ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ጾታዊ ርክባት፡ ንኣወዳትን ኣዋልድን፡ሓደ ዓይነት ስምዒትዶ ይህቦም

Är sex lika skönt för killar och tjejer? - tigrinska

ሕቶ

ጾታዊ ርክባት፡ ንኣወዳትን ኣዋልድን፡ሓደ ዓይነት ስምዒትዶ ይህቦም፤ንኽልቲኦምከ ሓደዓይነት ናይ ባህታ ስምዒትዶ ይፈጥረሎም?

ምላሽ

ነዚ ሕቶኻ ብኽልተ መገዲ፡ ብኸምዚ ጌረ ክምልሶ እደሊ። ”እወ፡ ጾታዊ ርክብ ንኣወዳትን ንኣዋልድን፤ንኽልቲኦም ናይ ባህታ ስምዒት ይፈጥረሎም ’ዩ”። ወይ ውን ”ዝዀነ ሰብ ከምኡ ምዃኑ ኣርጊጹ ዝፈልጥ የልቦን”። እንታይ ማለተይ ምዃኑ፡ ኣብዚ ታሕቲ ክገልጸልካ እየ።

ኣወዳትን ኣዋልድን ንጾታዊ ርክብ ይሕጐሱሉ እዮም። ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ስምዒት-ጥርዚ በጺሖም ከፍስሱን፤ ናይ ጾታዊ ርክብዊንታ ክስምዖምን ይኽእል እዩ። ስለዚ በዚ ኣገላልጻ እዚ፤ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ፍልልይ የልቦን።

ይኹን እምበር፡ ንኽልተ ሰባት ሓደ ዓይነት ናይ ባህታ ስምዒት ኣሎዎም ኢልካ ክትዛረብ፡ ኣጻጋሚ እዩ። ሕሰብ፡ ክልተ ሰባት ዝፈትውዎ ሓደ ዓይነት መግቢ ይበልዑ። ክልቲኦምዶ ብሓደ ዓይነት ልክዕ ጌሮም የስተማቕርዎ ይዀኑ? ክኸውን ይኽእል፡ ከይከውን’ውን ይኽእል እዩ። ኾይኑ ግን ክልቲኦም ነቲ መግቢ ይፈትውዎ እዮም፡ እቲ ዘገድስ ድማ ንሱ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ባህ ንኽብለካ፤ እቲ ንስኻ ባህ ከብለካ ዝኽእል ኣገባብ ክተርኢ የድሊ። ከምኡ’ውን እታ ካልኣይትኻ እንታይ ባህ ከም ዘብላ ክትሰምዓ የድልየካ። ምኽንያቱ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ይፈቱ ማለት ኣይኰነን።

ንስኻ እንታይ ባህ ከም ዘብለካ መታን ክትሕብር ክትክእል፤ እቲ ምስታ ካልኣይትኻ ክትራኸብ ከሎኻ ዝተሰመዓትካ ኣዝያ ባህ እተብል ነገር፤ ኣየነይተን ምዃና ምግላጽ እዩ። ንኣብነት ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ፤ ”እታ ከምዚ ዝገበርካያ(ዝገብርክያ) ኣገባብ፡ ንሳ ኣዝያ ጥዕምቲ ኔራ”፤ ኢልካ ክትነግር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ”ኣብዛ ቦታ እዚኣዶ ክትሓስየኒ ምኽኣልካ”? ብምባል ውን፤ባዕልኻ ሓሳባት ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ውን ”ከምዚ እንተ ገበርካለይ እንታይ ይመስለካ፤ ኣብኣ ምትንካፍ ንዓይ ጥዕምቲ ’ያ”፤ ኢልካ ውን ምንጋር ይክኣል እዩ።

እታ ብጸይትኻ እንታይ ከም ትፈቱ’ውን ክትሓታ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ”ሓደ ንስኺ እትፈትውዮ ፍሉይ ነገር እንተሎ ንገርኒ?” ወይ ውን” ከምዚ እንተገበርኩልኪ ባህ ’ዶ ምበለኪ?”፤ ኢልካ’ውን ነንሕድሕድካ ክትሓታተት ትኽእል ኢኻ።

ብቐዳምነት ኣነ ከም ዝሓስቦ ግን፤ ጾታዊ ርክብ ኣብ ነንበይኑ ኣጋጣሚታት፡ ነንበይኑ ጣዕሚ እዩ ዘሎዎ። ገለ እዋናት ኣዝዩ ጥዑም ’ዩ። ካልእ እዋን ድማ ከም ነገሩ’ዩ። ንኹሉ ሰብ ከምኡ’ውን ይመስለኒ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

ዓንቀጽ

ጾታዊ ባህጊ

እቶም ዝበዝሑ ሰባት ምስ ጾታዊ ባህግን ጾታዊ ድልየት (ስያዐን፡ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ምድላይ፡ብሉዕ) ክስምዖ ዝኽእል ኣካላት ይውለዱ። ጾታዊ ባህጊ ኣብ ምሉእ ኣካላትና ክስምዓና ይኽእል። ኣብ ክፍሊ መፍረን ካልኦት ክፋላት ኣካላትናን ደስ ዘብል ስሚዒትን ትርግታን ይስምዓና።

To the top of the page