ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣነ

ጾታዊ-ዝምባለን፡ ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ን (HBTQI)

Sexuell läggning och HBTQI - tigrinska

ጾታዊ-ዝምባለ ዚበሃል፡ ብዛዕባ ሰባት እንታይ ጾታ ከም ዘሎዎም፤ ንስኻ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን፤ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘካን፡ ዚዛረብ እዩ። ንስኻ ምስ ዝደሌኻዮ ዓይነት ሰብ ክትፋቐር ወይ ተጻሚድካ ክትነብር፤ መሰልካ ሕልዊ እዩ። እዚ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

Tre par kyssas och kramas. Illustration

ብዙሕ ነንበይኑ ዓይነታት ጾታዊ ዝምባለታት ኣሎ። እቶም ልሙዳት ሰለስተ ጾታዊ- ዝምባለታት ዝበሃሉ፤ እዞም ዚስዕቡ ’ዮም፡-

  • ”ሄትሮ ጾታዊ፡ ብኣንጻሩ ዝዀነ ጾታ ዚሰሓብ (Heterosexuell, hetero)
    እቲ ምስ ኣንጻርካ ዝዀነ ጾታ ዘሎወን ሰባት ፍቕሪ ክሕዘካ ከሎ፤ ማለት ወዲ ምስ ጓል፤ ጓል ድማ ምስ ወዲ፡ ዘሎ ጾታዊ-ዝምባለ እዩ።
  • ”ሆሞ ጾታዊ”፡ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዘሎዎም ዚሰሓብ (Homosexuell, homo)
    እቲ ምስ ከም ናትካ ዓይነት ጾታ ዘሎዎም ሰባት ፍቕሪ ክሕዘካ ከሎ፤ ወዲ ምስ ወዲ፡ ጓል ድማ ምስ ጓል፤ ዘሎ ጾታዊ-ዝምባለ እዩ።
  • ”ቢ-ጾታዊ” ምስ ኩሉ ዓይነታት ጾታ ዚሰሓብ (Bisexuell, bi)
    ጾትኦም ብዘየገድስ፡ ምስ ወዲ ይኹን ምስ ጓል፡ ምስ ኩሉ ዓይነት ጾታታት፤ ፍቕሪ ክሕዘካ ከሎ፡ ዘሎ ጾታዊ-ዝምባለ እዩ።

ንስኻ/ንስኺ፡ እዚ ’ዩ ናተይ ጾታዊ ዝምባለ፡ ኢልካ/ኪ ምውሳን ኣየድልየካን እዩ። እቲ ጾታዊ ዝምባለኻ፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ’ውን ክቕይር ይኽእል ’ዩ።

ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ስለ ዝገበርካ፤ ንስኻ ወይ ንስኺ፡ ናይቲ ጾታ ’ቲ ዝምባለ ጥራይ ከም ዘሎካ መግለጺ ምዃን ኣየድልዮን ‘ዩ። ከምኡ’ውን ዝተወሰነ ጾታዊ ዝንባለ ንኽህልወካ ምስ ሓደ ሰብ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ዝገበርካ ክትከውን የብልካን።

ሓደ ሰብ ብደጊኡ ጠሚትካ፤ (ንሱ/ንሳ) ኣየናይ ”ወደ-ጓል” ጾታዊ-ዝምባለ ክህልዎ ከም ዚኽእል ምዕዛብ ኣይክኣልን እዩ። ኣብቲ ናትካ ትርኢትን ተገዳስነትን ጽልዋ ዘሎዎ ኣይኰነን።

ብዛዕ ’ቲ ዘሎካ ጾታዊ-ዝምባለ ክትመራመር ልሙድ ነገር እዩ። ብፍላይ እንተ ደኣ ”ሄትሮ” ማለት፡ በቲ ኣንጻርካ ጾታ ከም ትሰሓብ ዘይስመዓካ ኰይኑ። ምናልባት ውን ካልኦት፡ “ሄትሮ” እዩ ንሱ፤ ማለት በቲ ብኣንጻሩ ጾታ ዝሰሓብ ‘ዩ፤ ኢሎም ስለ ዚግምቱኻ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ እንተ ዀይኑ፤ ንስኻ ብጽምዋ ተበሊዕካ ኣሎኻ፤ ወይ ውን ንነፍሳኻ ከም “ጉዳም ዓይነት” ሰብ ጌርካ ትቖጽራ ትህሉ ትኸውን።

ንዝደለኻዮ ሰብ ክተፍቅር ትኽእል ኢኻ

ንዝደለኻዮ ሰብ ክተፍቅር ምኽኣል፡ መሰልካ እዩ። ከምታ ትደልያ ኴንካ ህይወትካ ክትነብር ውን መሰልካ ‘ዩ። ምስቲ ከም ናትካ ጾታ ዘሎዎ ሰብ ወይ ምስ ካልእ፡ ከም ናትካ ጾታ ዘይብሉ ሰብ ንኽትምርዖ ትኽእል ኢኻ ክሳብ ክልቴኹም ዝደለኽምን ዕድሜኹም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾነን። ከምኡ’ውን ክሳብ ንስኻን እቶም ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ዝደለኽሞን ዕድሜኹም እኹል ዝኾነን  ምስ ዝደለኻዮም ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሆሞ ጾታዊ፡ ቢ ጾታዊ ወይ ሄትሮ ጾታዊ ምዃን ኣየቕጽዕን እዩ። 

ክትነግር እንተ ደሊኻ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን

ብዛዕባ ’ቲ ዘሎካ ጾታዊ ዝምባለ ንሰብ ክትነግር ድሌት እንተ ኣልዩካ፤ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን።   

ንስኻ፡ ማለት ”ሄትሮ” ጾታዊ ዝምባለ ዘሎካ ሰብ ምስ ትኸውን፤ ንኻልእ ከምዚ ’የ ኢልካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ መጀመርትኡ፤ ንስኻ በቲ ”ብኣንጻሩ ዝዀነ ጾታ ዚሰሓብ ‘ዩ” ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ’ዩ። ንስኻ ”ሆሞ” (ብተመሳሳሊ ጾታ ዘሎዎም እትስሓብ) ወይ ”ቢ-ጾታዊ” (ብኹሉ ዓይነት ጾታታት እትስሓብ) ምስ ትኸውን ግን፤ እቶም ካልኦት ንስኻ ”ሄትሮ-ጾታዊ” ኢኻ ኢሎም ክኣምኑ ስለ ዝጸንሑ፤ ምንጋሮም ኣድላዪ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ገለ እዋናት ብዛዕባ ጾታዊ ዝምባለኻ ንኻልኦት ምንጋር፤ ከቢድ ወይ ከም ዘይክኣል ነገር ክዀነካ ይኽእል ’ዩ። ንኣብነት እቶም ሰባት፤ ”ሆሞ-ጾታዊነት” ዘይልሙድ ወይ ጌጋ ከም ዝዀነ ጌሮም ክሓስቡ ስለ ዚኽእሉ ’ዩ።

ከም ድሌትካ ኴንካ ህይወትካ ክትነብር መሰል ኣሎካ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ፤ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሕማቕ-ኣተሓሕዛ እንተ ተጌሩልካ ወይ እንተ ኣፈራሪሖምኻ፤ ንሓደ ሰብ ኣማኽሮ። እቲ ሰብ ንኣብነት ሓደ ዓርክኻ፡ ሓንቲ ነርስ ወይ ሓደ ሰብ ኣብ ungdomsmottagning (መቐበል መንእሰያት) ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲን ኣብቲ መቐበል-መንእሰያት ዚሰርሑ ሰባት፤ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታዊ-ሓላፍነት tystnadsplikt ኣሎዎም።

ብዛዕባ ”ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ..ኣይ ሕቶታት” (HBTQI) ተገዲሶም ዚሰርሑ ማሕበራት፤ ንኣብነት RFSL ከምኡውን RFSL Ungdom ዝኣመሰሉ ውን ኣሎዉ እዮም። ብእኣቶም ጌርካ፡ ምስ ካልኦት ”ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ኣይ” ሰባት (HBTQI-personer) ክትራኸብ ውን ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ድማ፡ ኣብ ንጥፈታቶም ክትካፈል ወይ ውን ኣብ ሕጋዊ ሕቶታት ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ መርበብ ኣር.ኤፍ. ኤስ. ኤል ንሓደስቲ መጻእቲ” (Nätverket RFSL Newcomers)፤ ብፍላይ ንከማኻ ዝኣመሰሉ ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ዝዀንኩም ሰባት ተባሂሉ ዝቖመ እዩ።

ኣብቲ እትቕመጠሉ ከባቢ እንታይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፤ ኣብ ኢንተርነት ርአ።

ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣድልዎ ምፍጻም ዘይሕጋዊ ’ዩ

ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባለኻ፤ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ምስ ዚግበረልካ፤ ንሱ ኣድልዎ diskriminering ክኸውን ይኽእል ’ዩ። እዚ ገበን ’ዩ።  ሓደ ሰብ፡ ብምኽንያት ጾታዊ ዝምባለኻ፡ ኣብ ልዕሌኻ መጥቃዕቲ ምስ ዚፍጽም፤ እዚ ከቢድ ገበን፤ ከም ናይ ”ጽልኢ-ገበን” ተባሂሉ ’ዩ ዚጥቀስ።

To the top of the page