ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ምትካኽ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?

Hur farligt är det att röka? - tigrinska

ሕቶ

ኣነ ብዛዕባ ምትካኽ ሕቶ ኣለኒ። ምትኻኽ ንወሃዮታት ኣካላትና ወዘተ ከም ዝሃስዮም ኣብ ሓደ ናይ ቲቪ መደብ ሪአ ኣሎኹ። መንእሰይን፣ ምሉእ ጥዕና ዘልዎን ስፖርት ዘዘውትርን እንተ ኾንካ ክሳዕ ክንደይ እዩ ምትካኽ ሓደገኛ?

ምላሽ

ምትካኽ ንኹሎም ክፋላት ኣካል ይጸልዎምን ናይ ምሕማም ተኽእሎ የዛይድን። መንእሰያት ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ስፖርት የዘውትሩ ኣየዘውትሩ ብዘየገድስ ብዝያዳ ይህሰዩ። ምኽንያቱ ኣካላት ጌና ኣብ ዕብየት ስለ ዘሎን ኣእምሮ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይማዕበለን።

ኣብ ትምባኾ ገለ ካብ ብዙሓት ካርቦንሞኖክሳይስ ዝበሃል ባእታ ኣሎ፣ እዚ ናይ ኦክስጅን ቦታ ኣብ ዋሃዮታት ይወስዶ። ንዘትክኽ ሰብ ድማ ሕጽረት ኦክስጅን ይገብረሉ። ስለዚ እዩ ድማ ምትካኽ ድኹም ብቕዓት ኣካላት ንክህልወካ ዝገብር፣ ኣብ ስፖርት ድማ ከምቲ ከየትከኽካ ዝህልወካ ብቕዓት ንኸይህልወካ ዝዕንቕፍ።

ብርግጽ’ውን ቀልጢፍካ ምትካኽ ምስ ትጅምር ክንድኡ ከኣ ውሉፍ ናይ ምኻን ሓደጋ ይዛይድ። ኣብ ሽጋራ ልዕሊ 4000 ዝተፈላለዩ ከሚካላዊ ቀመማት ኣሎዉ። ዝበዝሑ ካብዞም ቀመማት ንዋሃዮታት ኣካላት ሃሰይቲ እዮም። ስፖርት ምዝውታር ንጥዕና ጽብቕ እዩ፣ ከበድቲ ሕማማት ንምውጋድ ግና ዘይምትኻኽ ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Yomo

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page