ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

Så kan du få vård - tigrinska

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

En ung person sitter och pratar i telefon.

1177

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ሓሚሙ፤እንተ ደኣ ምኽርን ሓገዝን ኣድልዩካ፤ ናብ ቁጽሪ ስልኪ 1177፤ኣብ ዝደለኻዮ እዋን፡ ኣብ ለይቲ ይኹን መዓልቲ፡ ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ደወልካ፡ እንታይ ሕክምና ከም ዘድልየካ፤ ከምኡውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ማእከል-ጥዕና ወይ ናይ ህጹጽ ሕክምና መቐበሊ-ቦታ፤ ኣበይ ከም ዝዀነ ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት 1177.seኣቲኻ ውን፤ እቲ ማእከል-ጥዕና ኣበይ ምዃኑ፤ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

Vårdcentral

እንተ ሓሚምካ ወይ ብዛዕባ ጥዕናኻ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፤ ምስ ሓደ ማእከል- ጥዕና ተራኸብ። እዚ ናይ ጥዕና-ማእከላት፤ ገለ እዋናት ውን፤hälsocentral, sjukstuga, husläkarmottagningወይ distriktsläkarmottagning ተባሂሉ ይስመ እዩ። ንመብዛሕትኦም ሕክምናታትን ናይ ጥዕናኻ ሕቶታትን፤ ናብዚ ቦታዚ ’ዩ ምኻድ ዘድለየካ። ኣብ ምሉእ ሃገር ናብ ዚርከብ ማእከል-ጥዕና፡ ናብ ዝደለኻዮ መሪጽካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

Ungdomsmottagning

እዚ መቐበል-መንእሰያት ’ዚ - Ungdomsmottagningen ነቶም ካብ 13 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።ኣብዚ ዚስዕብ፡ ungdomsmottagningenኣብቲ መቐበል-መንእሰያትእንታይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል፤ ብዝበለጸ ክተንብብ ኢኻ።

Elevhälsa

እዚ ጥዕና-ተመሃራይ - Elevhälsa ዝበሃል፤ ኣብ ኩሉ ኣብያተትምህርቲ ዚርከብ ናይ ተመሃሮ ናይ ጥዕና-ማእከል እዩ። ኣብዚ ቦታዚ ድማ ኩሉ እዋን፤ ሓንቲ ነርስ ኣላ፤ ገለ እዋናት ውን፡ ሓንቲ ኣማኻሪት (ኩራቶር)፤ ዶክቶር ወይ ውን ናይ ስነኣእምሮ ክኢላ፤ ኣብኡ ይርከቡ እዮም። ኣብዚ ብዛዕባ ብዙሓት ነንበይኖም ጉዳያት፤ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ገለ ዘጨንቐካ ነገር ወይ ናይ ከብዲ ቅርጸት እንተ ኣጋጢሙካ፤ ወይ ውን እንተ ደኣ ብገለ ነገር ቆሲልካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

112 ናይ ህጹጽ ረድኤት መጸውዒ 

ሓደ ሰብ፡ ንህይወቱ ኣብ ዘስግእ ኩነታት እንተ ደኣ ወዲቑ፤ ናብ ቁጽሪ ቴሌፎን 112 ደውል። እዚ ኪግበር ዚክኣል ንኣብነት፡ ንስኻ ንባዕልኻ ወይ ካልእ ሰብ እንተደኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፤ ወይ ቀልቡ ኣጥፊኡ ብሃንደበት ምስ ዝወደቕ ‘ዩ።

ሕጹጽ ክንክን-ሕማም 

እቲ ናይ ህጹጽ ክንክን-ሕማም መቐበሊ ቦታታት፤ ለይትን-መዓልትን ኩሉ ጊዜ ክፉት እዩ።ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላት እዮም ዝርከቡ። ሓደ ሆስፒታል፡ ”ላሳሬት” ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ ‘ዩSjukhus kan också kallas lasarett። ናብ ሕጹጽ ክንክን-ሕማም ምኻድ ዘድልየካ፤ እቲ ሕማም ከጸቢ ዘይክእል ምስ ዚኸውን ‘ዩ። ንኣብነት፡ ምትንፋስ ምስ ዘይትኽእል ወይ’ውን ኣብ ገለ ከቢድ ሓደጋ ምስ ትወድቕ ‘ዩ።ናብ 1177 ደዊልካ፡ እቲ ቦታ ናይ ህጹጽ ክንክን-ሕማማት፤ ኣበይ ከምዝዀነ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ፍሉያት ክኢላ ዶክቶራት ዘሎዉዎ መቐበል-ሕሙማት 

ኣብ ካልእ ናይ ጥዕና ማእከላት ክትረኽቦም ዘይትኽእል፤ ነንበይኑ ፍሉይ-ሕክምና ክህቡ ዚኽእሉ ዶክቶራት ዘሎዉዎ፤ ገለ መቐበል-ሕሙማት ኣሎ እዩ። ንኣብነት፡ ከም ናይ ስነኣምሮኣዊ-ሓኻይም፡ ሓኪም-ዓይኒ፡ ሓኪም-ቆርበት ወዘተ ክጥቀሱ ይክኣል ‘ዩ።ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት 1177.se ኣቲኻ፤ ነዞም መቐበል-ሕሙማት እዚኦም ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። 

Barnmorskemottagning

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣንስትን ኣዴታትን መቐበሊ-ቦታ፤ እተን ኣዋለድቲ ነርስትታት እየን ኣብኡ ዝሰርሓ። እዚ ማእከል ጥዕና ‘ዚ፤ ናይ ኣዴታት ማእከል-ጥዕና mödravårdscentral, MVC ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። ናብዚ ክትከዲ እትኽእሊ፤ ጥንሲ እንተ ጌርኪ ወይ ብዛዕባ ከኒና መከላኸል-ጥንሲ (p-piller) ወይ ውን ካልእ ዓይነት መከላኸል-ጥንሲ ንምዝርራብ ምስ ዘድልየኪ እዩ። 

ተርጓማይ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ምስ ትኸውን፤ መታን እቲ ሓኪምን እቶም ካልኦት ኣብ ክንክን-ሕማም ዘሎዉ ሰራሕተኛታት ዚህቡኻ ሓበሬታ ክትርድኦ ክትክእል፤ ተርጓማይ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። ቆጸራ ናይ ሕክምናኻ ክትገብር ከሎኻ፤ተርጓማይ ከም ዘድልየካ ድማ ኣቐዲምካ ሓበሬታ ሃብ። ብዛዕባ ሓገዝ ናይ ተርጓማይ፤ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት 1177.se ብዝበለጸ ሓበሬታ ኣንብብ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ምስጢር

ኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምዕቓብ ምስጢር ይበሃል። ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ይምልከት።

To the top of the page