ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም 15 ዓመት ክትመልእ ኣለካ ድዩ?

Måste man vara 15 år för att ha sex? - tigrinska

ሕቶ

ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም 15 ዓመት ክትመልእ ኣለካ ክብሃል ሰሚዔ። ሓቂ ድዩ? ቅድሚ 15 ዓመት ምምልኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ዝፍጽም ነይረ ክልኩል ዶ ምኾነ ነይሩ?

ምላሽ

ኣይፋል፡ ክልኩል ዝኾነ ዝገበርክዮ ነገር የለን። ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ናይ ግድን ልዕሊ 15 ዓመት ክትከውን ኣለካ ዝብል ዝኾነ ሕጊ የለን። ግን ሓደ/ሓንቲ ልዕሊ 15 ዓመት ሰብ ምስ 15 ዓመት ዘይመልኣ/ኣት ሰብ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም/ክትፍጽም ክልኩል እዩ ዝብል ሕጊ ኣሎ።

እቲ ሕጊ መንእሰያት ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጽሙ ንኽዓግት ኣይኮነን ተገይሩ። እዚ ሕጊ 15 ዓመት ዘይመልኡ ቈልዑን መንእሰያትን ካብኦም ዝዕብዩ ሰባት ብጾታዊ ርክብ ንኸይብለጹሎም ክከላኸል ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ክገብር/ክትገብር ምስ ዘይደሊ/ዘይትደሊ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እውን ክልኩል እዩ። ዕድሜኻ/ዕድሜኺ ብዘየገድስ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page