ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
Tobak alkohol droger - tigrinska

ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ:: ንትንባኾ: ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።

Current articles

  • ሽጋራ ምትካኽ

    ኣብ ትኪ ናይ ሽጋራ ብዙሓት መርዛማት ባእታታት ኣለዉ። ሽጋራ ምትካኽ ዝተፈላለዩ መጕዳእትን ሕማማትን ከስዕበልካ ይኽእል እዩ። ወልፊ ናይ ሽጋራ ምትካኽ ክሕዘካ ይኽእል እዩ፡ ግን ምቍራጹ ይከኣል እዩ።

  • ምቍራጽ ምትካኽ ሽጋራ

    ኣብዚ፡ ምትካኽ ሽጋራ ንምቍራጽ ንኽትዕወት ብዙሓት ምኽርታት ትረክብ። ሽጋራ ምትካኽ ምስ ኣቋረጽካ ብርቱዕ ህርፋን ናይ ሽጋራ ምትካኽ ክስምዓካ ይክእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ህርፋን ናይ ሽጋራ ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። ነዚ ምፍላጡ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ምትካኽ ሽጋራ ከተቋርጽ ከለኻ ኣብ ኣካላት እንታይ የጋጥም?

    ኣብዚ ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ከለኻ ኣብ ኣካላት እንታይ ከም ዘጋጥም ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ ኣሎ። ኣስተውዕል! ትሕዝቶ ናይ ጥርሑ ኣካላት ኣለዎ።

  • ኣልኮል

    ኣልኮል ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት መስተ ይርከብ። ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ወይ ጥዑም ኢሎም ስለ ዝሓስቡ መስተ ይሰትዩ። ብብዝሒ ወይ ቐጻሊ እንተሰቲኻ ግን ኣልኮል ንኣካላትካ ክጐድእን ጸገም ከምጽኣልካን እውን ይኽእል እዩ።

  • ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ መስተ ምስታይ

    እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ጸገማት ኣልኮላዊ መስተ እዩ። ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ ትሰቲ እንተኾንካ፣ ኣልኮል ንሂወትካ ኣዝዩ ይጸሉ እንተሃልዩ። ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንምቑራጽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ዕጸ ፋርስ

    ዕጸ ፋርስ ሓደ ክትጥቀመሉ ሃሳይን ከም ትውለፍ ክገብረካ ዝኽእልን ነገር እዩ። ዕጸ ፋርስ ትጥቐም እንተኾንካ ኣብ ሂወትካ ጸገም ከጋንፈካ ንብር እዩ። ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ንምቑራጽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

To the top of the page