ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ብዛዕባ ”ዩውሞ” (Youmo)

ዝበጻሕካዮም ኣድራሻታት ኢንተርነት ሕባእ

Dölj ditt besök - tigrinska

ኣበየኖት ገጻት ከም ዝበጻሕካ ወይ እንታይ ከም ዝደለካ ካልእ ሰብ ክርእዮ ክኽእል ኣይትደልን ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ።

ሞባይላት፡ ኮምፕዩተራትን ታብሌታትን (surfplattor) ኣየኖት ገጻት ርኢካ ከም ዝነበርካ ይዝክርኦ እየን።

ብኸምዚ ኣገባብ ነቲ ዝተዓቀበ ሓበሬታ ተልግሶ

ነቲ መርበብ ብኸመይ ከም ትድህስሶ (surfar) ተሞርኵሱ፡ ነቲ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መገዲ ተልግሶ።

እዚ፡ ሓንቲ ሞባይል ዲኻ፡ ኮምፕዩተር ወይስ ታብሌት ከም ትጥቀምን ኣየናይ መንበቢ መርበብ (webbläsare) ከም ትጥቀምን እዩ ዝውስኖ።

ነቲ ሓበሬታ ንኸተልግሶ፡ ነቲ ኣብ ናትካ መንበብ መርበብ ዘሎ መምረጺ (meny) ብምኽፋት ጀምር። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መምረጺ ኣብ ሞባይል ወይ ኣይፓድ ኣብ ታሕቲ ናይቲ መንበብ መርበብ እዩ ዝርከብ። ኣብ ኮምፕዩተር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ጫፍ እዩ ዘሎ። እቲ መምረጺ መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዝስዕብ ዝመስል ምልክት ክህልዎ ይኽእል እዩ፡

  • ሰለስተ ነጥብታት
  • ሰለስተ ጋድም ሕንጻጻት
  • ሓደ ክፉት መጽሓፍ
  • ሓደ ሰናን መንኰርኰር።

ነቲ መምረጺ ምስ ከፈተካዮ ኣብቲ ታሪኽ (historik) ዝብል ቃል ወይ ንሓንቲ ሰዓት ዝመስል ምልክት ጠውቕ። ከምዚ ምስ ገበርካ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዝርዝር ናይቶም በጺሕካዮም ዝነበርካ ገጻት ክመጽእ እዩ።

ኵሉ እቲ ሓበሬታ ከተልግሶ፡ ወይ ኣየኖት ገጻት ከተልግስ ከም ትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቲ ደምስስ ወይ ኣልግስ ዝብል ቅድሚ ምጥዋቕካ ነቶም ገጻት ምልክት ብምግባር ተተግብሮ።

ሓደ ሓደ መንበቢ መርበባት ሒደት ኣማራጽታት ናይ ኣየናይ ዓይነት ሓበሬታ ከም ዝድምሰስ ይህባካ እየን። ኵሉ እቲ ዝበጻሕካዮ ገጻት ከልግስ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ታሪኽ ናይ መርበብ (webbhistorik) ምልክት ግበር። ነቲ ዝዕቀብ cookies ዝበሃል እውን ከተልግሶ ክትመርጽ ትኽእል ኢካ። ብዛዕባ cookies ብሽወደንኛ ኣብ UMO.se ብዝያዳ ኣንብብ

ሓበሬታ ከይዓቀብካ ክትድህስስ ትኽእል ኢኻ

በቲ ናይ ግሊ ምድህሳስ (privat surfning) ዝበሃል ጌርካ እታ ሞባይል ወይ ኮምፕዩተር ከይዘከረቶ ዝተፈላለዩ ገጻት ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ኣብቲ ናይ መርበብ መንበቢ ዘሎ መግለጺ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ግሊ ምድህሳስ ወይ መንነትካ ከይተፈለጥካ (Inkognito) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

መንበቢ መርበብ (webbläsare) ጥራይ ኣይኮነን ሓበሬታ ዝዕቅብ። ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሓደ ሓደ ብውልቃዊ መለለይኻ ኣቲኻዮም ዘሎኻ (inloggad) መርበብ ሓበሬታታት እውን ሓበሬታ ይዕቅቡ እዮም። እዚ ንኣብነት ኣብኡ እንታይ ሓበሬታ ደሊካ ከም ዝነበርካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ገጽ ወይ ኣብቲ ኣፕ ዝርከብ ኣብ መንጎ እቲ መቃን (inställningarna) ኣቲኻ ከተልግሶ ትኽእል ኢኻ።

ካብ መንበቢ መርበብን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከመይ ጌርካ ሓበሬታ ከምተልግስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት መንበቢ መርበብን ተለፎናትን፣ ታብሌታታትን ኮምፕዩተራትን ከመይ ጌርካ ብግሊ ከም ትድህስስን ዘርኢ ፊልምታት ኣብ ዩቱብ (Youtube) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ክድህስስ ከለኹ ስለምንታይ እዩ ሓበሬታ ዝዕቀብ?

እቲ በጺሕካዮ ዝነበርካ ገጻት እንደገና ክትበጽሖ ከለኻ ምእንቲ ቀልጢፉ ክርኣ እዩ። እዚ ሓቢእካ-ምኽዛን (cache-lagring) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዚ ግዜ ክቑጥብን ጽቡቕ ክኸውንን ይኽእል እዩ። ግን ካልኦት ነታ ሞባይል፣ ኮምፕዩተር ወይ ታብሌት ዝጥቀሙላ ሰባት ነቲ ሓበሬታ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ነቲ ሓበሬታ ብምስጢር ክትሕዞ እንተ ደሊኻ ኵሉ ዝተዓቀበ ሓበሬታ ከተልግሶ የድልየካ።

To the top of the page