ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

ጽግያት

Mens - tigrinska

ጽግያት መድመይቲ ካብ ማህጸን ኾይኑ ብብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ዳርጋ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ይወጽእ።

En almanacka där någon ringar in dagar med en röd penna. Illustration.

መዓስ’ዩ ጽግያት ክመጸኒ ዝጅምር?

ጽግያት ዝመጸሉ ዕድመ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ቀዳመይቲ ጽግያተን ኣብ መንጎ 11ን 14ን ዓመተን ዘሎ ግዜ ይጅምረን። ዝኾነ ጸገማት ከይሃለወኪ ጓል 9 ዓመት ወይ 16 ዓመት ምስ ኮንኪ እውን ጽግያት ክጅምረኪ ይኽእል እዩ። 16 ዓመት ምስ መላእኪ ቀዳመይቲ ጽግያት ምስ ዘይመጸኪ፡ ምስ ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ (elevhälsan)፡ ምስ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት (ungdomsmottagning) ወይ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና (vårdcentral) ርክብ ግበሪ።

ጽግያት ኣብ ከክንደይ ግዜ ይመጸካ፡ ክንደይ ዝኣክል’ከ ትደሚ?

ጽግያት መብዛሕኡ ግዜ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ይመጽእ። ይኹን’ምበር ብፍላይ ኣብቲ መጀመርታ ዓመት፡ ኣብ መንጎ እቲ ጽግያት ዘሎ ግዜ ክነውሕ ወይ ክሓጽር ልሙድ እዩ።

ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልታት ጽግያት ይመጸን፡ ኣስታት ፍርቂ ደሲሊተር ዝኸውን ድማ ይደምያ። ይኹን’ምበር እዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ጽግያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ መጀመርታ ግዜ ቀይሕ፡ ኣብቲ መወዳእታ መዓልታት ድማ ብናዊ ሕብሪ ኣለዎ።

ቃንዛ ጽግያት

ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ጽግያትኪ ቃንዛ ከብዲ ክገብረልኪ ልሙድ እዩ። ገሊኤን ኣብ ሕቖኣን፡ ሰለፈን ወይ ርእሰን ቃንዛ ይገብረለን።

ቃንዛ ንምህዳእ ክትፍትንዮ ትኽእሊ ሓደ ሓደ ነገራት እንሆ፦

  • ብእትፈትውዮ ዓይነት መንገዲ ምውስዋስ ኣካላት ወይ ምንቅስቓስ ግበሪ። ንኣብነት ብእግሪ ምንቅስቃስ፡ ምጉያይ ወይ ምስዕሳዕ።
  • ኣብቲ ቃንዛ ዝገብረልኪ ቦታ ምዉቕ ነገር ኣቐምጢ።
  • ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዘየድልዮ ፈውሲ ቃንዛ ውሰዲ።
En person ligger på sidan i en soffa och håller sig för magen. Illustration.

ቃንዛ ቅድሚ ጽግያት

ቅድሚ ጽግያት ዘሎ መዓልታት ጓሂ ወይ ቍጥዐ ክስምዓኪ ንብር እዩ።  እዚ PMS ይበሃል።  PMS ብከምዚ ዝስዕብ ክስምዓኪ ይኽእል።

  • ትሓዝኒ ወይ ትቑጥዒ
  • ትደኽሚ።
  • ኣብ ኣጥባትኪ ቃንዛ ይስምዓኪ።
  • ካብ ንብር ንላዕሊ ትጠምዪ።

መብዛሕትኡ ግዜ ጽግያት ምስ ጀመረ እዚ ቃንዛ ዝግ ይብል እዩ።  ርግእ ምባልን ጽብቕ ምምጋብን  ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ምንቅስቓስ እውን ጽቡቕ እዩ። 

ጽግያት ምስ ዝኸብደኪ ሓገዝ ክትረክቢ ትኽእሊ ኢኺ

ሓደሓደ ግዜ ንጽግያትኪ ዝምልከት ሓገዝ ከድልየኪ ይኽእል ይኸውን።  ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስ skolsköterskan, ungdomsmottagning ወይ vårdcentral ርክብ ግበሪ።  እዞም ዝስዕብ ሓገዛት  ክትረኽቢ ትኽእሊ:

  • ብዙሕ ትደምዪ።  ዝወሓደ ንኽትደምዪ ዝገብር ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
  • ጽግያት ምምጻእ ኣቋሪጹ።  ስለ ምንታይ ከም ዘቋረጸ ንምፍላጥ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
  • ቃንዛ ጽግያት ሃልዩኪ ትእዛዝ ሓኪም ዘየድልዮ መድሃኒት ምስ ዘይሕግዘኪ። ኣብ ከምዚ ኵነት ዝሕግዘኪ ብሓኪም ዝእዘዝ መድሃኒት ክወሀበኪ ይኽእል እዩ።
  • ጽግያትኪ ኣዚዩ ሕማቕ ከም ዝስምዓኪ ምስ ዝገብር። ኣብ ከምዚ ኵነት ዝሕግዘኪ ብሓኪም ዝእዘዝ መድሃኒት ክወሀበኪ ይኽእል እዩ።
  • ጽግያትኪ ከተሰጋግርዮ ወይ ውን ጠቕላላ ከተቋርጽዮ ትደልዪ።  ነዚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
  • ስለ ዝተኸንሸብኪ ኣብ ብልዕትኺ ቃንዛ ይገብረልኪ ወይ  ጽግያትኪ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ይኸውን ።  ነዚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
  • ብዛዕባ ጽግያትኪ ሕቶ ኣለኪ። ሓንቲ መሕረሲት ክትምልሰልኪ ትኽእል።

RFSU: ጻግነ ይሕብር

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ጽግያት እንታይ እዩ?

ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ ጽግያት ከጋጥም ከሎ ኣብ ኣካላት ዝረኣዩ ነገራት ክትፈልጢ ኢኺ።

To the top of the page