ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕቶን መልስን

ግብረ ሕቡእ (ሴጋ) ንኣካላት ሕማቕ ድዩ?

Är det dåligt för kroppen att onanera? - tigrinska

ሕቶ 

ግብረ ሕቡእ ንኣካላት ሕማቕ እዩ፣ ከምኡ ዝገብር ሰብ ድኹም ይኸውንን ይሓምምን ክብሉ ሰሚዐ። እዚ ሓቒ ድዩ? ሓደ ሰብ ግብረ ሕቡእ ዝፍጽም እንተኾይኑ ምውላድ የሸግሮ ድዩ? 

ምላሽ

ኣይፋል፣ ግብረ ሕቡእ ንኣካላት ሕማቕ ኣይኮነን። ድኹም ወይ ሕሙም’ውን ኣይትኸውንን ኢኻ። ቈልዓ ንምውላድ እውን ኣሸጋሪ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ግብረ ሕብእ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንኣካላት ወይ ጥዕናኻ ሕማቕ ኣይኮነን።

ዋላ’ውን ካልኦት ግብረ ሕቡእ ሕማቕ እዩ ክብሉ እንተ ሰማዕካ ጌጋ ሓበሬታ እዩ። ኣነ ጽብቕ ኣገባብ ምፍጻም ጾታዊ ርክብ እዩ ምበልኩ። ግብረ ሕቡእ ምፍጻም ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ፣

  • ንስኻ ባዕልኻ ትፈትዎ ነገር ንምፍላጥ ይሕግዘካ።
  • ጾታዊ ድልየትካ እተዕግበሉ ቀሊል ኣገባብ እዩ።
  • ግብረ ሕቡእ ንምፍጻም ካልኣይቲ ክትህልወካ ኣይድልየካን እዩ።

ዳርጋ ኵሉ ሰብ ግብረ ሕቡእ ይፍጽም እዩ። ገለ ገለ ተደጋጋሚ ይገብርዎ ገለ ገለ ድማ ሳሕቲ። ግና ዳርጋ ኵሉ ሰብ ይገብሮ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ሕቶን መልስን

ኣብዚ: መንእሰያት ናብ UMO ዝሰደድዎ ሕቶ ከተንብብ ትኽእል ኣብ ዩሞ ዘለዋ ኩላተን ሕቶታት: በቶም ኣብ UMO.se ኣዘውቲሮም ዚምልሹ ኪኢላታት ዝተመለሳ’የን።

To the top of the page