ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ብዛዕባ ”ዩውሞ” (Youmo)

ብዛዕባ ”ዩውሞ” (Youmo)

Om Youmo - tigrinska

Youmo.se ንዓኻ ካብ ዕድመ 13 ክሳብ 20 ዘሎኻ ከገልግለካ ዝተዳለወ፤ ኣድራሻ ኢንተርነት እዩ። ኣብዚ ኣድራሻ ’ዚ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣካላትን ጾታን፤ ብዛዕባ ጥዕናን ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ ውን፡ ብዛዕባ ማዕርነት ደቂ-ሰባት፡ ብዛዕባ መሰላትካ፡ ጽቡቕ ንኽስመዓካ ውን፡ ሓገዝ ብኸመይ ከም ትረክብ ክተንብብ ኢኻ። 

ኣብ ’ዚ Youmo ስእልታትን ፊልምታትን፤ ብቛንቋታት ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሶማል፡ ሽወደን ከምኡውን ብትግርኛ ክትርኢ ኢኻ። ሓበሬታ ብዛዕባ ኩሎም ኣብ ሽወደን ዚርከቡ፤ መቐበል-መንእሰያት (ungdomsmottagningar) ውን፤ ኣብኡ ክትረክብ ኢኻ። 

እዚ Youmo ዚበሃል፡ ሓደ ክፋል ናይቲ UMO.se ዚብል ”መቐበሊ-መንእሰያት” ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ’ዩ። እቶም ሓለፍቲ ናይ ’ዚ Youmoን ናይ UMOን፤ እቶም ወረዳዊ ባይቶታታን እቶም ዞባዊ ምምሕዳራትን እዮም። ንሳቶም፡ እቶም ነቲ ኣብ ሽወደን ዚግበር ክንክን-ሕማምን ሓለዋ-ጥዕናን ዘመሓድሩ፤ ኣብያተ ስልጣን እዮም። 

እዚ ኣብ ’ዚ ኣድራሻ ኢንተርነት ’ዚ ተጻሒፉ ዘሎ ትሕዝቶ፤ በቶም ኣብ Youmos ዚርከቡ ክኢላታት-ፍልጠት ተመርሚሩ ዝቐረበ እዩ።  

እቲ ትርጉማት ውን፤ በቶም ብዙሓት ናይ ቋንቋ ሽወደንን፤ ናይቲ ዚምልከቶ ናይ ትርጉም ቋንቋን፤ ክእለት ብዘሎዎም ሰባት ተመርሚሩ ዝተቐረበ እዩ። 

እዚ Youmo፡ ብምትሕብባር ቤትስልጣን መንእሰያትን ሲቪካዊ ሕቶታትን (Myndigheten för ungdoms-och civilsamhällesfrågor, MUCF) ዝተዳለወ እዩ። ነዚ Youmo ንኽፍጠር ገንዘብ ዝመወለ ድማ፤ መንግስቲ ሽወደን እዩ።

ክትጹሕፉልና ደስ ይብለና። ገለ ጉድለት ምስ ትረክብን ወይ ነዚ Youmoብኸመይ ዝበለጸ ክንገብሮ ከም እንኽእልን ሓሳባት ምስ ዚህልወካ፤ ርእዮትኻ ለግሰልና። መልእኽቲ ብቛንቋታት ሽወደንን እንግሊዝን ክንቅበል ንኽእል ኢና። 

To the top of the page