ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ሕቶ - ብዛዕባ ስድራ ቤተይ ይሓስብን ይጉህን - እንታይ ክገብር ይኽእል?

Jag är ledsen och orolig för min familj - tigrinska

ሕቶ

ሰላም፡ ብዛዕባ ኣብ ዓደይ ተሪፎም ዘሎዉ ስድራ ቤተይ ብዙሕ ይሓስብን ይጭነቕን እየ። ክጉህን ክጭነቕን ከለኹ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ምላሽ

ንስኻ ኣብ ሽወደን ሃሊኻ ብዛዕባ ኣብ ዓድኻ ተሪፎም ዘሎዉ ስድራ ቤትካ ክትጉህን ክትጭነቕን ጨሪሹ ዘይንብር ነገር ኣይኮነን። እቶም ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ከምዚ ናትካ ከቢድ ኩነታት እንተ ዝህልዉ ከምዚ ናትካ ሕማቕ ምተሰምዖም ነይሩ።

ንነብስኻ ጽብቕ እንተ ተኸናኺንካያ ነዞም ሕማቓት ስምዒታት ክትኣልዮም ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ስዒቦም ገለ ሓገዝቲ ነጥብታት ተዘርዚሮም ኣለው።

  • ዋላ ጓሂ እንተ ተሰምዓካ ጽብቕ ኮይኑ ዝረኣየካን ንኽትዛነ ዝገብርን ነገር ክትገብር ፈትን። ድሒርካ ንስምዒታትካ ክትብድሆም ምእንቲ ክትክእል ሓደ ሓደ ግዜ ካብዞም ሕማቓት ስምዒታት ከተዕርፍ የድልየካ እዩ።
  • ንነብስኻ ራህርሃላን ኣኽብራን።  እዚ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ንስኻ ኣብዚ ስድራኻ ግን ኣብዚ ኣብዘየለውሉ ግዜ። 
  • እኹል ክትምገብን ክትድቕስን ፈትን። እዚ ጽብቕ ንኽትህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ምድቓስ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ናይ መደቐሲ ከኒና ወይ ካልእ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
  • ተንቀሳቐስ። ንኣብነት መዓልታዊ ብእግርኻ ክትንቐሳቐስ ትኽእል። እዚ ክትጭነቕን ክትጉህን ከለኻ ኣብ ኣካላትካ ጽብቕ ዝኾነ ገለ ባእታ ይፍኑ ።
  • ተመሃራይ እንተ ኾንካ ትምህርትካ ቀጽሎ። ኣብ ግዜ ቐትሪ ገለ ዝግበር ነገር ክህልወካ ጽብቕ እዩ።

ኣብ ungdomsmottagning ድማ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ከመይ ከም ዝስምዓካን፣ ከም ዘለኻን፣ እንታይ ከም ትሓስብን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ጽብቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ምኽርታት ጽቡቕ ንምድቓስ

ጽብቕ ጥዕና ንኽህልወካ ጽብቕ ክትድቕስ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ምድቓስ ግን ልሙድ እዩ። እዚ ንኣብነት ተጨኒቕካ ወይ ተሻቒልካ ስለ ዘሎኻ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ጽብቕ ንክትድቕስ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ክትፈልጥ ትኽእል።

ዓንቀጽ

ሕማቕ ክስምዓካ ከሎ

ኵሉ ሰብ ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ይስምዖ እዩ። እዚ ድማ ገለ ሕማቅ ነገር ስለ ዘጋጠመ ወይ ድማ ሓደ ነገር ከመይ ክኸውን እዩ ኢልካ ስለ ትሓስብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ስለ ምንታይ ምዃኑ ከይፈለጥካ ሕማቕ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። ምእንቲ ክሕሸካ ባዕልኻ ክትገብሮም ትኽእል ነገራት ኣሎዉ። ንክሕሸካ ሓገዝ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page