ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኻ ወይ ጾታዊ መንነትካ ብስድራ ቤትካ ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ምስ እትኸውን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

Stöd om du är utsatt för hot eller våld av familjen på grund av din sexuella läggning eller könsidentitet - tigrinska

ስድራኻ፡ ግብረ ሰዶም (homosexuell)፡ ድርብ ጾታዊ (bisexuell)፡ ስግረ ጾታዊ (trans) ወይ ኵይር (queer) ስለ ዝኾንካ፡ ክብረቶም ከይጠፍእ ይፈርሑ ድዮም? ከምኡ ብምዃንካ ባህልኻ ወይ ሃይማኖትካ ካብ ስድራኻ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበርካ ከም እትንጸል ክገብር ይኽእል ድዩ? ወይ ኣዝማድካ ኣብ ልዕሌኻ ምእንቲ ምፍርራሕ ከይገብሩ ወይ ሓይሊ ከይጥቀሙ ብምስጢር ዲኻ ትሕዞ? ነብስኻ ንኽትመስል መሰል ኣለካ። ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን እውን ኣሎ።

ዋላ’ኳ ደሓን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ኣይትእመን፡ ግን ደሓን ክኸውን ይኽእል እዩ

እዚ ፊልም ምስ መንእሰያት ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ኣይ ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተመርኮሰ እዩ። ኣብዚ ፊልም ዝርኣዩ ሰባት ግን ተዋሳእቲ እዮም።

ስምካ ከይገለጽካ ክትነግር ትኽእል ኢኻ

ዋላ ከቢድ ኮይኑ እንተ ተሰምዓካ ብዛዕባ ኵነታትካ ንገለ ሰብ ክትነግር ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ኢኻ  ድማ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ስምካ ዘይምንጋር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ’ዞም ዝርዝራት ስምካ ከይጠቐስካ ክትራኸቦም እትኽእል ቦታታት ኣሎ። እቶ’ም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ከም ናትካ ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣለዎም። ከምኡ’ውን ምሳኻ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ምስ ዘለዉ ሰባት ትራኸበሉ ቦታታት ክሕብሩኻ ይኽእሉ እዮም።.

  • RFSL Stödmottagning ብኢ-መይልን ተሌፎንን ብብዙሕ ቋንቋታት ሓገዝ ይህቡ። ናብ 020-34 13 16. ደውል።
  • Kärleken är fri ብቻትን ኢ-መይልን ሓገዝ ይህቡ።
  • Somaya stödjour ብቻት፡ ኢ-መይልን ተሌፎንን ብብዙሕ ቋንቋታት ሓገዝ ይህቡ። ናብ 020-81 82 83 ደውል።
  • GAPF – Riksorganisation mot hedersvåld ብቻት፡ ኢ-መይልን ተሌፎንን ሓገዝ ይህቡ። ናብ 070-000 93 28 ደውል።
  • Linnamottagningen ብተሌፎን ሓገዝ ይህቡ። ናብ 020-40 70 40 ደውል።

ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ምስ እትኸውን፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten)

ገለ ነገር ከየጋጥመካ ምስ እትፈርሕ፡ ወይ ካብ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ሓገዝ ወይ መዕቆቢ እንተድኣ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበር። ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ንግዚኡ ክትነብረሉ ትኽእል ሓደ ውሑስ ቦታ ከዳልዉልካ ይኽእሉ እዮም።

ሓበሬታ ርክብ ናይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግልት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትነብረሉ ኮሙን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ንምግባር፡ ንኣብነት ካብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ቦታታት ሓገዝ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገግሎት ሓገዝ ክትሓትት ከለካ መን ምዃንካ ክትነግር ኣለካ። ሓገዝ ከም ዝሓተትካ ስድራኻ እንተ ፈሊጦም ክጎድኡኻ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ምስ ዝህልወካ፡ ስክፍታኻ ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓብሮም ኢኻ። ኣብ ከም’ዚ ኵነት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምስ ወለድኻ ወይ ምስቶም እትነብረሎም ዓበይቲ ሰባት ምርኻቦም ንዓኻ ናብ ሓደ ውሑስ ቦታ ንኽትግዕዝ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኾይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ግድን ምስ’ቶም እትነብረሎም ዓበይቲ ሰባት ክራኸቡ ኣለዎም። ይኹን’ምበር ናይ ግድን ኩሉ ግዜ ብምልኡ ዝተዛረብካዮ ክነግሩ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓደ ሓደ ነገራት ምስጢር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ስድራኻ እንተ ፈሊጦም መጉዳእቲ ንኽወርደካ ሓደጋ ምስ ዝህሉ። 

112 ከምኡ’ውን ፖሊስ

ኣብ ሓደጋ እንተ ሃሊኻን ህጹጽ እንተ ኾይኑን ናብ 112 ደውል። ህጹጽ እንተ ዘይኮይኑ ናብ 114 14 ደውል፡ ወይ ካብ ሽወደን ወጻኢ እንተ ኣለኻ ዄንካ ናብ +46 77 114 14 ደውል።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ስድራ ቤተይ ኣብ ሂወተይ ክውስኑ ይፍቐዶም ድዩ?

ወለድኺ ወይ መጕዚኺ ክሳዕ 18 ዓመት ትመልኢ ናትኪ ሓላፍነት ይወስዱ። እዚ ግን ንኩሉ ክውስኑ ይፍቐደሎም ማለት ኣይኮነን። ንስኺ’ውን ኣብ ንሂወትኪ ዝምልከቱ ውሳነታት ተኻፋሊት ክትኮኒ መሰል ኣለኪ። ስድራቤትኪ መጠኑ ዝሓለፈ ክውስኑ እንተ ደልዮም ወይ ቁጽጽር እንተ ጌሮምልኪ ሓገዝ ሕተቲ።

ዓንቀጽ

ፊልም: ኣነ ወዲ እየ ይመስለኒ

ኣሌክስ ከም ወዲ እምበር ከም ጓል ኾይኑ ኣይስምዓን እዩ።

Familj

ተገዲደ ከይምርዖ ፍርሓት ኣለኒ- እንታይ ክገብር ይኽእል?

ተገዲድኪ ንኸይትምርዓዊ ምፍራሕኪ ዕቱብ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ገለ ሰብ ክትዛረቢ የድልየኪ እዩ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ኣገዲድካ ምምርዓው ገበን እዩ። ካልእ ዝኾነ ሰብ ከገድደኪ ኣይፍቐደሉን እዩ። ወለዲ ይኹኑ የሕዋት፣ ኣዝማድ፣ የዕሩኽ ወይ ካልእ ሰብ።

To the top of the page