ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ገዚአ፣ ሕጂ ጽብቕ ኣይስምዓንን ኣሎ።

Jag betalade för sex, och nu känns det inte bra - tigrinska

ሕቶ

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንክትጦበለይ ከፊለያ። ደስ ዘብል ኔሩ ብድሕሪኡ ግና ጽብቕ ኣይተሰምዓንን። ሕጂ ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓሊፉኒ ከይከውን ይሓስብ ኣለኹ?

ምላሽ

እወ፣ ካብ ብገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኺፍካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ገለ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብኣፋዊ ጾታዊ ርክብ’ውን ይመሓላለፉ እዮም። እንተ ተመርሚርካ ሓሊፉካ ድዩ ኣይሓለፈካን ትፈልጥ። ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትምርመር ትኽእል ኦኻ። 

ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንክትጦበልካ ክትከፍላ ከለኻ ክልኩል ነገር ጌርካ። ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ንኻልእ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልኦት ነገራት ምሃብ ገበንን ዘቕጽዕን እዩ። ኣየናይ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ምኳኑ ብዘየገድስ። እንታይ ኣጋጢሙ ብዘየገድስ። ብኸመይ ተራኺብኩም ወይ ትፋለጡ እንተኾንኩም ብዘየገድስ ። 

ጾታዊ ርክብ ምግዛእ ዝተፈላለየ ክስምዓካ ይኽእል። ንኣብነት ጽቡቕ፣ ዘደስት፣ ወይ ሕማቕ። ዝበዝሑ ሰባት ብድሕሪ ፍጻሜ፣ ልክዕ ከምቲ ዝገለጽካዮ፣ ሕማቕ ይስምዖም። ምናልባሽ እንተዘይትኸፍላ ኔርካ እታ ጓል ኣንስተይቲ ክትጦበልካ ኣይምመረጸትን ኔራ ኢልካ ትሓስብ። 

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምግዛእካ ምስ ካልእ ሰብ ክትዘራረብ ትደሊ ወይ ጾታዊ ርክብ ምግዛእ ንምቑራጽ ሓገዝ ትደሊ ዲኻ? ክትምርመር ከለኻ ንእትረኽቦ ሰብ ንገሮ። ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትራኸብ ወይ ንመስመር ሓገዝ PrevenTell ብቑጽሪ ቴለፎን 020-667788 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። 

ብዛዕባ ሕማቕ ዝስምዓካ ነገር ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ጽቡቕ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ጾታዊ ርክብ ምሻጥ - ወይ ጾታዊ ርክብ ፈጺምካ ገለ ነገር ምቕባል

ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ማለት፤ ካብ ሓደ ሰብ ገንዘብ ንምቕባል፤ ጾታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ማለት ’ዩ።ብድሌትካ ትገብሮ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ወይ ብኣስገዳድ ትገብሮ ዘሎኻ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።ከምዚ ነገር ’ዚ ኣጋጢሙካ እንተ ደኣ ኰይኑ፤ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ብጾታዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ሕማማት፡ እቶም ምስ ሰብ ጾታዊ-ርክብ ምስ ገበርካ ዝለግቡኻ እዮም። ጾታዊ-ሕማም ለጊቡኒ ይኸውን ’ዩ ኢልካ ምስ ትጥርጥር፤ ምርመራ ግበር። ክሕግዘካ ዚኽእል መድሃኒታት ኣሎ። እዚ መድሃኒታት፤ ብዙሕ ጊዜ ብነጻ ዚወሃብ እዩ።

ዓንቀጽ

ጾታዊ ዓመጽ

ምስ ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ እንተ ተቓሊዕኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page