ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

“ሂቭ” ንኸይሕዘኒ ብዙሕ እሻቐል እየ

Jag är orolig för att få hiv - tigrinska

ሕቶ

“ሂቭ” ንኸይሕዘኒ ብዙሕ እሻቐል እየ። ብኸመይ‘ዩ ዝለግበካ፤ ከም ዝለገበኒኸ ብኸመይ ክፈልጦ እኽእል?

ምላሽ

”ሂቭ” ሓደ ብጾታዊ ርክባት ዝለግብ ቪይሩስ እዩ። እንተ ደኣ ምስ ሓደ ”ሂቭ” ዘሎዎ ሰብ፤ መከላኸሊ ዘይብሉ ጾታዊ-ምግባር፤ ማለት ”ብምጥሪ” ወይ ”ብመሃንቱስ” ጌርካ፤ ዝዓበየ ናይ ምብካል ሓደጋ ኣሎካ። ብናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ’ውን፤ ምስ ”ሂቭ” ዘሎዎ ሰብ እንተ ተጋቢርካ፤ ብፍላይ’ውን እቲ ሽግሪ ኣብ ኣፍካ እንተ ኣትዩ፤ ክለግበካ ይኽእል እዩ።

”ሂቭ” ብደም ኣቢሉ’ውን ይሰግረካ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ”ሂቭ” ዘሎዎ ሰብ ብዝተወግኣሉ መርፍእ፤ ንስኻ’ውን ምስ ትጥቀም እዩ። ውላድካ’ውን፡ ኣብቲ ዝጠብወሉ እዋን፤ ብናይ ጡብ ጸባ ኣቢሉ ክለግቦ ይኽእል እዩ።

ሓደ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ መድሃኒቱ ከምቲ ዝግብኦ ዝወስዶ እንተ ኾይኑ ምስኡ ወይ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ኤችኣይቪ ንኽሓልፈካ ዝኾነ ስግኣት የለን።

”ሂቭ” ለጊቡኒ ይኸውን’ዩ፡ ዚብል ሓሳብ እንተ ’ሎካ፤ ኬድካ ምርመራ ግበር። ኣብ መቐበል-መንእሰያት” (ungdomsmottagning) ወይ ኣብ ናይ ቆርበትን ጾታዊ መቐበል-ሕሙማት (hud- och könsmottagning) ወይ ኣብ ማእከል-ጥዕና (vårdcentral) ኬድካ፤ ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምርመረሉ ጊዜ፤ ካብቲ ተለኺፍካሉ ክትከውን እትኽእል ዝበልካዮ ኣጋጣሚ፤ እንተ ቐልጠፈ ሓደ ሰሙን ድሒርካ ክትገብሮ የድሊ።

ናይ ”ሂቭ” ምርመራ ክትገብር ከሎኻ፤ እታ ነርስ ወይ እቲ ዶክቶር፤ ካብ ቅልጽምካ ደም ብውሳድ’ዮም ዘካይድዎ። ብዙሕ ጊዜ፡ ብድሕሪ’ቲ ናይ ምርመራ ደም ምግዳፍካ፤ ኣስታት ሓደ ሰሙን ጸኒሑ፤ ገለ እዋን’ውን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ፤ መልሲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ”ሂቭ” ምርመራ ብነጻ ይግበረልካ። መንነትካ ከይገለጽካ፡ ብምስጢር ምርመራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

እቲ መልሲ ናይቲ ምርመራ፤ ለጊቡካ ከም ዘሎ ምስ ዘርኢ ግን፤ ነቶም ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማም መን ምዃንካ ክትሕብሮም ይግብኣካ። ሽዑ ድማ፡ መድሃኒት ናይ ”ሂቭ” ክወሃበካ ክጅምር’ዩ። ባዕልኻ እንተ ዘይነጊርካ፤ ዝዀነ ካልእ ሰብ ”ሂቭ” ከም ዘሎካ ኣይክፈልጥን እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ኮንዶም እቲ ልሙድ መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እዩ። እቲ ዝበለጸ እቶም ጸታዊ ርክብ እትፍጽሙ ቅድሚ ጾትዊ ርክብ ምጅማርኩም ብዛዕባ መከላኸሊ ክትዘራረቡ እዩ። መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓላፍነት ናይ ክልቴኹም እዩ።

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page