ምስጢር
Sekretess och tystnadsplikt - tigrinskaኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምስጢራውነትን ሞያዊ ምስጢርን ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ንዅሎም እቶም ኣብ ሕክምናዊ ክንክን ዚሰርሑ ሰባት ዚምልከት እዩ።

ምስጢራውነት ኪበሃል እንከሎ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታ ንኻልኦት ሰባት ኼካፍሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ማለት እዩ። ምስጢራውነት ክፋል እቲ ናይ ሞያ ምስጢራውነት ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ሰራሕተኛታት፡ ኪሕልውዎ ዚግብኦም ምስጢር ናይ ሕሙም ኣፍሪሶም፡ ብዛዕባኻ ንኻልኦት ሰባት ሓበሬታ ክነግሩን ከካፍሉን ግድን ይኸውን እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ታሕቲ ዝያዳ ኸተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ምስጢር ምዕቓብ ንኩሉ ዝተዛረብካዮን ኩሉ ብዛዕባኻ ኣብ መዝገብካ ዝተጻሕፈን ይምልከት። ምዕቓብ ምስጢር ንውልቐ ሰብን ንሰበ ስልጣናትን ይምልከት። ነዚ ሕጊ ዘይተኸተለ ሰራሕተኛ ገበን ይፍጽምን ኣብ ቤት ፍርዲ ክፍረድ ይኽእልን።
ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ይምልከት
ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን ንዝሰርሑ ሰባት ይምልከት፣ ዋላ’ውን ጸሓፍቲ ወይ ተቐባል ጋሻን ተርጓምን። ብዛዕባኻ ዝኾነ ክዛረቡ ኣይፍቐደሎምን።
እቲ ትረኽቦ ሰብ ንጥዕናኻ ኣገዳሲ እንተ ኾይኑ ጥራይ ብዛዕባኻ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ክዛረብ ይፍቐደሉ። እቶም ኣብ ናትካ ክንክን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ጥራይ ድማ ንመዝገብካ ከንብብዎ ይፍቐደሎም።
ንዓኻ ዝሃሲ እንተ ኾይኑ ሰራሕተኛ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ክራኸቡ ኣይፍቐደሎምን እዩ። ዋላ’ውን መንበሪ ፍቓድ ኣይሃሉኻ ክንክን ጥዕና ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ኣበይ ከም ዘለኻ ንፖሊስ ክነግሩ ኣይፍቐደሎምን እዩ።
ምዕቓብ ምስጢር ክገሃስ ይኽእል’ዶ ?
ኣብ ገለ ዅነታት፣ ሰራሕተኛታት ነቲ ናይ ሕሙም ምስጢር ምሕላው ገዲፎም ነቲ ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ካልኦት ኬካፍሉ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣብነታት እንሆ፡
- ንስኻ ባዕልኻ ይኹን ኢልካ ምስ ትሰማማዕ። ሰራሕተኛታት እንታይ ክብሉ ከም ትደልዮም ባዕልኻ ክትነግሮም ትኽእል። ንኣብነት ኣብ ሕክምና ደቒስካ ምስ ትህሉን ትፈልጦ ሰብ ናብኡ ምስ ዝድውለልካን።
- ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን ሰራሕተኛታት ሓደ ሓደ ጊዜ ኣብ ልዕሌኻ ሓላፍነት ንዘሎዎ ዓቢ ሰብ ክራኸቡ የድልዮም። ንኣብነት ዝያዳ ክንክን ንምርካብ ናብ ሕክምና ምኻድ የድልየካ እንተኾይኑ።
- ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሓደጋ ኣሎኻ ኢሎም ምስ ዝኣምኑ። ንኣብነት ንገበን ወይ ንጥዕናኻ ሃሳዩ ዝኾነ ነገር ተቓሊዕካ ምስ ትኸውን፣ እቶም ሰራሕተኛታት ዝያዳ ሓገዝ መታን ክትረክብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ይገብሩ። ብመሰረት ሕጊ እቶም ሰራሕታኛታት ከምኡ ክገብሩ ኣሎዎም።
- ሰብ ሞያ ሕክምናዊ ክንክን እንተደኣ ከቢድ ገበን ዝፈጺምካ ወይ ግዳይ ናይ ከቢድ ገበን ኮይንካ ኢሎም እንተደኣ ኣሚኖም፣ ንፖሊስ ኪሕብሩ ይኽእሉ እዮም።
ወለደይ መዓስ እዩ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎም ?
እንተደኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ፡ እቶም ናትካ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባኻ ገለ ሓበሬታ ኪረኽቡን ኣብ ገሊኡ ነገራት ኣብ ምውሳን ኪሳተፉን ዘኽእሎም መሰላት ኣለዎም። እዚ ኣብ ዕድመኻን፡ ኣብ እንታይነት ናይቶም ዘጋጠሙኻ ኩነታትን ዝምርኮስ እዩ። እቲ ዅነታት ኣገደስቲ ወይ ከበድቲ ነገራት ዘጠቓልል ምዃኑን ዘይምዃኑን። ንኣብነት፥ እዚ ጕዳይ እዚ ዓበይቲ ሕክምናዊ መርመራታት፣ ክንክን ወይ ፍወሳታት ዘጠቓልል እንተኾይኑ፡ ክፍለጡ የድልዮም እዩ። ግናኸ፡ እንተደኣ እዚ ኣብ ሓደጋ ኼእትወካ ዚኽእል ኮይኑ፡ ነቶም ዓበይቲ ሰባት ሓበሬታ ኣይኪወሃቦምን ኢዩ።
ካብ ወላዲኻ (ሞጕዚትካ) ሓገዝ ክትረክብ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ንስኻ ባዕልኻ ምስ ትኣምኖ ሰብ ክትዘራረብ ትኽእል። ንኣብነት ጥንሲ ክትንጽሊን ንወለድኺ ድማ ክትነግሪ ምስ ዘይትደልይን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስ ኣማኻሪ (ኩራቱር) ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ካልእ ሓገዝ ክህበኪ ዝኽእል እኹል ሰብ ክትዘራረቢ ትኽእሊ።
ብዛዕባ ምዕቓብ ምስጢሪ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ኣብቲ ክፍሊ ክንክን ክትሓትት ትኽእል።