር ክወጸካ፡ ኣብ ሽልሖኻ penisen ወይ ኣብ ምጥሪ snippan ውን፤ ናይ ዕንፍሩር ቁስሊ ክወጸካ ይኽእል እዩ።

በዞም ዚስዕቡ ኣገባባት፡ ጾታዊ ሕማም ክለግበካ ይኽእል ’ዩ

ጾታዊ-ሕማማት ብዙሕ ጊዜ ዝተሓላለፍ፡ ገለ ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘሎዉ ክፍሊ-ኣካላት፤ ነንሕድሕዶም ምስ ዝተናኸዩ እዩ።

  • ምጥሪ
  • ውሽጣዊ ከናፍር-ምጥሪ
  • መሃንቱስ
  • ጫፍ ናይ ሽልሖ
  • ኣፍ

ጾታዊ-ሕማማት ክለግበካ ዚኽእል ውን፤ ደም ወይ ካብ ምጥሪ ዚወጽእ ፈሳሲ ወይ ሽግሪ ምስ ገለ ካብ ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ምስ ዚራኸብ እዩ። 

ጾታዊ-ሕማም ንኽለግበካ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ፤ በቲ ኣብ ውሽጢ ምጥሪን ወይ ኣብ ውሽጢ መሃንቱስን ብዚኣቱ ዚግበር ጾታዊ ርክባት እዩ።

ጾታዊ-ሕማማት፡ ብኻልእ ኣገባብ ክለግበካ ዚኽእል፤ ሽልሖ ምስ ትጠቡ፤ ምስ ትሰዕዓም ወይ ንምጥሪ ብኣፍካ ወይ ብመልሓስካ ምስ ተልምጽ እዩ።

በዚ ዚስዕብ ጾታዊ-ሕማም ኣይለግበካን እዩ

ጾታዊ-ሕማማት፡ በዞም ዚስዕቡ ኣገባባት ብፍጹም ክለግበካ ኣይክእል ’ዩ፡-

  • ንሓደ ሰብ ምስ ትሓቝፎ ወይ ምስ ትስዕሞ
  • ንሓደ ሰብ ኣብ ኢዱ ምስ ትሕዞ
  • ሓደ ሽቓቕ ወይ ሓንቲ ሽጓማኖ ክልቴኹም እንተ ተጠቐምኩም
  • ካብ ናይ ካልእ ሰብ ብርጭቆ ምስ ትሰቲ

ብንፋስ ዝተሓላለፍ ዝኸነ ዓይነት ጾታዊ-ሕማም የልቦን።

”ሴጋ” (ጾታዊ ባዕለ-ርውየት) ምብግባርካ፤ ጾታዊ-ሕማም ኣይሕዘካን እዩ።

ካብ ጾታዊ ሕማማት ተሓሎ

በዚ ዚስዕብ ኣገባብ፤ ሓደጋታት ጾታዊ-ሕማማት ክትንኪ ትኽእል ኢኻ፡-

  • ምስ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ከሎኻ፤ ኮንዶም ወይ ”ፈሚዶን” ተጠቐም/ሚ።
  • እቲ ኮንዶም ወይ ”ፈሚዶን” ጾታዊ ርክብ ጌርኩም ክሳዕ ትውድኡ ኣይተልግስዎ።
  • ኣብ ክልቲኡ፡ ማለት ኣብ ምጥሪን ኣብ መሃንቱስን እንተ ተጋቢርኩም፤ ኮንዶም ቀይሩ።
  • ኣብ ኣፍኪ ንዝኣተወ ሽግሪ ቡጭ በልዮ።
  • ጾታዊ-ኣካላትኩም ብኢድኩም ጥራይ ብምድርራዝ፤ ጾታዊ ባህታ ከም ትረኽቡ ግበሩ።

ምርመራ ግበር

ምስ ገለ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ-ርክብ ጌርካ እንተ ዄንካ፤ ኬድካ ምርመራ ግበር። እቲ ምርመራ፡ ኣብ መቐበል-መንእሰያት (ungdomsmottagning) ሓደ ናይ ጥዕና-ማእከል (vårdcentral) ወይ ውን ኣብ ናይ ቆርበትን መቐበሊ ጾታዊ-ኣካልትን (hud- och könsmottagning) ኬድካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንመብዛሕትኦም ጾታዊ-ሕማማት ዚግበር ምርመራ፤ ብነጻ ዚወሃብ እዩ።

ዋላኳ ዝዀነ ምልክት ናይ ሕማም እንተ ዘይተሰምዓካ ወይ ውን እቲ ዝገብርከኣዮ ጾታዊ-ርክብ ነዊሕ ጊዜ ዝገበረ ይኹን ብዘየገድስ፤ ኬድካ ምርመራራ ግበር።

እቲ ልሙድ ናይ ምርመራ ኣገባብ፤ ሽንቲ ወይ ደም ምግዳፍ እዩ። ካብ ክሳድካ፡ ካብ ውሽጢ ብልዕቲ፤ ካብ መገዲ-ሽንቲ ወይ ካብ መሃንቱስካ ብዚውሰድ ምርመራ ውን፤ ክግበር ይክኣል እዩ።  

ገለ ካብቶም ሕማማት፤ ናብ ካልኦት ከይተመሓላልፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ’ዩ

ብዛዕባ ፍሉያት ተላገብቲ-ሕማማት ዚምልከት፤ ሓደ ዝወጸ ሕጊ ኣሎ። እቲ ሕጊ ከም ዚብሎ፤ ገለ ካብቶም ሕማማት ሒዞምኻ ንኸይህሉዉኻ፤ ምርመራ ምግባር ይግብኣካ ’ዩ ዚብል ’ዩ። ”ክላሚድያ”፡ ”ፍንጣጣ”፡ ”ሂቭ”፤ ሰለሰተ ኣብነታት ካብቶም ከምኡ ዓይነት ጾታዊ-ሕማማት እዮም። ነዞም ዝተጠቕሱ ጾታዊ-ሕማማት ምርመራ ምግባር፤ ብነጻ እዩ።

ንስኻ ከምዞም ዓይነት ጾታዊ-ሕማማት ’ዚኦም ዘሎዉኻ፤ ምስ መነመን ጾታዊ ርክብ ጌርካ ከም ዝነበርካ፤ ንናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ክትሕብር ይግብኣካ። እቶም ሰራሕተኛታት፤ ድማ ምስቶም ሰባት ተራኺቦም፤ ንሳቶም ውን ምርመራ ክገብሩ ከም ዘድልዮም ክነግሩዎም ኢዮም።

እቲ ንስኻ ነቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እትነግሮም ሓበሬታ፤ ብምስጢር ዝተሓዝ እዩ። እቶም ብዛዕብኦም ዝተዛረብካ ሰባት፤ ንስኻ መን ምዃንካ ኣይክፈልጡን እዮም።

በዚ ኣገባብ ‘ዚ፡ ካብ ጾታዊ-ሕማምካ ክትናገፍ ትኽእል ኢኻ

ናይቲ ዝተገብረልካ ምርመራ መልሲ ብድሕሪ ምርካብካ፤ ነቲ ዘሎካ ሕማም ዘሕዊ መድሃኒት ክወሃበካ እዩ።

”ሂቭ” እንተ ደኣ ኣልዩካ፤ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዕድሜኻ ብምሉኡ፤ መድሃኒት ክትወስድ ከድልየካ እዩ። እቲ ዚወሃበካ መድሃኒት ብነጻ እዩ።

ኣብ UMO.se ብዝበለጸ ብዛዕባ ጾታዊ-ሕማማት ብሽወደን ምንባብ ትኽእል ኢኻ።

RFSU: ወሲባዊ ሕማማት ይሕብር

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

Current articles

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ኮንዶም እቲ ልሙድ መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እዩ። እቲ ዝበለጸ እቶም ጸታዊ ርክብ እትፍጽሙ ቅድሚ ጾትዊ ርክብ ምጅማርኩም ብዛዕባ መከላኸሊ ክትዘራረቡ እዩ። መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓላፍነት ናይ ክልቴኹም እዩ።

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ምስጢር

ኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምዕቓብ ምስጢር ይበሃል። ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ይምልከት።

To the top of the page